ቲክቶክ ቈልዑ ወሲባዊ ምስልታትን ቪድዮታትን ክዕዘቡ የተባብዕ ኣሎ - ጸብጻብ

ሞባይል ዝሓዘ ኣእዳው ቆልዓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቅማረታት (ኣልጎሪዝም) ቲክቶክ ኣካውንት ዘለዎም ቈልዑ ወሲባዊ (ፖርኖግራፊ) ምስልታትን ቪድዮታትን፡ ከምኡ'ውን ጾታዊ ትሕዝቶታት ክዕዘቡ ይደፋፍእ ኣሎ ክብል ሓደ ትካል ተሓለቕቲ መሰላት ገሊጹ።

ተመራመርቲ፡ ቈልዑ ተመሲሎም ብዝኸፈትዎ ኣካውንት ኣቢሎም፡ ኣብ ዝገበርዎ መጽናዕቲ፡ ዋላ'ኳ መፋትሕ ውሕስነት ክገብሩ እንተ ፈተኑ፡ ንቕሉዕ ጾታዊ ርክብ ዝርከቦ ሃሳዪ ትሕዝቶ ከም ዝተቓልዑ ሓቢሮም።

ትካል ቲክቶክ ነቲ መጽናዕቲ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ውሕስነት ቈልዑ ንምርግጋጽ ከም ዝሰርሕ ብምምጓት እቲ ኵነታት ከም ዘሎ ምስ ፈለጠ ቀልጢፉ ስጕምቲ ከም ዝወሰደ'ዩ ዝገልጽ።

ኣባላት ናይ ሓደ ግሎባል ዊትነስ (ምስክር ዓለም) ዝተባህለ ጕጅለ ሰብኣዊ መሰላት ዝዀኑ ተመራመርቲ፡ ኣብ ሓምለን ነሓሰን ደቂ 13 ዓመት ተመሲሎም ኣካውንት ከፊቶም።

ዘይቅኑዕ ዕለተ-ልደት ተጠቂሞም ነቲ ኣካውንት ኣብ ዝኸፈትሉ፡ መንነቶም ንምርግጋጽ ዝተሓተትዎ ኣይነበረን።

መጠንቀቕታ፡ እዚ ዛንታ ንትሕቲ ዕድመ ቈልዑ ዘይሰማማዕ ትሕዝቶ ኣለዎ።

ወሲባዊ ምስልታት

እቶም ተሓለቕቲ፡ ነቲ ቲክቶክ ውሕስነት የረጋግጽ'ዩ ዝብሎ 'ሪስትሪክት ሞድ' እኳ እንተ ሸገጥዎ፡ ጾታዊ ምልክት ዘለዎ ትሕዝቶ ክዕዘቡ ከም ዝኽኣሉ ይገልጹ።

ባዕሎም ሃሰው ከይበሉ'ውን፡ ኣብቲ 'ዩ መይ ላይክ' (you may like) ዝብል ኣፍደገታቱ ጾታዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ቃላት ከም ዝተቐረበሎም ጠቒሶም።

እቶም ናይ ኣለሻ ቃላት ድማ ናብቲ ደቂኣንስትዮ ባዕላዊ-ርውየት (ማስተርበይሽን) እናገበራ ዝራኣያሉ ትሕዝቶ'ዮም ዝወስዱ።

ብዘይካ'ዚ፡ ደቂኣንስትዮ ኣብ ቃልዕ ህዝባዊ ቦታታት ኰይነን ኮስትሞአን ወይ ኣጥባተን ዘርእያሉ ቪድዮታት'ውን ክዕዘቡ ክኢሎም እዮም።

እቲ ዝኸፍአ ድማ ውጹእ ጾታዊ ርክብ እናተፈጸመ ዘርኢ ፊልምታት'ውን ክርእዩ ዕድል ተኸፊትሎም።

እቶም ቪድዮታት ቀልጢፎም ከይራኣዩ ምስ ካልእ ትሕዝቶታት ተጣቢቖም'ዮም ዝጸንሑ።

እቲ ኵነታት "ዓቢ ስንባደ" ከም ዝፈጠረሎም'ዩ ኣባል ናይቲ መጽናዕቲ ዝዀነ ኣቫ ሊ ዝዛረብ።

"ቲክቶክ ንቘልዑ ካብ ሃሳዪ ትሕዝቶታት ኣይከላኸለሎምን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣካውንት ምስ ከፈቱ ቀልጢፉ ናብኡ ይዕድሞም ኣሎ።"

