1.5 ቢልዮን ዶላር ተሸይጡ ክብረወሰን ዝሰበረ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት

ምንጪ ስእሊ, EPA
ብነፍስሄር ተሓጋጋዚ መስራቲ ማይክሮሶፍት ፖል ኣለን ዝውነኑ ስእልታትን ቅርጻታትን ክብረወሰን ብዝሰበረ ዋጋ 1.5 ቢልዮን ዶላር ተሸይጦም።
እቲ መሸጣ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ሓራጅ ስነ-ጥበብ ከምዝኾነ እቲ ኣብ ዓለም ብቀጥታን ብኢንተርኔትን ብዘካይዶ ሓራጅ ዝፍለጥ ክርስቲስ ይሕብር።
እቲ ቤት ሓራጅ፡ ስርሓት ቪንሰንት ቫን ጎግ፡ ጆርጅስ ሴውራት፡ ፖል ጎጉይን፡ ፖል ሴዛንን ጉስታቭ ክሊምትን ነፍሲ ወከፎም ልዕሊ 100 ሚልዮን ዶላር ከምዝተሸጡን፡ እዚ ድማ ንውልቃዊ ክብረወሰን ናይቶም ስነጥበባኛታት ከምዝሰበረን ገሊጹ።
ካብቲ መሸጣ ዝተረኸበ ኣታዊ፡ ኣለን ኣብ 2018 ቅድሚ ምሟቱ ይድገፎም ንዝነበሩ ትካላት ግብረ ሰናይ ክወሃብ እዩ።
እቲ ዝኸበረ ዋጋ እቲ ብ1888 ዝተሰርሐን Les Poseuses, Ensemble (ንእሽቶ ቅዲ) ብዝብል ዝፍለጥ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ሴውራት፡ ክፍሊቱ ሓዊሱ 149.2 ሚልዮን ዶላር ከምዘውጽአ ክርስቲስ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, GUY BELL/SHUTTERSTOCK
እቶም ኣዝዮም ሃብታማት ዓለምና፡ ኣብ ሞንጎ ዕግርግር ዝመልኦ ዓለማዊ ቁጠባን ኲናት ዩክረይንን ንስነ-ጥበብ ከም ውሑስ ወፍሪ ይርእይዎ ከምዘለዉ ክኢላታት ይዛረቡ።
ካልኦት ክብረወሰን ዝሰበሩ ስርሓት ድማ ናይ ቫን ጎግ ‘ኦርቻርድ ዊዝ ሳይፕረስ’ ብ117.2 ሚልዮን ዶላር፡ ናይ ጋውጊን ‘ማተርኒቲ II’ ብ105.7 ሚልዮን ዶላር ፡ ከምኡ’ውን ናይ ክሊምት ስርሓት ‘በርች ፎረስት’ ብ104.6 ሚልዮን ዶላር ተሸይጦም ኣለዉ።
ቅርጻታት ኣሌክሳንደር ካልደርን ማክስ ኤርንስትን ሓዊሱ ናይ ጆርጅያ ኦኪፍ፡ ክላውድ ሞኔት፡ ዴቪድ ሆክኒ፡ ኣንድሪው ዋይትን ፓብሎ ፒካሶን ስእልታት እውን ካብቶም ዝተሸጡ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, CHRISTIE'S IMAGES LTD 2022
ጠቕላላ ዋጋ ናይቶም ስራሕቲ፡ ድሮ ነቲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ዝተቐመጠ ክብረወሰን ዝሰበረ ኮይኑ ኣሎ።
ኣብቲ እዋን ብ922 ሚልዮን ዶላር ዝተሸጠ ፍርያት ስነጥበብ ብሃብታማት መጻምድቲ ኒውዮርክ ዝውነን ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሚስተር ኣለን ኣብ 1975 ምስ ናይ ቁልዕነት ዓርኩ ቢል ጌትስ ብሓባር ንማይክሮሶፍት መስሪቱ’ዩ።
ኣብ 2009 ብሕማም ኖን-ሆጅኪን ሊምፎማ ተሓኪሙ’ኳ እንተነበረ፡ እቲ ሕማም ተመሊሱ ብዘስዓቦ ጸገማት ኣብ 2018 ሞይቱ።
ኣብ 2010 ድሕሪ ሞቱ ዝበዝሕ ሃብቱ ንማሕበራት ግብረ ሰናይ ክገድፎ ቃል ኣትዩ። ኣብቲ እዋን ብ13.5 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሃብቲ፡ ኣብ ዓለም መበል 37 ሃብታም ሰብ ከምዝነበረ መጽሔት ፎርብስ የመልክት።
ካብቲ ዝእክቦ ንብረት ተወሳኺ 90 ዝኸውን ስራሓት ሓሙስ ክሽየጥ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







