ብሪቲሽ ፔትሮልዩም ነዳዲ ኣብ ዝዕድነሉ ቦታ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ሕማም መንሽሮ

እቶም ኣብ ጥቓ እቲ መርዛም ትክን ጋዝ ዝነደሉ ቦታታት ዝነብሩ ማሕበረሰብ፡ ሉከምያ ብዝተባሃለ ናይ ደም ካንሰር ክጥቅዑ ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ ቢቢሲ ዓረብኛ ኣብ ዝገበሮ መርመራ ኣፍሊጡ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ናይ ዒራቕ ናይ ነዳዲ መዓደኒ ቦታ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ንመኽሰብ ቀዳምነት ከም ዝህብ "ዘመናዊ ናይ መስዋእቲ ቦታ" ገይሩ ከም ዝርእዮ ገሊጹ።
ኣብ መስርሕ ኩዕታ ነዳዲ ብቐጻሊ ዝቃጸል ርስሓት በካሊ ጋዝ፡ ሕማም መንሽሮ ከምዘኸትል ሊቃውንቲ ጥዕና የረድኡ።
ኣብቲ ኸባቢ ከም ብሪቲሽ ፐትሮልዩምን (BP) ኤኒ (Eni) ዝተባህለ ናይ ጥልያን ዓለም ለኻዊ ኩባንያ ነዳድን ጋዝን እየን ኣብ ዕደናዊ ንጥፈታት ዝዓያ ዘለዋ።
ኣብ ወሰናስን እታ ብደቡባዊ ምብራቕ ዒራቕ እትርከብ ከተማ ባስራ ዓቢ ናይ ነዳዲ ዕደና ዳህሳስ ዝግበረሉ ቦታታት ኣሎ።
ካብዚ መዐደኒ ነቑጣታት ዝወጽእ ጋዛ ጸሊም ድሙቕ ትክን ከም ካርቦን ዳይኦክሳይድን ሚተይን ዝኣመሰለ ብከላ ስለዘፈጥር ንጥዕና ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ።
ብመሰረት ሕጊ ጥዕና ዒራቕ፡ ናይ ዕደና ነዳዲ ጋዝ ሰባት ካብ ዝነብርሉ ከባቢ፡ ልዕሊ ሽዱሽተ ማይል ርሕቀት ክህልዎ እዩ ዝግባእ። ይኹን እምበር ኣብዚ እዋን እዚ ሰባት ካብ ዝነብርሉ ኣፍደገ ኣባይቲ ክልተ ማይል ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ናይ ነዳዲ ጋዝ ክነድድ ተዓዚብና።
ቢቢሲ ዓረብኛ ኣብ ዝዘርገሖ ጸብጻብ፡ ካብ 2015 ክሳብ 2018 ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ከባቢ ባስራ ኣብ ዝርከብ ቦታታት ኣብ ዒራቕ ሕማም መንሽሮ ብ20% ከምዝወሰኸ የርኢ።
መንግስቲ ዒራቕ ከኣ እቲ ካብ ዕደና ነዳዲ ዝምንጩ ጋዝን ትክን ንምንቁልቋል ጥዕና እቲ ህዝቢ ጽልዋታት ክህልዎ ከምዝኽእል ይግንዘብ ።
ከም ኣካል ናይዚ መርመራ፡ ቢቢሲ፡ ኣብ’ቶም ነቲ ሕማም ዝተቓልዑ ሕብረተሰብ ዘካየዶ ናይ ፈለማ ፈተነ ብከላ፡ ኣብቲ ቦታ ልዑል መጠን መንሽሮ ከስዕብ ዝኽእል ኬሚካላት ከምእተረኽበ ሓቢሩ።
ብሓገዝ ሳተላይት ኣብ ዝተወስደ ስእሊ፡ እቲ ኣብ ባስራ ዝርከብ ዝዓበየ መዐደኒ ነዳዲ ሩማኢላ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ካብ ዝርከቡ ካልእ ቦታታት ንላዕሊ፡ ብርቱዕ ጋዝ ከምዘቃጽል ተረዲእና።
ኣብቲ ብመንግስቲ ዒራቕ ዝውነን ናይ ዕደና ትካል፡ ብሪቲሽ ፐትሮልዩም ቀንዲ ኮንትራክተር እዩ ።
ደቂ እቲ ከባቢ ነቲ ኣብ ጥቓ ከተማ ሰሜን ሩማይላ ዝርከብ መዓደኒ ቦታ፡ ብዙሓት መንእሰያት ብሰንኪ እቲ መደበራት ዕደና እዩ መጺኡና ዝኸውን ኢሎም ብዝጥርጥሩዎ ናይ ደም መንሽሮ (ሉከምያ) ስለዝሞቱ፡ ካብቲ ክውንነት ብምብጋስ ነቲ ቦታ "መቓብር" ኢሎም እዮም ዝጽውዑዎ።
