ኤርትራዊት ስነጥበበኛ ራይሞክ ኣብ መኸተ ሕማም መንሽሮን ኣህጉራዊ ውድድር ቁንጅናን

ምንጪ ስእሊ, ራይሞክ ቃልኣብ
ራይሞክ ቃልኣብ በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ክልተ ቘልዑን እያ። ብሰንኪ ዘጋጠማ ጥዕናዊ ብድሆ፣ መንሽሮ ርእሲ (Brain Cancer) ኣብ ታይላንድ ሕክምና ኣብ ምክትታል ክነሳ፡ እቲ ይኸእሎ’የ ዝብል ሓቦኣን እወታዊ ድርኺታን ነቲ ዘይከውን ዝመስል ንምግባር ሓጊዙዋ እዩ።
ካብቲ ተሕልፎ ዘላ ከቢድ ቃንዛን ስቓይን ድማ ‘ንቃንዛይ ብዓወት ጥራይ’የ ክስዕሮ ዝኽእል’ ብምባል ኣብ ኣህጉራዊ ውድድር ጽባቐ ተወዳዲራ፣ ወይዘሪት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዓለም 2023 ከምኡ'ውን ፍልይቲ ንግስቲ ኣምባሳደር ወይዘሪት ዓለም 2023 [ miss east Africa worldwide 2023፡ special queen ambassador of miss world wide 2023] ክትዕወት በቒዓ እያ።
ሓያለ ደቀንስትዮ ኣብ ሕልመን ንምብጻሕ ብልዑል ፍናን ክጐያ ይጸንሓ’ሞ፡ ሓዳር ድሕሪ ምግባረን ደገፍ ስድራ ቤተንን መጻምደንን ስኢነን እቲ ዝሃነጻኦ ዝፈርሰን ውሑዳት ኣይኰናን።
እዛ ተዋሳኢት፡ ኤዲተር፡ ዳይረክተር ፊልምን ስፖርተኛን በዓልቲ ብዙሕ ሞያታት ግን ካብ በዓል ቤታ ይዅን ስድራ ቤታ ዝግበሩላ ምትብባዕ ድርዒ ስለዝዀና እቲ ቅድሚ ሓዳር ምግባራ ዝነበራ ሕልምታታ ኣይገደፈቶን።
እኳ ደኣ ነቲ ካብኣ ዝሕተት መስዋእቲ እናኸፈለት ግዜኣ ብዝግባእ ተጠቒማ ክሳብ እታ ሃንደበት ኣካላታ ለሚሱ ዓረብያ ክትጥቀም ዝተገደደትላ ዕለት ሓዳራን ደቃን እናኣለየት ቍጠባዊ ናጽነት ብምርግጋጽ ናብቲ ዝሓለነቶ ራእይ ክትበጽሕ ኣብ ጻዕሪ እያ ነይራ።
ናይዚ ድርኺት ድማ ወለዳ እዮም፤ ኣደኣ ኣብ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተምሃሮን ኤርትራ (ሃማመተኤ)፡ ኣቦኣ ከኣ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ እናሰርሑ እዮም ንዓኣን ኣሕዋታን ኣዕብዮሞም።
“ስለዚ ኣነ እውን ኮፍ ዝበሃል ኰይኑ ኣይስማዓንን’ዩ። ምኽንያቱ ሓዳር ርእሱ ዝኸኣለ ብድሆታት'ኳ እንተለዎ ብዓቢኡ ግን ሰብ ትሃንጸሉን ትቐርጸሉን ሓላፍነት ስለዘሰክመካ ንደቅኻ ኣርኣያ ክትከውን’ዩ ዘለካ” ክትብል ኣተዓብባያኣ ህይወታ ኣብ ምህናጽ ልዑል ተራ ከምዘለዎ ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, ራይሞክ ቃልኣብ
ይዅን እምበር ራይሞክ፡ ኣብ ካልኣይ ጥንሳ ቅድሚ ሽዑ ዘይትፈልጦ ብተደጋጋሚ ክትቅንዞ፡ ሰብነታ ክድንዝዝ፡ ጸቕጢ ደማ ክልዕልን ስለዝጀመረ ብኣካላዊ ምንቅስቓስን ባህላዊ ጥሽን እናኣሰነየት ሕክምናዊ ክትትል ክትገብር ጀመረት።
እቲ ሕማም ግን ኣዝዩ እናበአሰ ብምኻዱ ከቢድ እዋን ከምዘሕለፈት ትዛረብ።
ብፍላይ ድሕሪ ሕርሳ እቲ ንዓመታት ምስ መርዘን ዝመሳስል ዝነበረ ቃንዛ ርእሳ ልዕሊ ትጽቢታ ኰይኑ ሃንደበት የማናይ ጐድና፡ ጸኒሓ እውን ምሉእ ኣካላታ ለመሰ። ብኣዝዩ ዘሰንበድ ፍጥነት አዒንታ ምርኣይ ኣእዛና እውን ምስማዕ ስለዘቋረጸ፡ ተጸይራን ብዓረብያን ክትንቀሳቐስ ጀመረት።
‘እቶም ኣብ ኤርትራ ዝረኣዩኒ ሓካይም፡ ሕማም ሽኮር'ውን ስለዘማዕበልኩ ዋላ እውን ንዝለዓለ ሕክምና ንወጻኢ እንተኸድኩ ብዙሕ ተስፋ ከም ዘይብሉ እዮም ሓቢሮምኒ።
ሽዑኡ እቲ ካንሰር ኣብ ማእከል ጋንጊልያ ብምንባሩ ባዮፕሲ [ንመርመራ ዝኸውን ቅምሶ] ክወስዱ ከማን ኣይደፈሩን’ ብምባል ንክብደት እቲ ዝነበረ ኵነታት ተዘንቱ።