ቀንዲ ዕማማት ናይቲ ትካል፡ ጽልዋ ዓበይቲ ቴክኖሎጅያዊ ምህዞታት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት፡ ደሞክራስን ክሊማዊ ለውጥን ምግምጋም እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ካልእ መጽናዕቲ እናኣካየዱ እንከለዉ ድማ'ዮም እዚ ካብ ቲክቶክ ዝነቅል ሓደጋታት ቈልዑ ኣጋጢምዎም።

ዝተኣለዩ ቪድዮታት

ውጽኢት መጽናዕቶም ንቲክቶክ ድሕሪ ምሕባሮም፡ እቲ ትካል ቅልጡፍ ስጕምቲ ብምውሳድ ነቶም ጸገማት ከም ዝፈትሖም'ዩ ዘመልክት።

እንተዀነ፡ ነቲ ጉዳይ ንምርግጋጽ ኣብ ወርሓት ሓምለን ነሓሰን ተመሳሳሊ መጽናዕቲ ዘካየዱ እቶም ተሓለቕቲ፡ ቶክቶክ ሕጂ'ውን ጾታዊ ትሕዝቶታት ንቘልዑ ከተባብዕ'ዩ ጸኒሕዎም።

እቲ ትካል፡ ንኮተቴታት ቈልዑ ካብ ከምዚ ዝበለ ሃሳዪ ነገራት ንምክልኻል ልዕሊ 50 ኣገባባት ከም ዘማዕበለ'ዩ ዝምጕት።

"ውሑስን ምስ ዕድመ ዝሰማማዕ ኣገልግሎት ንምሃብን ምሉእ ብምሉእ ውፉያት ኢና፡" ይብል ቲክቶክ።

ካብ 10 ንቕጥዕታቱ ብምጥሓስ ዝሕተሙ ቪድዮታት፡ እቶም ትሸዓተ ሰብ ከይርኣዮም ከም ዝኣልዮም ድማ የመልክት።

ብዛዕባ'ቲ ድሒሩ ዝተረኽበ ውጽኢት መጽናዕቲ በቶም ተሓለቕቲ ምስ ተነግሮ'ውን፡ እቲ ትካል፡ "ነቶም ትሕዝቶታት ብምእላይ ምምሕያሻት" ከም ዝገብር ቃል ኣትዩ'ሎ።

ሓለዋ ሕጊ

ብሪጣንያ ዘውጽኣቶ ሓድሽ 'ሕጊ ውሕስነት ቈልዑ ኣብ መርበብ ኢንተርነት' (ኦንላይን ሴፍቲ ኣክት ቺልድረን ኮድስ) ካብ 25 ሓምለ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ኣሎ።

ብመሰረት'ዚ ድማ ትካላት ማሕበራዊ መራኸቢታትን ይዅን መርበብ ኢንተርነት፡ ቈልዑ ንወሲባዊ ምስልታትን ቪድዮታትን (ፖርኖግራፊ) ከይቃልዑ ዝገብር ምስ ዕድመ ዝኸይድ፡ "ልዑል ኣድማዕነት ዘለዎ ውሕስነት" ክህልወን ይግደዳ እየን።

ባዕላዊ-መጕዳእቲ፡ ርእሰ-ቕትለትን ዘይግቡእ ኣመጋግባን ዘተባብዕ ትሕዝቶታት ኣብ ምክልኻል'ውን ዝያዳ ሓላፍነት ይስከማ።

ግሎባል ዊትነስ እቲ ሕጊ ድሕሪ ምውጽኡ'ውን ካልኣይ መጽናዕቱ ኣካይዱ ነይሩ።

"ንቘልዑ ካብቲ ኣብ መርበባት ኢንተርነት ዘሎ ሃሳዪ ትሕዝቶታት ክንክውሎም ከም ዘሎና ኵሉ ዝሰማማዓሉ'ዩ። ስለዚ ሕጂ፡ ዝምልከቶም ሰብመዚ ስጕምቲ ክወስዱ ኣለዎም፡" ይብል ኣባል ናይቲ ትካል ኣቫ ሊ።

እቲ መጽናዕቲ፡ ተጠቀምቲ ነቶም ጾታዊ ቃላት ኣለሻ ዘለዎም ግብረመልሲ'ውን ክከታተል ፈቲኑ ነይሩ።

ሓደ ተጠቃሚ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ኣብዚ ናይ ኣለሻ መስመረይ እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ክነግረኒ ዝኽእልዶ ይህሉ?" ክብል ጽሒፉ።

ካልእ ተጠቃሚ ብወገኑ፡ "እዚ ኣፕ እንታይ'ዩ ዝኸውን ዘሎ፡" ይብል።