እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ ብኸመይ እዩ ናብ ዋሽንግተን ተጓዒዙ?
መራሒ እታ ንዓመት መመላእታ ኣብ ኵናት እትርከብ ዩክረይን፡ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ናብ ኣመሪካ ተጓዒዙ።
ጉዕዞ እቲ ፕረዚደንት ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ዩክረይንን ንዘሎ ኣገዳሲ ዝምድናን ሽርክነትን ዘርኢ ምልክት ምዃኑ ተገሊጹ።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ ብሰሉስ ኣብ ምብራቓዊ ዩክሬን ኣብ ዝርከብ ግንባር ድሕሪ ምብጻሕ ብለይቲ ብእትጓዓዝ ባቡር ዓዱ ናብ ፖላንድ ድሕሪ ምስጋር ናብ ኣመሪካ ኣምሪሑ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን እቲ ፕረዚደንት ናብ ዋሽንግተን ዑደት ከምዘካይድ ክዝርጋሕ ጀሚሩ’ኳ እንተነበረ፡ ክሳብ ረቡዕ ንጉሆ ግን መዓስ ከምዝኸይድ ኣይተረጋገጸን ነይሩ።
ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ መራሒ ዩክረይን ናብ ርእሰ ከተማ ኣመሪካ ብሰላም ንምእታው ኣብ መንገዲ ከምዘሎ ርግጸኛታት ምስ ኮኑ እዮም ክዛረቡ ጀሚሮም።
እቲ መገሻ ንኣዋርሕ ክዝተየሉ እኳ እንተጸንሐ እቲ ምድላዋት ግን ኣብ መወዳእታ ብቕልጣፈ እዩ ተገይሩ።
ክልቲኦም ፕረዚደንታት ብ11 ታሕሳስ ብዛዕባ መገሻ ከምዝተዛረቡን፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ድማ ንፕረዚደንት ዘለንስኪ ወግዓዊ ዕድመ ከም ዝተገብረሉን ተፈሊጡ።
እትረፍ ኣብ እዋን ኵናት ንዝጓዓዝ ፕረዚደንት፡ ዋላ እውን ኣብ ሰላማዊ ኩነታት ዝርከብ ፕረዚደንት፡ ንመገሽኡ ብዝምልከት ጽኑዕ ጸጥታዊ ቁጽጽር ስለዘድሊ ብዛዕባ መገሻ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ዝኾነ ይኹን ወግዓዊ ሓበሬታ ዘይምዝርግሑ ዘገረም ኣይኮነን።
ሚሳይላት ሩስያ ንጉዕዞ ነፈርቲ ዩክሬን ኣብ ሓደጋ ስለዘእተዎ፡ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ረቡዕ ምሸት’ዩ ኣብ ዶባዊት ከተማ ፕረሚስል ኣብ ዝርከብ መደበር ባቡር ፖላንድ ተራእዩ።
ብድሕሪኡ ነቲ ፕረዚደንትን ጉጅልኡን ዝጽበያ ዝነበራ ናይ መንግስቲ ኣመሪካ ጸለምቲ ሸቭሮሌት ሳበርባን ሞዴል መካይን ተሰቒሉ ተዓዚሩ።
ብዙሓት ምዕራባውያን መራሕትን ሰበ ስልጣንን ንፕረዚደንት ዘለንስኪ ንምብጻሕ ናብ ኪየቭ ብባቡር ተጓዒዞም እኳ እንተነበሩ፡ ኲናት ሩስያ ካብ ዝጅምር ንደሓር ግን ፕረዚደንት ዘለንስኪ ንፈለማ እዋን’ዩ ናብ ወጻኢ ሃገር ዝገይሽ ዘሎ።
ሓበሬታ በረራታት ከም ዘመልክቶ፡ ድሕሪ ገለ ሰዓታት፡ ንፕረዚደንት ዘለንስኪ ክትወስድ እያ ተባሂላ እትግመት ቦይንግ ሲ-40ቢ ዝተባህለት ናይ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ነፋሪት ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ርዘዞው (Rzeszow) ተበጊሳ።
እታ ነፋሪት ካብቲ መዓርፎ ነፋሪት ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ ገጻ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ገጻ ኣቕኒዓ። ኣብ ልዕሊ ሰሜናዊ ባሕሪ ናብ ዝርከብ ክሊ ኣየር ቅድሚ ምእታዋ ከኣ ሓንቲ ሰላዪት ነፋሪት ኔቶ ነቲ ከባቢ ከም ዝዳህሰሰቶ ይንገር። እቲ ባሕሪ ብናይ ሩስያ ሳብማሪናት ቁጽጽር ከምዝግበረሉ እዩ ዝፍለጥ።
ከምኡ’ውን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ዝርከብ መደበር ሓይሊ ኣየር ዝተበገሰት ኤፍ-15 ዝዓይነታ ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ፡ ንገለ ክፋል ጉዕዞኣ ንበረራ ሚስተር ዘለንስኪ ዓጂባቶ።
ኣብ መወዳእታ ከኣ ድሕሪ ኣስታት 10 ሰዓታት በረራ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ ንፕረዚደንት ዩክሬን ዝሓዘት ነፋሪት ኣብ ጥቓ ዋሽንግተን ዓሊባ።
ኣብ ኣመሪካ ምስ ኣተወ ከኣ ከምቲ ንኹሎም በጻሕቲ መራሕቲ ሃገራት ዝገበረሎም ምስጢራዊ ሓለዋ ተገይሩሉ።
ናይ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ፍሉይ ዝገብሮ ግን መራሒ ናይታ ምስ ሩስያ ኣብ ውግእ እትርከብ ሃገር ስለዝኾነ፡ ሰበ ስልጣን ጸጥታ ኣመሪካ ዝያዳ ተገዳስነት ክገብርሉ ሓላፍነት ተሰኪሞም።
ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ንኤቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ሩስያ ኣብዛ ሃገር ሰለይቲ ከምዘለውዋ ስለእንፈልጥ ገለ ነገር ክትገብር ክትፍትን ትኽእል እያ" ኢሉ።
እቲ መገሻ ብዘይ ገለ ጸገም ዝሓለፈ ይመስል፤ ትማሊ ሓሙስ ድማ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ድሮ ናብ መሬት ኤውሮጳ ተመሊሱ፡ ምስ መዘንኡ ኣንድረጅ ዱዳ ንምርኻብ ኣብ ፖላንድ ደው ከም ዝበለ ኣብ ቴሌግራም ጽሒፉ።
ድሮ’ውን ዶብ ፖላንድ ሰጊሩ ናብ ዩክሬን ከምዝኣተወ ይግለጽ ኣሎ።
ሰበስልጣን ጸጥታ ኣሜሪካ ግን ብሰላም ናብ ኪየቭ ምስ ተመልሰ ጥራይ እዮም ሩፍታ ዝረኽቡ።
ሓደ በዓል ስልጣን ንኤቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ፑቲንን ክረምሊንን ናብ ዓዱ ክምለስ ከምዘለዎ ይፈልጡ'ዮም" ኢሉ።