ምንጪ ስእሊ, ራይሞክ ቃልኣብ
እንተዀነ ብሓያል እምነታ ተደሪኻ “ክፍትን ኣለኒ!” ብምባል ናብ ታይላንድ ኣምርሐት። ኣብኡ ከኣ እቲ መንሽሮ ኣብ 4ይ ደረጃ በጺሑ ምህላው ተሓቢራ። እቲ ሓደገኛ ሕማም ብዙሕ ሳዕቤናት እናኸተለ ናብ ምሉእ ሰብነታ ተዘርግሐ።
ኣብ ውሽጢ ኣካላታ ረኽሲታት ስለዝዘርአ ንተወሳኺ መጥባሕቲታት ክትዳሎን ተወሳኺ ሕክምናዊ ክትትል ክትገብርን ተሓበራ ።
እዚ ኵሉ ክቱር ጸቕጢ ድማ ንቅዛነት ኣቃልዓ። ሓካይማ ጸረ-ቅዛነት መድሃኒት (anti-depressants) እኳ እንተ ኣዘዙላ፡ ንሳ ግን፡ ኣብ ኣስመራ ቅድም ቅድስት ማርያም ስነ ኣእምሮ ሆስፒታል ወለንታዊ ሓገዛት ክትህብ እንከላ ዘጥረየቶ መረዳእታ ስለዝነበራ ነቲ ምኽሪ ኣይተቐበለቶን።
‘እቲ መድሃኒት ናይ ሓጐስ ስምዒት ፈጢሩ ካብ ቅዛነት ዘውጽእ እምበር ንቅዛነት ዝፍውስ ስለዘይኰነ፡ ነቶም ሓካይመይ ዘሐጉሰኒ ነገር እናገበርኩ ነብሰይ ክፍውስ ይሕሸኒ ስለዝበልኩዎም፡ ኣብ ክፍለ ዓለም ኤስያ፡ ናይ ሚስ ዎርልድ ውድድር ክካየድ ምዃኑ ምስ ፈለጡ ተመዝጊቦምለይ፡’ ትብል።
በዚ ድማ ኣብ ማእከል እቲ ከቢድ ኵነታት ብመንገዲ ነርሳታን ሓካይምን እቲ ሆስፒታል ንእሽቶ ጩራ ኣፍደገ ሕልምታታ ረኺባ።

