"ሎሚ ኣብ ትግራይ ሓዘን ዘይብሉ ገዛ ዳርጋ የለን" - ኣቡነ ማትያስ

ስርዓተ ዝኽሪ ኣብ መቐለ

ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣቡነ ማትያስ፡ ብሞት ናይቶም ኣብቲ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ኲናት ሂወቶም ዝሰኣኑ ተጋደልቲ ሓይልታት ትግራይ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊጾም።

"ሎሚ ኣብ ትግራይ ሓዘን ዘይብሉ ገዛ ዳርጋ የለን። ዝሞቱ ደቅና ብህይወት እንተዝነብሩ ብዙሕ ታሪኽ ክጽሕፉ ይኽእሉ ነይሮም፤ እዞም ተስፋ ስድራቤት፣ ቤተክርስትያንን ሃገርን ዝነበሩ መንእሰያት ገና ብኣግኦም ተቖጽዮም” ኢሎም።

ነቶም ሂወቶም ዝሰኑ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ንምዝካር፡ “ብሄራዊ ሓዘን” ከምዝእወጅ ኣቐዲሙ ብዝወጸ መደብ መሰረት፡ ካብ 14 ጥቅምቲ ንግሆ ኣትሒዙ፡ እቲ መደብ ስርዓተ ዝኽሪ ተጀሚሩ ይካየድ ኣሎ።

እዚ መደብ ዝኽሪን ምንጋር መርድእን፡ "ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተጋሩ ፈተውቶምን" ንግሆ ሰዓት ሓደ ኣቈፃፅራ ኢትዮጵያ [ሰዓት ሸውዓት] ነቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ብናይ ሓደ ደቒቕ ሓባራዊ ጸሎተ ሕልና ዘኪሮም።

ኣብ ከተማ መቐለ ህዝቢ ከካብ ገዛውቱ ወጺኡ ናብ ኣብያተ ክርስትያን ብምኻድ ጸሎተ-ዝኽሪ ኣካይዱ።

ኣብቲ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ሓወልቲ ሰማእታት ዝተረኸቡ ወከልቲ ናይቶም ህይወቶም ዝኸፈሉ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ፡ ፖለቲካዊ ሰልፊታትን ሰብ መዚ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣክሊል ዕንባባ ኣንቢሮም።

ክልላዊ ባንዴራ ትግራይ ካብ ወጋሕታ ኣትሒዛ ትሕት ኢላ ዝተሰቕለት ኰይና፡ ኣብ ጐደናታት ነቲ መዓልቲን ሃዋሁን ዘንፀባርቝ ዝተፈላለዩ ኣሳ'እልን ጭርሖታትን ተሰቒሎም ይርኣዩ።

ብመሰረት እቲ ተታሒዙ ዝነበረ መደብ ስድራ ናይቶም ኣብቲ ኲናት ህይወቶም ዝሰኣኑ ብወግዒ ተረዲኦም።

ግዚያዊ ፕረዚደንት ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ "ብሄራዊ ሓዘን፡ መርድእን ዝኽርን ሰማእታት ትግራይ" ንሰለስተ መዓልታት ብወግዒ ከምዝተኣወጀ ኣፍሊጡ።

ብዝሒ ስውኣት ካብ ምግላፅ ዝተቘጠበ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ "ካብቲ ተሰዊኡ ዘሎ ናይ ርብዒ ርብዒ እውን እንተዝስዋእ ረዚን እዩ፡" ኢሉ።

ኣቡነ ማትያስ፡ ኢትዮጵያውያን ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ኲናት ትምህርቲ ብዘይ ምውሳዶም፡ ኣብ ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ካልኦት ክልላትን ብዙሕ ደም ሰብ ከም ዝፈሰሰ ወሲኾም ተዛሪቦም።

"እንተዀነ ግን ኲናት መደምደምታ ኰይኑ ኣይፈልጥን፤ ሓደ መዓልቲ ኮፍ ኢልና ክንዛተ እንተኰይንና፡ ህይወት መንእሰያት ኣጥፊእኻ ክኸውን ኣይምነበሮን" ብምባል፡ ኣፈላላይ ብፖለቲካዊ ልዝብን ዝርርብን ምፍታሕ ክልመድ ምዒዶም።

ስርዓተ ዝኽሪ

እቲ ብሄራዊ ሓዘን፡ ንሰለስተ መዓልቲ ዝቕጽል ዀይኑ፡ ትማሊ ምሸት ሽምዓ ናይ ምብራህ መደብ ተኻይዱ።

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ሳምንታት መርድእ ናይቶም ኣብቲ ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን፡ ብሰራዊት ኤርትራን ሚልሻታት ክልላትን ዝተሓገዘ ሰራዊት ኢትዮጵያን ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ኲናት ዝሞቱ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ንቤተሰቦም ብዝተፈላለየ መንገዲ ክንገር ከም ዝጸንሐ ይዝረብ።

ኣቕዲሙ ከምዝተገልጸ፡ ብዘይስሩዕን ብዝተወሰነ ድማ ስሩዕ ብዝመስል መንገዲ ክንገር ድሕሪ ዝጸንሐ መርድእ፡ ኣብ ከተማ መቐለን ካልኦት ዝተፈላለዩ ከባቢታትን ትግራይ፡ ግፍዒ ወይ ኣገወል ተባሂሉ ዝፍለጥ ስርዓተ ካልኣይ ቀብርን ፍትሓትን ብብዝሒ ክካየድ ቀንዩ።

እንተዀነ ሰብ መዚ እቲ ክልል፡ መርድእ ብስሩዕ መንገዲ ብዘይምንጋሮምን ብምድንጓዮምን ስድራቤታት ንጭንቀትን ምንግልታዕን ተቓሊዖም ዝብል ወቐሳ ክቐርበሎም ጸኒሑ።

በቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተጋፊሑ ዝነበረ ደማዊ ኲናት፡ ካብ ክልቲኡ ወገን ብዙሓት ከምዝሃለቑ ጸብጻበት ይሕብር።

እንተዀነ፡ ክንደይ ዝኣኽሉ ተዋጋእቲ ከምዝሞቱ ዛጊድ ዝገልጽ ሓበሬታ የለን።

ምስቲ ኲናት ብዝተኣሳሰር፡ እታ ንኽልተ ዓመት ኣብ ዕፅዋ ዝነበረት ትግራይ፡ ብጃምላዊ ቕትለት፣ ብጥሜትን ብሰአን ሕክምናን ልዕሊ ፍርቂ ምልዮን ህዝቢ ከምዝሃለቐ ፀብፃባት ይሕብሩ።

እቲ ኲናት ብውዕል ፕሪቶርያ ጠጠው እንተበለ'ኳ፡ ዛጊድ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ኣብ ግዝያዊ መፅለሊ ዝርከቡ ዀይኖም፡ ግዝኣታዊ ሓድነት እቲ ክልል ናብ ንቡር ከምዘይተመልሰን ይግለፅ።