እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዘለንስኪ ሕራነ ዝመልኦ መልእኽቲ ልደት ኣሕሊፉ
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ በዓል ልደት ኣመልኪቱ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ; ህዝቢ ዩክረይን ነቲ ብመንግስቲ ሩስያ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ተጻዊሩ ቃልሱ ከሕይል ጸዊዑ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ሕንጋደ ዝመልኦ መልእኽቱ; “ናጽነት ብልዑል ዋጋ’ዩ ዝርከብ፤ ባርነት ግን ልዕሊኡ ዋጋ ከኽፍል ይኽእል’ዩ” ኢሉ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ሚሳይልን ድሮናትን ሩስያ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ዩክሬናውያን ኣገልግሎታት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ማይን ተቛሪጽዎም።
ትማሊ ቀዳም ቅድሚ ቀትሪ ጥራይ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ዩክረይን፡ ከተማ ኬሮሶን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ሩስያ ዓሰርተ ሰባት ከምዝሞቱ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።
ካልኦት 68 ሰባት ከምዝቘሰሉ ዝሓበሩ እቶም ሰበ ስልጣን ደቂ እቲ ዓዲ ደም ንኽልግሱ ጸዊዖም።
ንሩስያ “ራዕዳዊት ሃገር” ኢሉ ዝገለጻ እቲ ፕረዚደንት፡ ወተሃደራት ሩስያ “ንምፍርራሕን ታሕጓስን ኢሎም ንሰባት ዝቐትሉ’ዮም” ክብል ወቒሱ።
ኣብ ጐደናታት ዝተደርበዩ ሬሳታትን ዝተቓጸላ መካይንን ዘርእዩ ስእልታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝጠቅዐ ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ “ዓለም ምስ ከመይ ዓይነት ሰይጣናዊ ሓይሊ ንገጥም ከምዘለና ክትፈልጥን ክትርዳእን ኣለዋ” ኢሉ።
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ካብ ዝጀመረትሉ 24 ለካቲት ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቍጽጽራ ኣትያ ዝነበረት ኬሮሶን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብሰራዊት ዩክረይን ሓራ ከምዝወጽአት ዝዝከር’ዩ።
ካብ ሽዑ ንደሓር እታ ከተማ ቀንዲ ወተሃደራዊ ዕላማ ሩስያ ኰይና እያ።
ሩስያ ሰለማውያን ሰባት ዕላማ ትገብር ኣላ ዝብል ጸብጻባት ብተደጋጋሚ’ኳ ዝነጸገቶ እንተዀነ፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ቀረባ ግዝያት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ወተሃደራት ሩስያ ቀንዲ መሳለጥያታት ጽዓት ዩክረይን ከምዝወቕዑ ኣሚኑ።
መብዛሕትኦም ዩክሬናውያን ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ክኾኑ እንከለው በዓል ልደት ኣብ ድሮ ማለት ጥሪ 6 እዮም ዘኽብሩ። እንተዀነ ቍጽሮም እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ዩክሬናውያን ከምቲ ካልእ ክፋል ዓለም ዘብዕሎ ታሕሳስ 24 የኽብርዎ’ዮም።
ዘለንስኪ ትማሊ ቀዳም ብቪድዮ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ “ኣብ ፈለማ እቲ ኵናት ገጥ ኢልና ኢና። መጥቃዕቲ፡ መፈራርሒ፡ መጥቃዕቲ ኑኩሌር፡ ራዕድን መጥቃዕቲ ሚሳይል ተጻዊርና ኢና። እንዋግኣሉ ዘለና ዕላማ ስለእንፈልጥ ኣብዚ ክረምቲ’ውን እንተዀነ ጸኒዕና ክንቃለስ ኢና” ኢሉ።
ንሱ ኣስዒቡ “በዓላትና ከም ወትሩ ፍሽኽ ኢልና ክነብዕሎ ኢና። ተኣምራት ኣይክንጽበን ኩሉ ብናይ ገዛእ ርእሲ ዓቕምታትና ክንትግብሮ ኢና” ኢሉ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ኪቭ ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሁጎ ባቼጋ ብዙሓት ዩክሬናውያን በዓል ልደት ዘኽብሩ ዘለዉ ኣብ ጸልማትን ቁርን ኰይኖም ከምዝኾኑ ጸብጺቡ።