ምንጪ ስእሊ, ራይሞክ ቃልኣብ
ፈለማ’ኳ ምስቲ ትሓልፎ ዝነበረት ኣካላዊ ቃንዛን ስነ ኣእምሮኣዊ ብድሆታትን ኣብቲ ውድድር ክትሳተፍ ከቢድ እንተነበረ፡ ዕላማኡ ምስቲ ውሽጣ ዝብህጎ ንደቀንስትዮ ምትብባዕን ኣርኣያ ምዃንን ዝሳነ ብምንባሩ ድሕሪ ነዊሕ ምውልዋልን ተቐበለቶ።
ሽዑ'ውን እንተዀነ ነቲ ውድድር ዝኸውን ወጻኢታት ቀሊል ብዘይምንባሩ ዓቢ ብድሆ ኰይኑዋ። ብዘይካኡ እውን እቲ ውድድር ሰሙን መመላእታ ኣብ ሲንጋፖርን ማለዥያን ይካየድ ብምንባሩ፡ እሞ ድማ ገና ሕክምናኣ እውን ተካይድ ብምንባራ ክትሳተፍ ኣጸጋሚ ነይሩ።
ስለዝዀነ ብማንዛ እናተወዳደረት በቲ ሓደ ድማ ሕክምናኣ እናተኸታተለት ኣብታ ናይ መወዳእታ መድረኽ ብምብጻሕ ናብ ሲንጋፖር ኣምሪሓ ሚስ ኢስት ኣፍሪካ ዎርልድ ዋይድ ኰይና ተዓዊታ።
ቀጺላ'ውን እቲ ሆስፒታል መወልቲ ኣብ ብምርካብ ኣብቲ ናይ ሚስ ዎርልድ ዋይድ ውድድር ክትወዳደር እጃሙ ስለዘበርከተላ ነቲ ከቢድ ኵነታት ጥዕናኣ ጸይራን በዲሃን ዳግማይ special queen ambassador of miss world wide 2023 ኰይና ሽልማት ዓቲራ።
ዕላማ ናይቲ ውድድር፡ ብቐንዱ ንደቀንስትዮ ምትትባዕ ኰይኑ፡ ኵሉ እቲ ኣብ ሂወትካ እትሓልፎ መስገደልን ንዕኡ ንምፍታሕ እትጻወቶ ተራን ንዓወታትካ ወሳኒ ረቛሒ ምዃኑ ንምርኣይ እዩ።
ብተወሳኺ ከም ጓል ኣንስተይቲ፡ ንዘለዋ ርእሰ ተኣማንነትን ውሽጣዊ ጽባቐን እተርእየሉ መድረኽ ብምንባሩ፡ በቲ ዘለዋ ኒሕን ሞራልን ንደቀንስትዮ ኣሓተይ እወታዊ ጽልዋ ከሕድረለን ይኽእል’ዩ ብምባል እያ ተሳቲፋ።
ባህጋ ሰሚሩ ከኣ ድርብ ዓወት ብምጉንጻፍ ስማን ስም ሃገራን ኣጸዊዓ።

