ሶማልያ፡ 'ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ሰራዊታ ምውፋራ ምንቅስቓስ ኣልሸባብ ከምዝውስኽ ገይሩ’ዩ'

ምንጪ ስእሊ, AP
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ሶማልያ ከም ዓቓቢ ሰላም ኰይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ሃገር ምንቅስቓስ ኣልሸባብ ንኽዛይድ ምኽንያት ከምዝዀነ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከሲሱ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሃገራ ክወጽኡ ክትሓትት ዝጸንሓት ሶማልያ፡ እቲ ድሕሪ ኣዋርሕ ተልእኾኡ ዝውድእ ሰራዊት ምስ ወጽአ ኣብ ሃገራ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት እተዋፍር ሃገር ባዕላ ክትመርጽ ምዃና’ያ ኣትሕብር ዘላ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብታ ሃገር ሰራዊተን ካብ ዘውፈራ ሓሙሽተ ሃገራት ብፍሉይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምንጽጻር፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ኣብ ዝነበረሉ እንትርፎ ምንቅስቓስ ኣልሸባብ ክዛይድ ካልእ ዝገበሮ ኣዝዩ ውሱን ምዃኑ ኣብሪሁ።
ካብዚ ብምብጋስ ኣብቶም ብሕጂ ኣብታ ሃገር ከም ዓቃቢ ሰላም ኰይኖም ዝዋፈሩ ወተሃደራት፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክህሉ ከምዘይትደሊ እቲ መግለጺ ኣተንቢሁ ኣሎ።
እቲ ሚኒስትሪ ትማሊ ኣማስያኡ ኣብ ዘውጽኦ ሰፊሕ መግለጺ እቲ ኣብ መንጐ ሶማልያን ኢትዮጵያን ተኸሲቱ ዘሎ ዘይምርግጋእ’ውን ገሊጹ’ዩ።
ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ ተዋፊሩ ዘሎ ካብ ሓሙሽተ ሃገራት ዝተዋጽአ ዓቃቢ ሰላም ኣብ ዝምልከት፡ መንግስቲ ሶማልያ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብቲ ተልእኾ ክወጽኡ ብተደጋጋሚ ክጽውዕ ጸኒሑ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Villa Somalia
ኣብ ሶማልያ ተዋፊሩ ዘሎ ዓቃቢ ሰላም ተልእኾኡ ኣብ ዝመጽእ ጥሪ ዘብቅዕ ኰይኑ፡ እቶም ከም መተካእታ ናብታ ሃገር ዝመጽኡ ሰራዊት መንግስቲ ሶማልያ ከምዝመርጾምን ነቲ ተልእኾ ባዕሉ ክመርሖ ምዃኑን ይሕበር ኣሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስታ ሶማልያ ግዝኣተይ’ያ ትብላ ሶማሊላንድ ንኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት ክልተኣዊ ስምምዕ ምስ ከተመ ኣብ መንጐ ሶማልያን ኢትዮጵያን ክሳብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝበጽሐ ዘይምስምማዕ ከምዝተፈጠረ ይፍለጥ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ኢትዮጵያ [ምስ ሶማሊላንድ] ዝፈጸመቶ ዘይሕጋዊ ስምምዕ፡ ንልኡላውነትና ዝጥሕስን ነቲ ዓቃቢት ሰላም’የ ዝብል ዘረባ ዘፍርስን ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእቱን’ዩ” ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ “ኣብ ዝሓለፈ እዋን ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተዋፈረሉ ምንስቅስቓስ ኣልሸባብ ክዛይድን ውሑድ ምምሕያሻት ክርአን ኢና ኣስተብሂልና” ኢሉ።
መንግስቲ ሶማልያ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝመጽእ ጥሪ ኣብ ሶማልያ ዓቃቢ ሰላም ኣብ ዘዋፍረሉ “ሶማልያ ከም ልኡላዊት ሃገር ናይ ኣየነይቲ ሃገር ወተሃደራት ኣብ ሃገራ ክዋፈሩ ከምዘለዎም ናይ ምውሳን ስልጣን ኣለዋ” ኢሉ።
እዚ ኸኣ እተን ወተሃደራተን ዘዋፍራ ሃገራት ንዝወሃብ ውሳነ “ምስ ሃገራዊ ረብሓን ልኡላውነትን ሶማልያ ተሳንዩ ክረአ ይግባእ” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢትዮጵያ ንኣስታት 20 ዓመት ሰራዊታ ኣብ ሶማልያ ኣዋፊራ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ድሕሪ ምሕርፋፍ ርክብ እዘን ክልተ ሃገራት፡ መንግስቲ ሶማልያ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሃገሩ ክወጽኡ ብተደጋጋሚ ክጽውዕ ጸኒሑ’ዩ።
ካብቶም ኣብ ሶማልያ ተዋፊሮም ዘለዉ ዓቀብቲ ሰላም እቶም ዝበዝሑ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኰይኖም፡ ንርእይቶ ሶማልያ ኣመልኪቱ ነቶም ሰራዊት ዘዋፈረ ሕብረት ኣፍረቃ ይዅን ነቲ ዓቃቢ ሰላም ንዋታዊ ደገፋት ዘቕርብ ሕቡራት ሃገራት ዝሃብዎ ርእይቶ የለን።
ኣብታ ሃገር ካብ ኬንያ፡ ኢትዮጵያ፡ ዩጋንዳ፡ ብሩንዲን ጅቡትን ዝተዋጽኡ ሰራዊት’ዮም ከም ዓቓቢ ሰላም ኰይኖም ዝሰርሑ ዘለዉ።
ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰነ ሸኽ ማሕሙድ ብዘይካ ናብ ኢትዮጵያ ናብ ኵለን እተን ሰራዊተን ኣብ ሶማልያ ኣዋፊረን ዘለዋ ሃገራት ዑደት ድሕሪ ምክያዱ’ዩ እዚ መግለጺ ተዋሂቡ ዘሎ።
ኢትዮጵያ ብውሕዱ ሰለስተ ሽሕ ሰራዊታ ከም ዓቃብ ሰላም ኣብ ሶማልያ ከተዋፍር እንከላ፡ ተወሳኺ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሸውዓት ሽሕ ዝዀኑ ሰራዊታ ከኣ ብስምምዕ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ሶማልያ ኣዋፊራ ኣላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







