ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ማይክ ሃመር ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ከምዝተዘራረበ ተገሊፁ

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር

ምንጪ ስእሊ, GOOBJOG NEWS

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ፡ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን ላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገርን ከምዝተራኸበ ተሓቢሩ።

ንኣዋርሕ ተቛሪፁ ዝጸንሐ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ምውልዑ ስዒቡ ንመዓልታት ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመጸአ እቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ ክልቲኦም ተፃባእቲ ወገናት ነቲ ኲናት ደው ኣቢሎም ልዝብ ክጅምሩ ጸቕጢ ይገብር ከምዝነበረ ይግለጽ።

ብ30 ነሓሰ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ክሳብ 5 መስከረም ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ኲናት ሓድሕድ ቀንዲ ዛዕብኡ ከምዝነበረ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ዘውፀኦ መግለፂ የመልክት።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ ኣፈጻሚት ጉዳያት ኣሜሪካ ምስ ዝኾነት ትሬሲ ኣን ጃኮብሰን ከምኡ’ውን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃእን ደመቀ መኮነን ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ተገሊፁ ኣሎ።

ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዳግማይ ዝተወልዐ ኲናትን፡ ኤርትራ ዳግማይ ናብቲ ኲናት ምእታዋን ብዝምልከት ኣሜሪካ ዘለዋ ስግኣት፡ ከምኡ’ውን ብመገዲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቢልካ ዘላቒ ሰላም ንምምጻእ ዝግበር ጻዕርታት ምጥንኻር ብዝምልከት ከምዝተዘራረቡ ኣብቲ መግለፂ ተጠቒሱ።

ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፡ ብተወሳኺ ምስ ሰበስልጣን ክልል ትግራይ ዝተዘራረበ ኮይኑ ምስ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ድማ ንክልላት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዝበፅሓሉ ኩነታት ከምዝዘተየ ተገሊፁ።

ማይክ ሃመር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንመዓልታት ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሚኒስተር ፍትሒ ኢትዮጵያ ጊዴዎን ጢሞቴዎስን ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ሬድዋን ሑሴንን ከምዝተራኸቡ ይንገር። ምስኣየኖት መራሕቲ ትግራይ ተራኺቡ ዝብል ግን እቲ መግለፂ ኣየነፀረን።

ምስ ኲናት ተተሓሒዙ ሰላማውያን ሰባት ጉድኣት ከይበጽሖምን ሰብኣዊ መሰላት ክኽበርን ዘተሓሳሰበ እቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ ንብሄር መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲ ዝምልከቱ ጸብጻባት ብምልዓል’ውን ተዘራሪቡ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ምስቲ ዝተፈፀመ ጨፍጫፋት ብዝተኣሳሰር ተሓታትነት ክህሉ ከምዘለዎ ከምኡ’ውን ግዳያትን ካብ ዓመፅ ዝደሓኑን ፍትሒ ክረኽቡ ኣብ ዝኽእሉሉ ኩነታት ከምዝተዘራረቡ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ዘውፅኦ መግለፂ የመልክት።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ዓለምለኸ መሻርኽትን ኣብ ቀፃሊ ክውሰዱ ብዛዕባ ዘለዎም ስጉምትታት ድሕሪ ምዝርራቡ ብ6 መስከረም 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ናብ ዋሽንግተን ከምዝተመልሰ ተፈሊጡ።

ንሱ፡ ምስቲ ሰኑይ 09 መስከረም 2015 ኣ.ግ ኣብ ኣሜሪካ ኒውዮርክ ምስ ዝጀመረ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ጎኒ ጎኒ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታቱ ክቕጽል ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ምስቲ ንሕብረት ኣፍሪቃ ብምውካል እቲ ኲናት ከብቅዕ ዝጽዕር ዝነበረ ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ብተደጋጋሚ ተራኺቡ፡ ኣመሪካ ሰላም ንምምጻእ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ክትህቦ እትኽእል ደገፍ ብዝምልከት ተዘራሪቡ’ዩ።

ኣብ ሽምግልና ሕብረት ኣፍሪቃ እምነት ከምዘይብሎም ብተደጋጋሚ ክገልፁ ዝፀንሑ መራሕቲ ትግራይ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ሕብረት ኣፍሪቃ ንዝግበር ልዝብ ድልዋት ምዃኖም ብምግላፅ፣ እቲ ግጭታት ብቕልጡፍ ደው ክብል ድልየት ከምዘለዎም ምሕባሮም ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ፡ ንመዓልታት ወግዓዊ ምላሽ ከይሃበ ዝፀንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕብረት ኣፍሪቃ ንምልዛብ ድልው ከምዝኾነ፡ ብመንገዲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣቶ ደመቀመኮኖንን ኣቢሉ ንሰበስልጣን ሕብረት ኤውሮጳ ከምዘፍለጠ ፀብፃባት የመልክቱ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ድርድር ንምስታፍ ዘለዎም ድልውነት ብእወንታ ከምዝሪኦ ብምሕባር፡ ኩሎም ተፃባእቲ ሓይልታት ጭቡጥ ስጉምቲ ብምውሳድ ብቕኑዕ ድሌት ናብ ድርድር ክኣትዉ ብመገዲ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ሓቲቱ ኣሎ።

ማይክ ሃመር ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ብምዃን ቅድሚ ሎሚ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ናይ መጀመርያ መገሻ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ኣብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ዘትዩ ምንባሩ ይዝከር።

ዝቐፀለ ኲናት

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ብዝብል ዝተበጽሐ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ብ18 ነሓሰ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ከምዝተጠሓሰን ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ሰሜን ኢትዮጵያ ውግእ ይካየድ ከምዘሎን ጸብጻባት ይሕብሩ።

ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ከምኡ'ውን ምስ ክልል ትግራይ ኣብ ዝዳወቡ ከባቢታት ዝተወለዐ ኲናት መን ጀሚርዎ ኣብ ዝብል ንሓድሕዶም ኣብ ምክሳስ ይርከቡ። ብኣንፈት ዓፋር እውን ጎንፅታት ከምዝነበሩ ይግለፅ።

ልዝብ ሰላም ክጅመር ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ዝነበረ እዋን ዳግማይ ኲናት ምልዓሉ ስዒቡ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሓይልታት ትግራይ "ኣብዝተፈላለዩ ከባቢታት ኲናት ከፊቶም" ክብል ይኸስስ፤ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም ብዘይካ'ቲ ምስ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት፡ ብወገን ኤርትራ እውን መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ከምዝተኸፈተ ምሕባሮም ይዝከር።

ኣመሪካ ሓዊሱ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለምለኻውያን ትካላትን፡ ኩሎም ወገናት ካብ ግጭት ክዕቀቡ ብምሕታት፡ ሰብኣዊ ረድኤት ንዘድልዮም ወገናት ሓገዝ ክቐርበሎም ከተሓሳስባ ፀኒሔን’የን።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ኣቆፃፅራ ግእዝ ጀሚሩ ክልተ ዓመት ክመልኦ ቀሪቡ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምልብዑ ዓሰርተታት ኣሽሓት ንኽሞቱን ሚልዮናት ንኽፈናቐሉን ምኽንያት ከምዝኾነ ይግለፅ። ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሰባት እውን ተፀበይቲ ሰብኣዊ ረድኤት ኮይኖም ኣለዉ።