መበቈል ኮቪድ፡ ዕዳጋ ዉሃን ምዃኑ ዝሕብሩ መረዳእታታት ተረኺቦም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መበገሲ ኮቪድ-19 ኣብ ከተማ ዉሃን ዝርከብ ዕዳጋ ምግቢ ባሕርን እንስሳን ሁዋናን ከምዝዀነ ዘርኢ ‘‘ጭቡጥ መረዳእታ ’’ ከምዝረኸቡ ተመራመርቲ ገሊጾም፡፡
ብሰሉስ ዝተሓተሙ ክልተ ሳይንሳዊ መጽናዕቲታት፡ ኣብታ ንፈለማ እዋን ለበዳ ኮቪድ ዝተርእየላ ቻይናዊት ከተማ ዝተረኸቡ ሓበሬታታት መርሚሮም፡፡
ካብቶም መጽናዕቲታት እቲ ሓደ፡ እቶም ፈላሞት ረኽሲታት እቲ ቫይረስ፡ ኣብ ከባቢ እቲ ዕዳጋ ከምዝረተኸቡ ይረድእ፡፡
እቲ ካልኣይ ድማ፡ እቲ ለበዳ ዝተላብዓሉ እዋን ንምፍላጥ ጀነቲካዊ ሓበሬታታት ተጠቒሙ፡፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ወይ መጀመርታ ታሕሳስ ክልተ ዓሌታት ኮሮናቫይረስ ናብ ሰባት ምትሕልላፍ ከምዝጀመሩ ድማ ይጠቅስ፡፡
ንኽልቲኦም መጽናዕቲታት ዘካየዱ ተመራመርቲ፡ እቲ መረዳእታ፡ ሳርስ-ኮቭ-2 ኣብ መወዳእታ 2019 ኣብ ዕዳጋ ዉሃን ይሽየጣ ኣብ ዝነበራ መጥበውቲ ከምዝነበረ ዘመላኽት እዩ ኢሎም፡፡
በዚ መሰረት፡ እቲ ቫይረስ ካብተን እንስሳት ኣብ ክልተ ዝፈላለዩ ኣጋጣሚታት ናብቶም ኣብቲ ቦታ ዝሰርሑ ሰባት ወይ ዓደግቲ ከምዝተሳገረ ገሊጾም፡፡
ኣብቲ መጽናዕቲ ካብ ዝተሳተፉ ሓደ፡ ቫይሮሎጂስት ፕሮፌሰር ደቪድ ሮበርሰን፡ እቶም መጽናዕቲታት ነቲ ‘‘እቲ ቫይረስ ካብ ቤተ ፈተነ ዝመጸአ እዩ ዝብል ግጉይ ኣበሃህላ ክእርሙ ተስፋ እገብር’’ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
ማእከል ለበዳ ኮሮናቫይረስ
ጠንቂ ኮቪድ-19 ዝዀነ ቫይረስ ንምፍላጥ ንክልተ ዓመት ዝተኻየዱ ሳይንሳዊ መጽናዕቲታት፡ እቶም ተመራመርቲ ብዙሕ ነገራት ክርድኡ ዓቕሚ ፈጢሮምሎም እዮም፡፡
እዚ ነቲ ኣብ መጀመርታ እዋን እቲ ለበዳ ዝነበረ ሕንቅልሕንቅሊተይ ክፈትሑ ኣኽኢልዎም፤ ካብቶም ኣብ ዉሃን ብኮቪድ-19 ተታሒዞም ናብ ሆስፒታል ዝኣተዉ ኣማኢት ሰባት እቶም 50 ጥራሕ እዮም ምስቲ ዕዳጋ ቀጥታዊ ርክብ ዝነበሮም፡፡
‘‘መብዛሕትኦም ረኽሲታት ምስቲ ዕዳጋ ዝራኸቡ ብዘይምንባሮም ሕንቅልሕንቅሊተይ ኰይኑ ነይሩ’’ ይብል ፕሮፌሰር ሮበርሰን፡፡
እንተዀነ መብዛሕትኦም ሰባት ቀሊል ምልክታት ስለዝረኣዮም፡ ናብቲ ማሕበረሰብ ከይፈለጥዎ ክላባዕ ከምዝገብሩን እቶም ከበድቲ ለበዳታት ድማ ብቐጥታ ምስቲ ዕዳጋ ዘይተሓሓዙ ምዃኖምን ከምዝረድኡ እውን ይገልጽ፡፡
ኣብቶም ፈላሞት ብኮቪድ ዝተታሕዙ ሰባት ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ መብዛሕትኦም ምስቲ ዕዳጋ ቀጥታዊ ርክብ ዘይብሎም ምዃኖም እዩ ዘርኢ፤ ማለት ኣብቲ ዕዳጋ ዝሽምቱ ወይ ዝሰርሑ ኣይኰኑን፡፡ ግን ከኣ ኣብ ጥቓ እቲ ዕዳጋ ዝነብሩ እዮም፡፡
እዚ ድማ እቲ ዕዳጋ ማእከል እቲ ለበዳ ምንባሩ ዘመላኽት ከምዝዀነ ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፈ ካልእ ተመራማሪ ፕሮፌሰር ሚኪኤል ዎሮበይ ይገልጽ፡፡
እቶም ተመራመርቲ ካብ ዝፈላለየ ከባቢታት እቲ ዕዳጋ ቅምሶታት ወሲዶም መርሚሮም፤ እቶም ከባቢታት እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም እዩ።
‘‘ን ሳርስ-ኮቭ-2 ተቓላዕቲ ከምዝዀና ሕጂ ዝፈለጥናየን እንስሳታት፡ ኣብ መወዳእታ 2019 ኣብቲ ዕዳጋ ይሽየጣ ምንባረን መረጋገጺ ኣለና’’ ኢሉ ፕሮፌሰር ሮበርሰን፡፡
እቲ ቫይረስ ካብ ቤተ ፈተነ ዘምለጠ እዩ ዝብል ክልሰ ሓሳብ
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት መበገሲ ኮቪድ ንምፍላጥ ዝግበር ዝነበረ መጽናዕቲ፡ ፖለቲካዊ መልክዕ ሒዙ ከሰሓሕብ ጸኒሑ እዩ፡፡
ብፍላይ ካብ ኢንስቲትዩት ቫይሮሎጂ ዉሃን ሰሊዅ ዝወጸአ'ዩ ዝብል ሓበሬ፡ታ ንፖለቲከኛታት ኣሜሪካን ቻይናን ነዊሕ ኣሰሓሒቡ፡፡
እቲ ክልስ ሓሳብ ምስቲ መረዳእታ ከምዘይዛመድ ዝገልጽ ፕሮፌሰር ስቱዋርት ነይል፡ በቲ ሕጂ ዝረኸብዎ መረዳእታ እቲ ቫይረስ ‘‘ኣብቲ ዕዳጋ ካብ ሰባት ናብ እንስሳ ዝተመሓላለፈ’’ ምዃኑ የረድእ፡፡
ጻዕቂ ዘለዎም ዕዳጋታት እንስሳ፡ ሕማማት ካብ እንስሳታት ናብ ደቂ ሰብ ክሓልፉ ዝኽእሉሎም ምቹኣት ከባቢታት ምዃኖም ብዙሓት ተመራመርቲ ይሰማምዑ፡፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







