ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ 36 ኣመንታ ምቕታሎም ኰኒና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ፣ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ዞባ ኣርሲ 36 ኣመንታ ምቕታሎም ኰኒና።
እታ ቤተክርስትያን ኣብ ዘውፅአቶ መግለፂ፡ ብሰኑይ ኣብ ቤተክርስትያን ማርያም ዲገሉ “ሓሙሽተ ኣመንቲ ተቐቲሎም” ኢላ።
ካልኦት ሰለስተ ኣመንታ ድማ ገዝኦም ከም ዝተቓፀለ ገሊፃ።
ነበርቲ፡ ዕጡቓት ኣብ ወረዳ ሺርካ ብሰኑይ ሰዓት 11፡00 ንጉሆ “መጥቃዕቲ ከም ዝፈፀሙ” ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ: ኣብ ወረዳታት ዞባ ኣርሲ በሓፈሻ 36 ኣመንታ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን “ተቐቲሎም” ኢላ።
እቲ ቅትለት ኣብቲ ወረዳ ሺርካ ኣብያተ ክርስትያን ሶሊ ሚካኤል፣ ዲገሉ ማርያም፣ ሮቤ እንደቶ ደብረ ምጥማቕ ማርያም ከም ዝተፈፀመ ሓቢራ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሶሌ ዲገሉን ጢጆ ለቡን ኣብ ዝተብሃላ ቀበሌታት 28 ኣመንቲ ከም ዝተቐተሉ እቲ መግለፂ ይሕብር።
ህፃናት ሓዊሱ ካብ 70 ክሳብ 28 ዝዕድመኦም ሰባት ግዳያት ኮይኖም- ይብል እቲ መግለፂ።
ቅድሚ ሕዚ ኣብ ሮቤ ኣንዲቶ ደብረ ምጥማቕ ቤተ-ክርስትያን፡ በዓል ማርያም ኣኽቢሮም ዝምለሱ ዝነበሩ ሰለስተ ሰባት ከም ዝተቐተሉ ተገሊፁ።
ብ 14ን 17ን ሕዳር 2016 ኣቆፃፅራ ግእዝ፡ ዕጡቓት ኣብ ሰለስተ ከባብታት ብዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 36 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ማዕኸን ዜና ሮይተርስ ፀብፂቡ’ዩ። ንሓደ ኣማኒ እታ ቤተ-ክርስትያን ከም ምንጪ ብምግላፅ ድማ፡ ግዳያት እቲ ቅትለት “ሰዓብቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ” ምዃኖም ሓቢሩ።
እታ ቤተ-ክርስትያን ዘውፅአቶ መግለፂ፡ “ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ኣብ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ምፍፃሙ፡ ዘይግቡእን ናይ ካልኦት እምነት ብነፃነት ናይ ምስጓም ሕገ-መንግስታዊ መሰል ዝጥሕስን’ዩ” ይብል።
ቢቢሲ ዘዛረቦን ሽሙ ክግለፅ ዘይደለየ ምንጪ፡ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝሓለፈ መስከረም ንነዘ ቅትለታት ከም ዝተፈፀሙ ብምግላፅ፡ “ኣኪቦም’ዮም ዝርሽንዎም። ከም ዝሞቱ ጥራሕ ኢና ንሰምዕ” ኢሉ።
ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ነዞም መጥቃዕትታት ብሱቕታ ምሕላፉ፡ ቅረታ ከም ዝፈጠረላ እታ ቤተ-ክርስትያን ሓቢራ።
መንግስቲ ነዚ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዝፈፀሙ ኣካላት ስጉምቲ ከም ዝወሰደ ሃገረ ስብከት ብዝለኣኾ ፀብፃብ ኣረጋጊፀ እየ ኢላ።
ይኹን’ምበር፡ እታ ቤተ-ክርስትያን መንነት ነቲ መጥቃዕቲ ፈፂሞም ዝበለቶም ኣካላት ኣየነፀረትን።
መንግስቲ ፌደራልን ክልልን “ሃይማኖት ተኮር መጥቃዕትታት ደው ክብሉን ተመሳሳሊ መጥቃዕትታት ከይፍፀምን ንኣመንቲ” ውሕስና ክህቡ ድማ ፀዊዓ።
ሓላፊ ኮምዩኒኬሽን ክልል ኦሮምያ ኣይተ ሃይሉ ኣዱኛ ብቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ኣብ ዞባ ኣርሲ ወረዳ ሺርካ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ከም ዝተቐተሉ ገሊፁ።
እቲ በዓልመዚ ነዚ መጥቃዕቲ ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ከም ዝፈፀሞ ከሲሱ።
“መንግስቲ ብዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ዝሰንበደ እቲ ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዘሰካሕክሕ ስጉምቲ ይወስድ ኣሎ። ኣብ ወረዳ ሺርካ ብዙሓት ዜጋታት ቀቲሉ፡ ገዝኦም ከኣ ኣቃፂሉ” ብምባል፡ እቲ ጉጅለ ናይ ምልዛብ ዓቕሙ ንምዕባይ፡ ንሰላማውያን ዜጋታት ዒላማ ዝገበረ ስጉምቲ ይወስድ ከምዘሎ ከሲሱ።
ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ፡ ነዚ ዝቐረበሉ ክሲ ኣመልኪቱኢ ዛጊድ ዝበሎ የለን።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞን መንግስቲ እታ ሃገርን ንምሽምጋል ኣብ ታንዛንያ ዝተኻየደ ዘተ ሰላም ብዘይ ፍረ ምብታኑ ዝዝከር እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







