ኪነታዊ ብልሒ ዝመሃዞ ወሲባዊ ምስልታት ቈልዑ ንምግታእ ዝወጸ ፈላሚ ሕጊታት

ኮምፒተር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኢንዱስትሪ ወሲብ (ፕርኖግራፊ)፡ ብፍላይ ምስ ቈልዑ ብዝተሓሓዝ ንሕብረተሰባትን ኣኽበርቲ ሕጊን ዓቢ ብድሆ ኰይኑ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ንህጻናትን ቈልዑን ግዳይ ዓመጽ ዝገብር ወሲባዊ ቪድዮታትን ስእልታትን ኣብ መርበባት ኢንተርነትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን፡ ከምኡ'ውን ኣእዳውን ኮምፕዩተራትን ዝዀነ ውልቀሰብ ከይኣቱን ከይዝርጋሕን ሓያል ጻዕርታት ክግበር ጸኒሑ'ሎ።

ዳርጋ ኣብ ኵለን ሃገራት ከምዚ ዝበለ ኣብ ልዕሊ ቈልዑ ዓቢ ጉድኣት ዘወርድ ናይ ዓመጽ ምስልታት ከም ዓቢ ገበን'ዩ ዝውሰድ። ዋላ'ኳ ምሉእ ብምሉእ ክትግታእን ኣብ ቍጽጽር ክኣቱን እንተዘይክኣለ፡ ኣብ ከምዚ ዝተዋፈሩ ሰባት ሓያል መቕጻዕቲ'ዩ ዝጽበዮም።

ነቲ ኣብ ዓበይትን ቈልዑን ዝወርድ ሃስያ ንምቍጽጻር'ውን ብዙሓት ሃገራት ተሪር ሕግታት ኣጽዲቐን'የን።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ዝተቐልቀለ ብድሆ ግን እዞም ሕግታት እዚኦም ኣብ ግምት ኣእትዮሞ ዝጸንሑ ኣይኮነን።

ሓደ ካብ ቀንዲ ስግኣታት ኪነታዊ ብልሒ (ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ) ዘየሎ ምስልታት ወይ ዝመስል ስእልታት ክምህዝ ብምኽኣሉ'ዩ።

ብኪነታዊ ብልሒ (AI) ዝተሰርሐ ወሲባዊ ምስሊ በየናይ ዓንቀጽ ሕጊ ትፈርዶ? ኣብ መን ጉድኣት ኣውሪዱ ብምባል ክትምጕት ትኽእል? መንከ'ዩ ዝሕተት? ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ኣብ መጋባእያ ቤትፍርዲ ብቐሊሉ ዝዳነዩ ኣይኰኑን።

ስለዚ ድማ'የን ገለ ሃገራት ምስዚ እናስፋሕፍሐ ዝኸይድ ዘሎ መዋእል ኪነታዊ ብልሒ ብምቅድዳም ምስኡ ዝዳረግ ሕጊታትን ቅጥዕታትን ኣብ ምውጻእ ዝጓየያ ዘለዋ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብሪጣንያ ነዚ ዝምልከት ሕጊ ብምጽዳቕ ፈላሚት ሃገር ክትከውን ዝወሰነት ሃገር ኮይና'ላ።

ንሓደጋ ብኪነታዊ ብልሒ ዝተማህዙ ምስልታት ጾታዊ ዓመጽ ቈልዑ ንምቍጽጻር ኣርባዕተ ሕግታት ከወጽእ ከምዝወሰነ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ'ሎ።

ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ከምዝበሎ፡ ብኪነታዊ ብልሒ ዝተማህዙ ምስልታት ጾታዊ ዓመጽ ቈልዑ፡ ምሓዝ፡ ምስራሕ፡ ከምኡ'ውን ንምስራሕ ዝሕግዙ ንዋያት (መሳርሒታት) ምዝርጋሕ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ክውሰን'ዩ።

ነቲ ሕጊ ጥሒሱ ዝተረኽበ ውልቀሰብ ድማ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ክፍረድ ይኽእል።

ነቲ ምስልታት ንምምዕባል ዝሕግዝ ሓበሬታ ዝህብ ወይ ዘሰልጥን ሰብ'ውን ክሳብ ሰለስተ ዓመት ማእሰርቲ ክጽበዮ እዩ።

"ኪነታዊ ብልሒ ነቲ ኣብ መርበባት ኢንተርነት ዝዝርጋሕ ጾታዊ ዓመጽ ቈልዑ ናህሪ ወሲኹሉ ኢና ንርኢ ዘለና" ትብል ላዕለወይቲ ሚኒስተር (ጸሓፊት) ውሽጣዊ ጉዳያት ዪቨት ኩፐር ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየደቶ ቃለመሕትት።

እቲ ብልሒ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቈልዑ ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ "ናብ መጠነ ኢንዱስትሪ" ኣስፊሕዎ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ነቲ ማዕበል ንምግታእ ኪኖ'ዚ ክኸይድ ከምዝኽእል ኣሚታ።

