መጥቃዕቲ ቤት ትምህርቲ ዩጋንዳ፡ 'መዝሙር ወንጌል ናብ ብኽያት ተቐይሩ'

ኣብ ዩጋንዳ ቅድሚ'ቲ ብዓርቢ ብእስላማውያን ዕጡቓት ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ፡ እቶም ተምሃሮ መዝሙር ወንጌል ይዝምሩ ከምዝነበሩ ኣብ ማዕዶ እቲ ቤት ትምህርቲ እትነብር ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ትዛረብ።
"ድሕሪኡ ኣውያት ሰሚዐ" ክትብል ሜሪ ማሲካ ንቢቢሲ ተዛሪባ። በቲ መጥቃዕቲ ኣስታት 40 ሰባት ሞይቶም።
ምስ እስላማዊ ጕጅለ [ዳዕሽ] ዝተኣሳሰሩ ዕጡቓት በቲ መጥቃዕቲ ክኽሰሱ ጸኒሖም ኣለዉ።
ኪዳን ዲሞክራስያዊ ሓይልታት (ADF) ኣብ 1990ታት ዝተፈጥረ ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ኣስላም ግፍዒ ይፍጸም ኣሎ ብምባል እዩ ኣንጻር ፕረዚደንት ዮወሪ ሙሰቨኒ ብረት ኣልዒሉ።
ብቐንዱ ኣብ ጐረቤት ሃገር ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ እዮም ዝንቀሳቐሱ።
እቲ ብዓርቢ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ፡ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ምፖንድዌ ልሁቢሪሃ፡ ናብ ዶብ ቀረባ እዩ።
ሚስ ማሲካ፡ ንሳን ካልኦት ነበርትን በቲ ንኣስታት 90 ደቓይቕ ዝወሰደ መጥቃዕቲ ከምዝረዓዳ ትዛረብ።
መጠንቀቕታ! እዚ ጽሑፍ ንገለ ኣንበብቲ ዘጨንቕ ክኸውን ዝኽእል ዝርዝራት ዝሓዘ እዩ።
"ካብ ሽዑ ጀሚረ ክበልዕን ክድቅስን ኣይከኣልኩን" ክትብል ብቛንቋ ስዋሂሊ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
እቶም ተመሃሮ መብዛሕትኡ ግዜ ቅድሚ ምድቃሶም እዮም ዝዝምሩ ነይሮም፣ ኣብ መጀመርታ ንሳን ጓላን ኣብ ከባቢ ሰዓት 22፡00 መዝሙር ምስ ኣቋረጹ፡ ዝዘናግዑ ዘለዉ መሲልወን ነይሩ።
ኣብታ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ቀጽሪ፡ ኣስታት 60 ተምሃሮ ዝነብሩላ ኣሕዳሪት ቤት ትምህርቲ ግን ሓደ ዘስካሕክሕ ነገር ይካየድ ከም ዝነበረ ንጹር ኰይኑ።
ዕጡቓት ኤዲኤፍ፡ ናብ መደቀሲ ክፍልታት ብምእታው ሓዊ ረኲዖምሉ፣ ንተማሃሮ ንምቕታልን ንምስንኻልን ጎዞሞ ተጠቒሞም።
ሓንቲ ስድራቤት፡ ነቲ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ኣቦን ወድን - ወዲ 47 ዓመት ሓላዊ ጸጥታ ኤልፋናስ ምቡሳን ወዲ 17 ዓመት ማሰሬካ ኤልተንን - ብሰንበት ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣካይዳ።
እቲ ካልእ ወዶም፡ ወዲ 15 ዓመት ብራያን ሙሂንዶ እውን ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝመሃር ዝነበረ ኰይኑ ደሃዩ የለን።
ካብቶም ዝተጨውዩ ሽዱሽተ ኣወዳት ድዩ ወይስ ሓደ ካብቶም ሬሳኦም ስለ ዝተቓጸለ መንነቶም ክፍለጥ ዘይክእል ምዃኑ ኣይፈለጡን እዮም።
ሁሩባና ኪማዲ ኦነስሙስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ናብቲ ደቁ ዝመሃሩሉን ቤት ትምህርቲ ብኸመይ ክኣትዉ ከምዝኸኣሉ ንምርዳእ ከምዝጽገም ተዛሪቡ።
"ኣብቲ ከባቢ ኣዝዩ ከቢድ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣሎ" ይብል እቲ ወዲ 69 ዓመት።
ሕጂ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ብዙሕ ሓይሊ ጸጥታ ኣሎ፣ ቢቢሲ ድማ ገለ ስእልታት ናይቲ ዝተቓጸለ ህንጻታት ክስእል ሒደት ደቓይቕ ጥራይ ተዋሂብዎ።

ኣዕናዊን ዘሕርቕን ትርኢት እዩ ነይሩ።
ካልኦት ድማ፡ መጥቃዕቲ ወሪዱወን እናሃደማ እንከለዋ ብጥይት ተቐቲለን።
መደቀሲ ኣወዳት ተዓጽዩ ነይሩ፤ ወይ ንዕጡቓት ምኽፋት ኣብዮም ወይ ድማ ብኣታቶም ኣብ ውሽጢ ተዓጽዮም ነይሮም። እቶም ዕጡቓት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ህንጻ ነዳዲ ኣፍሲሶም ሓዊ ኣቃጺሎምዎ።
ሚስ ማሲካ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ መጥቃዕቲ፡ ከባቢ ሰዓት 23፡30፡ ሓደ ካብቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ኣብ ኣፍደገኣ ክዛረብን ንሓደ ብጻዩ "እቲ ስራሕ ተወዲኡ ድዩ?” ኢሉ ክሓቶን ከም ዝሰምዐት ገሊጻ።
ብቛንቋ ስዋሂሊ እዮም ዝዛረቡ ነይሮም፡ ድሕሪኡ ድማ "ኣላሁ ኣክባር" ማለት "ኣምላኽ ዓቢይ እዩ" ኢሎም ክጭርሑ ጀመሮም።
ድሕሪ እዚ ጭርሖታት ሓደ ካብኣቶም ወሲኹ፡ "ሃገር ሙሰቨኒ ኣብ ምዝራግ ተዓዊትና ኣለና" ኢሉ።
ከም ግብረ መልሲ ፕረዚደንት ሙሰቨኒ፡ ናብቲ ኣብ ዶብ ዩጋንዳን ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ዝርከብ ኣኽራናት ሩወንዞሪ፡ ተወሳኺ ሰራዊት ክሰድድ ቃል ኣትዩ።
"እኩይ ተግባሮም... ናይ ተስፋ ዝቐበጹ፡ ፈራሕ ግብረሽበራዊ ተግባሮም... ኣየድሕኖምን'ዩ" ይብል።
ኣብ ከባቢ ምፖንድዌ ዝርከብ ከባቢ ክርስትያንን ኣስላምን ዝተሓዋወሰ ይመስል።
ገለ ካብቶም ብሰንበት ኣብ ቀብሪ ዝተሳተፉ ሰባት ባህላዊ ኣከዳድና ኣስላም ዝተኸደኑ እዮም።
ካልእ ቀብሪ ናይቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ተምሃሮ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ኣብ ዝርከባ ዓድታት ዝተኻየደ ኰይኑ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ብጭካነ ናይቲ መጥቃዕቲ ተቘጢዖም እዮም።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