ኣብቲ ከባቢ ብዛዕባ ኣከባብያዊ ብከላ ዘጽንዕ፡ ፕሮፈሰር ሹክሪ ኣል ሓሰን፡ ኣብዚ ዘሎ መንሽሮ ኣዝዩ ሓደገኛ ብምዃኑ፡ "ልክዕ ከም ጉንፋዕ" እዩ ዝረአ ይብል።
ኣብ 2021፡ ካብ ሰሜን ሩማይላ ዝመጽአ ካብ ሕማም ሉኪምያ ምስ ዝደሓነ ወዲ 19 ዓመት መንእሰይ ዓሊ ሑሴን ጁልሙድ ተራኺብና።
ቢቢሲ፡ ኣብ ሩማይላ ቪድዮ ክይቀርጽ ስለዝተኸልከለ ዓሊ ንህይወቱ ባዕሉ እዩ ሰኒድዎ።
ዓሊ፡ ነቲ ዝመሃረሉ መባእታ ቤት ትምህርቲ ሰማያት ትኪ ዕደና ንድሕሪኡ ገይሩ ዝሰኣሎ ኣብ ሞባይሉ ዝተቐርጸ ቪድዮታት ኣርእዩና። ወዲ 14 ዓመት እንከሎ እዩ ሕክምናዊ ክንክን ክገብር ትምህርቱ ከቋርጽ ተገዲዱ።
ንሓያሎ ዓመታት ኬሞተራፒ [ንሕሙማት መንሽሮ ዝወሃብ ክብድ ዝበለ ሕክምና] ድሕሪ ምግባሩ፡ ሓደ መዓልቲ ናብ ሆስፒታል ክኸይድ እንከሎ ንኣቦኡ ፡ "ኣነ ኣኺሉኒ እዩ። ንአደይ ደሓን ኩኒ በለለይ ኢኻ” ኢሉዎ።
ኣቦኡ በቲ ዝኽሪ ካብ አዒንቱ ንብዓት ጸሪጉ።

ምንጪ ስእሊ, JESS KELLY/BBC
ኩነታት ጥዕና ዓሊ ሕጂ ይመሓየሽ እዩ ዘሎ። ንሱ ኣብ ዕደና እቲ ነዳዲ ቀንዲ ኮንትራክተር ንዝኾነ ትካል ብሪቲሽ ፔትሮልዩም ካሕሳ ንኽህቦ እኳ እንተሓተተ ክሳብ ሕጂ ግን ምላሽ ኣይረኸበን።
ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝርከባ ኣቝሻት ዝነብሩ ብዙሓት ቈልዑ ብሕማም መንሽሮ ድሕሪ ምጥቀዖም ክድሕኑ ኣይከኣሉን።
ፋጢማ ፋላህ ናጀም ኣብቲ ዓሊ ዝነብረሉ ከባቢ ምስ ወለዳን ሽዱሽተ ኣሕዋታን ኣብ ጥቓ መዐደኒ ነዳዲ ዙቢር ዝርከብ መገዲ ኣስታት 40 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እያ እትነብር ነይራ። ኣብቲ ቦታ፡ እቲ ቀንዲ ኮንትራክተር ዕደና ዙቤር: ኤኒ ዝበሃል ናይ ጥልያን ዝዓበየ ኩባንያ ነዳዲ እዩ።
ፋጡማ ጓል 11 ዓመት እንከላ፡ “ኣክዩት ሊምፎብላስቲክ ሉኮምያ” ዝብሃል ናይ ደምን ዓጽምን መንሽሮ ከም ዘለዋ ተፈልጠ። ብቤንዚን ዝተበከላ ጋዛትን ዕደና ነዳድን ንከምኡ ዝኣመሰለ ሕማም ከምዘቃልዕ ተጸኒዑ እዩ።
ዶር ሳልሕ ነታ ጓል 13 ዓመት ፋጥማ ኣብ እዋን ሕማማ ኣጸናኒዑዋ እዩ። ካብ ኣፍደገ ቤት ስድርኣ ኣስታት 1.6 ኪሎ ሜተር ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ናይ ዕደና ነዳዲ ጋዝ ብዘይምቁራጽ ክባራዕ ርኢና ኢና።
ፋጥማ ኣብ ሕክምና እንከላ ንገዝኣ ዝኸበቦ ናይ "ሃልሃልታ ነበልባል" ስኢላ።
ነቲ ሃልሃልታ ምሸት ምሸት ክትርእዮም ባህ ይብላ ከም ዝነበረ ነጊራትና።
እቲ ብሕማም ክትጥቃዕ ዝርእያ ኣቦኣ ግን ክጠፍእ ብዘይክእል ሃልሃልታ ሓዊ ትቃጸል ከምዘላ እዩ ዝስመዖ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሓካይም፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ናይ ኣንጕዕ ምቕያር ሕክምና ንክትገብር ወዲኦሙላ ነይሮም። ግን ኣብቲ እዋን ኣዝያ ስለዝደኸመት ንወጻኢ ክትገይሽ ኣይከኣለትን። ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ከኣ ኣብ 13 ዓመታ ብሞት ተፈልያ።