ገለ ካብቲ ዝሕሰብ ዘሎ ሕግታት'ውን ነቶም ኣብ ጾታዊ ዓመጽ ቆልዑ ኢድ ዘለዎም ውልቀሰባት (ፒዶፋይልስ) ምስልታት ክዝርግሑ ዝድግፍ መርበባት ምምሕዳር'ውን ገበን ዝገብሩ እዮም። እዚ ማለት ኣካየድ'ቲ ከምዚኦም ዝበሉ መርበባት ክሳብ 10 ክእሰሩ እቲ ሕጊ ክድንግግ እዩ።

ኣብ መዓርፎ ነፈርትን ካልእ ኣፍደገታትን ዝርከቡ ሰብመዚ ሓለዋ ዶባት'ውን፡ ንዝጠርጠርዎም ገያሾ፡ ላፕቶባቶም፡ ቴለፎናቶምን ኣይፓዶምን ከፊቶም ክፍትሹ ሓድሽ ስልጣን ክወሃቦም'ዩ። እቲ ሃሳዪ ምስልታትን ቪድዮታትን ዝተረኽቦም ከኣ ከከም ክብደቱ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ክብየነሎም'ዩ።

መብዛሕትኡ እዋን ናብ ብሪጣንያ ዝኣቱ ምስ ጾታዊ ዓመጽ ቈልዑ ዝተሓሓዝ ምስልታት ካብ ወጻኢ ዝመጽእ ምዃኑ ይግለጽ።

ንቆልዑ ግዳይ ዝገብር ዘሎ ስኑዕ ምስልታት

ብኪነታዊ ብልሒ ዝተሰንዐ ምስልታትን ቪድዮታትን ጾታዊ ዓመጽ ቆልዑ (CSAM) ብኸፊል ይኹን ምሉእ ብምሉእ ብኮምፒተር ዝተሰርሐ እዩ። ገለ ሶፍትዌራት ኮምፒዩተር ንሓቀኛ ስእልታት "ዕርቃኖም ከውጽኡ" ይኽእሉ'ዮም። ብዘይካ'ዚ፡ ገጽ ናይ ሓደ ቆልዓ ብኻልእ ብምትካእ፡ ሓቀኛ ዝመስል ምስሊ ክፈጥሩ ይኽእሉ።

ኣብ ገለ ገሊኡ ድማ፡ ሓቀኛ ድምጺ ቆልዑ ክጥቀሙ ይኽእሉ፡ እዚ ማለት ድማ ኣቐዲሞም ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዝነበሩ ቆልዑ ዳግማይ ግዳያት ከምዝኾኑ ምግባር'ዩ።

ስኑዕ ምስልታት ተጠቒሞም ንቆልዑ ዘፈራርሑን ግዳያት ዓመጽ ዝገብሩን'ውን ኣለዉ።

ሃገራዊ ትካል ገበናት (NCA) ብሪጣንያ ከምዝብሎ፡ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ኣብ ልዕሊ ቆልዑ ክበጽሕ ብዝኽእል ሓደጋ ብዝተሓሓዝ ጥራይ ወርሓዊ 800 ውልቀሰበት ኣብ ቀይዲ ይኣትዉ።

ኣብታ ሃገር ጥራይ ኣስታት ሓደ ሚልዮን (840,000) ኣብ መርበብ ኢንተርነትን ካብኡ ወጻኢን ዘለዉ ሰባት ንቆልዑ ኣስጋእቲ ምዃኖም እቲ ትካል ይገልጽ። እዚ ማለት 1.6 ሚእታዊት ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ህጻናት ሓደጋ ጾታዊ ዓመጽ ከብጽሑ ዝኽእሉ'ዮም።

"ኪነታዊ ብልሒ ተጠቒሞም ንኮተቴን ቆልዑን ዝጥብሩን ዘፈራርሑን ገበነኛታት ኣለዉ። ነዚ ድማ ነቲ ምስልታት ብምቅይያር ነቶም ግዳያት ብምስግዳድ ክፉእ ነገራት፡ ኣዝዩ ጨቃን ተግባራት ይፍጸም ኣሎ" ትብል ሚኒስተር ኩፐር።

"ኣብዚ ሸነኽ'ዚ ዘሎ ቴክኖሎጂ ተቐያያሪ ስለዝኾነ ንቆልዑና ንምሕላዉ እንወስዶ ስጉምቲ'ውን ምስኡ ዝኸይድ ክኸውን ኣለዎ" ድማ ትብል።

ገለ ተሓለቕቲ ግን፡ መንግስቲ ካብዚ ንላዕሊ'ውን ክኸይድ ነይርዎ በሃልቲ እዮም።

ፕሮፌሰር ክሌር ማክግሊን፡ ክኢላ ምቁጽጻር ወሲባዊ ኢንዱስትሪ (ፖርኖገራፊ)፡ ጾታዊን መርበባውን ዓመጽ ኮይና፡ ዋላ'ኳ መንግስቲ ዘካየዶ ለውጢ "ቅቡል" እንተኾነ፡ ሕጂ'ውን "ዓቢ ሃጓፍ" ከምዘሎ'ያ ትምጉት።

