ሞሳድ 'ኣንጻር እስራኤላውያን ዝሰርሕ ኢራናዊ ካብ ኢድና ኣየምልጥን'

ምንጪ ስእሊ, ISRAEL MINISTRY OF FOREIGN AFFAIRS
ትካል ስለላ እስራኤል ሞሳድ፡ ኣብ ሳይረስ ንእስራኤላውያን ናይ ምቕንጻል ውጥን ነይርዎ ኢሉ ንዝጠርጠሮ መራሒ ቀንጻሊ ጉጅለ ንምሓዝ ኣብ ውሽጢ ኢራን ወፍሪ ከካይድ ምጽንሑ ገሊጹ።
እቲ ሓሓሊፉ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ሓበሬታ ብምሃብ ዝፍለጥ ሞሳድ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ዘእተዎ ጥርጡር ብዛዕባ ካብ ሓለዋ ሰውራዊ ኢራን ዝተቐበሎም መምርሕታት ብዝርዝር ከምዝገለጸ ተዛሪቡ።
ሞሳድ ብዛዕባ እቲ ውጥን ንሰበ ስልጣን ሳይረስ ከምዝሓበረን እታ ሕብእቲ ቀንጻሊት ዋህዮ’ውን ኣብኡ ከምዝተበተነት ገሊጹ።
እቲ ጉዳይ ናይተን ንነዊሕ ግዜ ጸላእቲ ኮይነን ዝመጽኣ ሃገራት እስራኤልን ኢራንን ዘካይድኦ ንዘለዋ ናይ ቶሞኽላዪ ኵናት ምልክት’ዩ ተባሂሉ።
እስራኤላዊ ጋዜጠኛን ኣብ ጉዳይ እስራኤልን ኢራንን ዘሎ ወጥሪ ኣመልኪቱ መጽሓፍ ዝደረሰን ያኮቭ ካትዝ፡ እቲ ሞሳድ ኮነ ኢሉ ዘቃልሖ ምረዳእታ ምስ ዝምድና ኣሜሪካን ኢራንን ዘተሓሕዝ ከምዘለዎ’ዩ ዝገልጽ።
ብመሰረት እቲ ያኮቭ ዝሃቦ ትንታነ፡ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ምምዕባል ኒኩሌር ምስ ኢራን ቀጥታዊ ዘተ ምጅምራ ስዒቡ እስራኤል ብመገዲ ሞሳድ ኣቢላ “ምስ ኢራን ኣብ ጉዳይ ምምዕባል ኒኩሌራዊ ኣጽዋር ምልዛብ ይከኣል ይኸውን’ዩ፡ እንተኾነ ኢራን ስትራቴጂካዊ ጸላኢት ካብ ምዃን ዓዲ ኣይትውዕልን” ዝብል መልእኽቲ ከተሕልፍ ከምዝደለየት ገሊጹ።
እስራኤል ኣብ ሳይረስ ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ተኣሊሙ ዝፈሸለ ኢላ ዘውጽኣቶ ሓበሬታ ብዘይሻራዊ መገዲ ምጻራይ ኣይተኸኣለን። ሰበ ስልጣን ኢራን’ውን እንተኾነ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ሃገሮም ዝቐረበ ክሲ ዝሃብዎ ምላሽ የለን።
ሞሳድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ጥርጡር ወዲ ንምጭዋይ ዝተገበረ ወፍሪ “ኣብ ግዝኣት ኢራን ዝተፈጸመ ፍሉይ ስርሒት” ኢሉ ዝገለጾ ኮይኑ፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ናይ ስለላ ትካል “ኣብ ዝኾነ ይኹን ክፋል ዓለም ዋላ’ውን ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ኢራን ኮይኑ እስራኤላዊ ንምርዓድ ውዲታት ኣብ ልዕሊ ዝኣልም ሓላፊ ቀረባ ኢና” ከምዝበለ ተሓቢሩ።
እቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣባላት ስለያ ሞሳድ ዝኣተወ ኢራናዊ ወዲ ሻሕባዝ ኣባሳሊሉ ዝበሃል ኮይኑ፡ ብመገዲ ቱርኪ ኣቢሉ ናብ ደቡባዊ ሸነኽ ደሴት ሳይረስ ብምኻድ ንሓደ ሽሙ ዘይተጠቐሰ እስራኤላዊ በዓል ሃብቲ ናይ ምቕንጻል መደብ ተዋሂብዎ ከምዝነበረ ተናዚዙ።
እቲ ቅዩድ ወዲ፡ ካብ እቲ መምርሒ ዝሃቦ ሓለዋ ሰውራዊ ኢራን ስእሊ ናይቲ ክቕተል ዝተወሰኖ እስራኤላዊ ነጋዳይ ከምዝተለኣኾ ድሕሪ ምግላጽ “ኣብቲ ዝረኸብክዎ ጽርግያ ጸጥ ከምዝበለ ምስኣረጋገጽኩ ብዝሓዝክዎ መሳርሒ ክቐትሎ መደብ ነይሩኒ” ኢሉ።
ኢራናዊ ሻሕባዝ መንበሪ ገዛ ናይቲ ክቕተል መደብ ዝወጽኣሉ እስራኤላዊ ሰብኣይ ብስእሊ ሰኒዱ ካብ ሳይረስ ናብ ኢራን ተመሊሱ። ዝተመለሰሉ ምኽንያት ድማ ፖሊስ ምክትታል ይገብረሉ ከምዘለዌ ሓበሬታ ስለዝበጽሖ’ዩ።
ሞሳድ ነቲ ወዲ መዓዝን ኣበይን ከምዝጨወዮ ንጹር ሓበሬታ ኣይሃበን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