ጸብጻብ ኣገልግሎት ጥዕና ዒራቕ ከምዘመልክቶ መንግስቲ ብዛዕባ ናይ ዞባታት ናይ ጥዕና ጉዳያት ኣፍልጦ ከም ዘለዎ እዩ ዝሕብር ። እንተዀነ ግን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ፡ ሰራሕተኛታቱ ብሰንኪ ብከላ ብዛዕባ ዝመጽእ ጥዕናዊ ጕድኣት ንከይዛረቡ ምእጋዱ፡ እቲ ብቢቢሲ ዓረብኛ እተራእየ ምስጢራዊ ትእዛዝ የረድእ።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ ራፖርተር ሰብኣዊ መሰላትን ኣከባብን ዴቪድ ቦይድ "እቶም ኣብ ጥቓ ዕደና ነዳዲ ዝግበረሉ ቦታታት ዝነብሩ ሰባት ግዳያት ናይ መንግስትን ናይ ንግድ ሽርክናን እዮም። ለውጢ ንኸየምጽኡ ከኣ ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት ፖለቲካዊ ስልጣን የብሎምን" ኢሉ። ዓሊ ሑሴን ከኣ "ኣብዚ ኣብ ሩማይላ ከይስጎግ ስለዝፈርሕ ዝኾነ ሰብ ክዛረብ ኣይክእልን እዩ” ክብል ምስክርነቱ ሂቡ።
ክሳዕ ሕጂ፡ ተመራመርቲ ጥዕና፡ ጽፉፍ መርመራታት ኣየር ምእንቲ ከይገብሩ ናብቲ ዕደና ነዳዲ ዝካየደሉ ቦታታት ንኸይኣትዉ ተኸልኪሎም እዮም።
ኣገልግሎት ዜና ቢቢሲ ዓረብኛ ምስ ናይ ብከላ ኣየርን ጥዕናን ክኢላታት ብምትሕብባር፡ እቲ ብከላ ኣብ ነበርቲ ዝፈጥሮ ጸገም ንምጽናዕ ፈላሚ ዘይሻራዊ ናይ ብከላ ክትትል ኣካይዱ።
ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን፡ ብጋዝ ዝምንጭዉ ንመንሽሮ ዘቃልዑ ኬሚካላት መርመራ ገይሩ።

እቲ ኣብ ሓሙሽተ ማሕበረሰባት እተገብረ ናይ ብከላ ኣየር መርመራታት፡ ምስ ሕማም ሉኪሚያን ካልእ ናይ ደም ጸገማትን ዝተሓሓዝ መጠን ቤንዚን እንተ ወሓደ ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት፡ ካብቲ ሃገራዊ መጠን ንላዕሊ ከም ዝበጽሐን ኣብ ገሊኡ ከኣ ከምዝሓለፈን እዩ ዝሕብር።
ካብ 52 ህጻናት ዝኣከብናዮ ናይ ሽንቲ ቅምሶታት፡ እቲ 70% ክብ ዝበለ 2-ናፍቶል ዝበሃል ሕማም መንሽሮ ዘምጽእ ባእታ ተረኺቡዎ
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮሎምብያ ከም ፕሮፌሰር መንሽሮ ቊልዑ ኰይኑ ዝዓዪ ዶክተር ማኑዋ ኦርጁዋ-ግሪም ፡ "እቶም ቈልዑ ኣብ ዝለዓለ ስግኣት ጥዕና ስለዘለው ኩነታት ጥዕንኦም ብጥንቃቐ ክረአ ኣለዎ” ኢሉ።
ቢቢሲ ነቲ ርኽበታት ንሚኒስተር ነዳዲ ዒራቕ ኢሕሳን ዓብዱል ጃባር እስማዒል ኣቕሪቡሉ ኣሎ። እቲ ምኒስተር ከኣ "ንኹለን ኣብ ዕደና ነዳዲ ዝዓያ ናይ ወጻኢ ኩባንያታት፡ ኣህጉራዊ መለክዒታት ክኽተላን ክትግብራን መምርሒ ሂብናየን ኢና" ኢሉ ።
ቢቢሲ ንብሪቲሽ ፔትሮልዩምን ኢኒ ናይ ጥልያን ዝዓበየ ኩባንያን ምላሽ ናይቲ ዘካየዶ መርመራ ክወሃቦ ሓቲቱ ኣሎ።
ኢኒ፡ እቲ ንሱ ዘካይዶ ናይ ዕደና ንጥፈታት፡ ንዝኾነ ዒራቓዊ ዜጋ ኣብ ናይ ጥዕና ሓደጋ ኣየውድቕን እዩ ብምባል ነቲ ክሲ ኣትሪሩ ነጺጉዎ ኣሎ።
ብሪቲሽ ፔትሮልዩም ግን "እቲ ብቢቢሲ እተላዕለ ጕዳያት ኣመና የተሓሳስበና እዩ ነቲ ጉዳይ ከኣ ቀልጢፍና ክንምርምሮ ኢና” ዝብል ምላሽ ሂቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







