እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያ ብሸነኽ ቤላሩስ ንዩክረይን ከይተጥቅዕ ስግኣት ፈጢሩ
ፕረዚደንት ፑቲን፡ ኣብ ቤላሩስ ዑደት ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን፡ ሰራዊቱ ብወገን ቤላሩስ ኣንጻር ዩክረይን ሓድሽ መጥቃዕቲ ክኸፍቱ ከም ዝኽእሉ ዝጸንሐ ስግኣት ይዛይድ ኣሎ።
ዩክረይን፡ ነቲ ብወገን ቤላሩስ ክኽፈተላ ዝኽእል መጥቃዕቲ ንምዕጋት ምእንቲ ክትክእል ድማ፡ ምስታ ሃገር ኣብ ዘዳውብ ቦታታት ሓለዋኣ ተሓይል ከም ዘላ ተገሊጹ።
ምክትል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሩስያ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ ዩክረይን ንዶባት ቤላሩስ ብሰራዊትን ኣጽዋር ሓጺራቶ ኣላ።
እዚ ስግኣት ዩክረይን ዝያዳ ዝዓርግ ዘሎ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ምስ ፕረዚደንት ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ንምዝርራብ ናብ ሚኒስክ ኣብ ዝተጓዕዘሉ እዩ።
ቤላሩስ ምስ ሩስያን ዩክረይንን እትዳወብ ክትከውን እንከላ፡ ፕረዚደንት ሉካሼንኮ ቀንዲ ፈታውን መሻርኽትን ፕረዚደንት ፑቲን እዩ።
ፑቲን፡ ሓለዋ ዶባት እታ ሃገር ክሕይልን፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ እውን ጥቡቕ ማሕበራዊ ክትትል ክግበር ኣተሓሳሲቡ’ሎ።
ሓይልታት ጸጥታ ሩስያ፡ ዝዀነ ይዅን ዶብ ሩስያ ጥሒሱ ክኣቱ ንዝፍትን፣ ካብ ግዳም ንዝመጽእ ሓደጋጋት ከምኡ’ውን ተግባራት ክድዓትን ጥፍኣትን ንምፍሻል ፍጡን ግብረመልሲ ንምሃብ ወትሩ ድሉዋት ክዀኑ ከም ዝግባእ ኣጠንቂቝ።
ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ፍሉይ ሓይልታት ሩስያ’ውን ኣብተን ነተን ከም ግዝኣት ሩስያ ተወሲደን ዘለዋ ዞባታት ዩክረይን ዝነብሩ ሰባት ድሕነትን ውሕስነትን ከረጋግጹ ይግባእ ኢሉ።
ኣብ ሓደሓደ ከባቢታት ብፍላይ ኣብ ኬርሶን፡ ሩስያ ርኡይ ዝዀነ ወተሃደራዊ ስዕረት ከም ዝተሰከመት እዩ ዝንገር።
ምኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ እቲ ኣብ ቤላሩስ ዓስኪሩ ዘሎ ሰራዊት ሩስያ፡ ምስ ሰራዊት'ታ ሃገር ሓቢሩ ልምምድ ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ’ሎ።
ብዛዕባ’ቲ ዑደት ፑቲን ኣመልኪቱ መግለጺ ዝሃበ ያኒን፡ “መከላኸሊ መስመራት ሩስያን ቤላሩስያን ነሐይል ኣለና፡” ክብል ኣረጋጊጹ።
ቤላሩስ፡ ኣብቲ ኲናት ብቐጥታ’ኳ እንተዘይተሳተፈት፡ ወተሃደራት ሩስያ መሬታ ተጠቒሞም ንዩክረይን ከጥቅዑ ኣፍቂዳ እያ።
ቤላሩስ፡ “ኣብዚ ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት” ደገፋ ከተሐይል ካብ ሩስያ ጸቕጢ ይግበረላ ከም ዘሎ እዩ ዝግለጽ።
ኣፈኛ መንግስቲ ሩስያ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ “እዚ መግለጺታት ዘይረብሕ መሰረት ዘይብሉ ዝተፈብረኸ ወረ” ክብል ገሊጽዎ።
ድሕሪ ልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ንፈለማ ግዜ ንቤላሩስ ዝበጽሕ ዘሎ ፑቲን፡ "ሩስያ ንዝዀነ ወገን ጸቕጢ ክትገብር ኣይትደልን እያ፡” ድሕሪ ምባል “ጸላእቲ” ግን ነቲ ኣብ መንጐ እዘን ክልተ ሃገራት ዘሎ ዝምድና ንምብላሻው ወትሩ እዮም ዝሰርሑ፡ ክብል ተዛሪቡ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቭላድሚር ዘለንስኪ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ዘለዎ ስግኣት ብምእማት፡ ዶባት እታ ሃገር ብጽኑዕ ምሕላው ቀጻሊ ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ ምዃኑ ብሰንበት ኣተሓሳሲቡ።
ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ክሳብ ሕጂ ወተሃደራቱ ኣብ ዩክረይን ክዋግኡ ኣይፈቐደን ዘሎ። ኣዒንቲ ዓለም ድማ ብንቕሓት እየን ነዚ ዝከታተላኦ ዘለዋ።
ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ነድ ፕራይዝ ንመግለጺ ፑቲን፡ "ጫፍ ሕጫጨ" ክብል ብምግላጽ፡ ፑቲን ንዩክረይን ንምጕባጥ ዘለዎ ድሌት ገሊጹ።