ራይሞክ ኣብ ዝተፈላለየ ግዚያት ብወለንታኣ፡ ሕልናዊ ዕግበት ዝህብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊን ኣካላዊን ጸገማት ንዘለዎም ክፋል ሕብረተሰባ ኣብ ምሕጋዝ እውን ትነጥፍ እያ።
በዚ ድማ ነቶም ኣብ ኣስመራ መዓስከር ደንደን ዝርከቡ ስንኩላን ኩናት ኤርትራ እውን በቲ ዘለዋ ሞያ ኣካላዊ ምንቅስቓስን ማሳጅን ምስ ብጾታ ብምዃን 3 ግዜ ኣብ ሰሙን እናኸደት ተተባብዖምን ኣካላዊ ምውስዋስ ትምህሮምን ነይራ።
ብተወሳኺ እውን ኣብ ቅድስቲ ማርያም ንዝርከቡ ሕሙማት ስነኣእምሮ'ውን ወለንታዊ ሓገዝ ተበርክተሎም ነይራ።
"ስፖርት ንዓይ ልክዕ ከምዚ ምብላዕን ምስታይን ሓደ ክፋል ሂወትይ እዩ። ኵልና ስፖርታውያን እንተንኸውን ኵላትና እወታዊ ኣተሓሳስባ ምሃለወና ነይሩ።
"ምክንያቱ ስፖርት ንሰብነትካ ጥራይ ዘይኰነ ንርእስኻ እውን’ዩ ዝሰርሖ፣ እዚ ድማ ኣብ ጥዕናና ኣዝዩ እዩ ዝሕግዝ።
"እቶም ስንኩላን ንነዊሕ ኣብ ዓረብያ ኮፍ ኢሎም ክትርእዮም እንከለኻ ንኽትሓስቦ እዩ ዝኸብድ። ቅድሚ ምስንካሎም ከማና ይኸዱን ይንቀሳቐሱ፡ ይዘሉን ይጒዩን ነይሮም። ሕጂ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ክብሉ፡ ንዅሉ ተጻዊሮም ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ሰንኪሎም ኣብ ዓረብያ ኮፍ ኢሎም ክትርእዮም ከቢድ እዩ። ንነብስኻ ኣብ ቦታኦም ኣእቲኻ እንተዘይርኢኻያ ንክትርዳኣሎም ከቢድ እዩ፡" ብምባል ንድርኺት ወለንታዊ ተግባራታ ተረድእ።
እቶም ስንኩላን ግን በታ እትገብረሎ ንእሽቶ ኣዝዮም ክሕጐሱ ክትርእዮም እንከላ ዝያዳ ንዓኣ የሐጕሳ ምንባሩ ብምግላጽ፣ "ንነብሰ ክብል’የ ከም ኵሉ ኤርትራዊ ክተሓጋገዞም ዝፍትን ነይረ፡" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, ራይሞክ ቃልኣብ
ራይሞክ መን እያ?
እዛ ኣደነት፡ ስነጥበብ፡ መምህር ኣካላዊ ምንቅስቃስ (gym instructor) ኤዲተር፡ ሞዴልን ካልእ ብዙሕ ሞያታትን እትውንን መንእሰይ፡ ብ1995 እያ ካብ ኣቦኣ ቃልኣብ ቀለታን ኣደኣ ሓጀር ዓንዶምን ኣብ ንኡስ ዞባ በሪኽ ጻዕዳ ክርስትያን ተወሊዳን ዓብያን።
ኣብ ኮለጅ ማይ ነፍሒን ስማፕ ኢንስቲትዩትን ላዕለዋይ ደረጃ ዝተማህረት ራይሞክ፡ ሕጂውን ማዕረ ሕክምናኣ "ደምበ ጥዕና" ዘርእስታኣብ ጥዕናዊ ዛዕባታት ዘተኮረት መጽሓፍ ሓቲማ ንምዝርጋሕ ኣብ ምሽብሻብ ትርከብ።

ምንጪ ስእሊ, ራይሞክ ቃልኣብ
ለበዋ
ራይሞክ ንዅሎም እቶም ኣብ ሂወቶም ዝተፈላለየ ጸገማት ዘሕልፉ ይዅኑ ብሕማም ዝሳቐዩ ዘለው ብፍላይ ድማ ኣብ ስደት ንዝርከቡ ኣሕዋት፡ ተበዓትን ጽኑዓትን ኢኹም እሞ ንነብስኹም ኣድንቑዋን ኣመስግኑዋን ትብል።
ስእነትን ድኽነትን ሕማምን ሕውየትን መኻይድቲ ደቂ ሰባት'ኳ እንተዀኑ ንዝዀነ ይዅን ብሓገዝ ፈጣርን ውሽጣዊ እምነትን ጽንዓትን ጸበባ እውን ይስገር እዩ’ሞ፡ ንአእምሮና ብዘጋጠመና ክብደት ብደሆ ከየጨነቕና ብእወታዊ መንፈስን ኣተሓሳስባን ንምልኣዮ ክትብል፡ ተመኵሮኣ ምርኵስ ገይራ ምኽራ ትልግስ።

ምንጪ ስእሊ, ራይሞክ ቃልኣብ




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