መንግስቲ ነቲ "ዕርቃን ዘውጽእ" መተግበሪታት (ኣፕስ) ክእግዶ ኣለዎ፡ ከምኡ'ውን "ኣብ ወሲባዊ መርበባት ቆልዑ ብዝመስላ ኣዋልድ ዝፍጸም ጾታዊ ንጥፈታት" ምቁጽጻር ክግበረሉ ኣለዎ ትብል። "መርኣያ ጾታዊ ዓመጽ ቆልዑ" ክትብል'ውን ነቶም ኣብቶም መርበባት ፖርኖግራፊ ዘለዉ ቪድዮታት ትገልጾም።

"ልዕሊ ዕድመ ተዋሳእቲ ዝሳተፍሉ'ኳ እንተኾነ፡ ንኣሽቱ መሲሎም ኣብቲ መጻወቲ ባምቡላታትን ካልእ መግለጺ ቆልዑ ዝርከቦ ናይ ቆልዑ መደቀሲ ክፍላታት እዮም ዝራኣዩ"።

"ከምዚ ዝበሉ ነገራት ብቐሊሉ ብዝፍለጥ [ምስ ቆልዑ ዝተሓሓዝ] ቃላት ክርከብ ዝኽእል ኮይኑ፡ ንጾታዊ ዓመጽ ቆልዑ ልሙድን ቅቡልን ዝገብር'ዩ። ከምዚ ዓይነት ትሕዝቶ ዘለዎ ቪድዮታትን ምስልታትን ዘይከም ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ብሪጣንያ ሕጋዊ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ" ብምባል ተወሳኺ ስጉምቲ ከምዘድሊ ፕ/ር ማክግሊን ትምሕጸን።

ኢንተርነት ዋች ፋውንዴሽን (IWF) ዝተባህለ ንትሕዝቶ መርበባት ኢንተርነት ዝከታተል ትካል ዘውጽኦ ጸብጻብ'ውን፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ብዙሕ ጾታዊ ዓመጽ ቆልዑ ዘተባብዕ ምስልታት ኪነታዊ ብልሒ ይፈሪ ከምዘሎን ኣብ ክፉት መርበባት ኢንተርነት ከምዝርከብን ይገልጽ።

እቲ ትካል ከምዝብሎ፡ ኣብ 2024 ብኪነታዊ ብልሒ (ኪብ) ዝተሰንዑ ምስልታት ካብቲ ኣብ 2023 ዝነበረ ብ380 ሚእታዊት (ኣስታት ኣርባዕተ ዕጽፊ) ወሲኾም ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ኣብ ሓደ ወርሒ ጥራይ 3,512 ምስልታት ጾታዊ ዓመጽ ቆልዑ ኣብ ጸላም መርበባት እንተርነት ከምዝረኸበ ይገልጽ። እቲ ኣዝዩ ሃሳዪ ዝብሃል (ካታጎሪ ኤ) ምስልታት ድማ ብ10 ሚእታዊት ወሲኹ።

ኪብ ዝሰርሖ ምስልታት ካብ ሓቀኛ ስእልታት ክትፈልዮ ኣዝዩ ዘጸግም ምዃኑ'ዮም ክኢላታት ዝዛረቡ።

ዋና ኣካያዲ ኢንተርነት ዋች ፋውንዴሽን ደረክ ረይ-ሂል ከምዝብሎ፡ "ሃለዋት ናይዚ ብኪብ ዝተማህዘ ምስልታት ነቲ ኣብ ልዕሊ ቆልዑ ዝፍጸም ዓመጻት የጋድዶ'ዩ"

"ንዓመጽቲ ዘተባብዕን ድርኺት ዝፈጥርን እዩ፡ እዚ ድማ ንሓቀኛ ቆልዑ ንሓደጋ የቃልዖም። ቴክኖሎጂ ኪነታዊ ብልሒ ከይምዝመዝ ብዙሕ ክግበር ይክኣል'ዩ፡ እንተኾነ ግን [መንግስቲ ዝወሰዶ"] ስጉምቲ ዝድገፍ'ዩ፡ እቲ ውሳነ'ዚ ኣገዳሲ ጅማሮ ኮይኑ ይስምዓኒ"።

ካልኦት ተሓለቕቲ ትካላት'ውን ነዚ መንግስቲ ብሪጣንያ ወሲድዎ ዘሎ ፈላሚ ስጉምቲ ዘለዎም ናእዳ ብምግላጽ፡ ኩሉ ሃጓፋት ግን ክዕጾ የተሓሳስቡ ኣለዉ።

እቲ ንገበናትን መዝነት ፖሊስን ዝምልከት ሓድሽ ሕግታትን መምርሒታትን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ፓርላማ ክቐርብ ትጽቢት ይግበረሉ።