ንሩስያ ድሮናት ምሻጥ ዝኣበዩ ቱርካውያን ኣሕዋት መሃዝቲ ድሮን 'ባይራክተር'

'ድሮን ባይራክተር'፡ ከም ትእምርቲ ጽንዓት ዩክሬናውያን ኣንጻር ገስጋስ ሩስያ ክረኣያ ዝጀመራ፡ ስርሓት ቱርኪ ዝዀና ባይራክተር ቲቢ-2 ዝዓይነተን ወተሃደራዊ ድሮናት ንገስጋስ ሩስያ ደው ኣብ ምባል ዓቢ ተራ ብምጽዋተን እዩ።

ሩስያ ግን ኣብ ኢራን ዝተሰርሓ ሸሂድ-136 ዝያዳ ድማ 'ካሚካዘ' ብዝብል ዝፍለጣ ሰብኣልቦ ነፈርቲ ኣብ መጥቃዕቲ ላዕለዋይ ኢድ ዘለዋ ኰይና ትርአ ኣላ።

ንክኢላ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሳራ ክረፕስ፡ እዚ ዅሉ ኣካል ኲናት ከም መስርሕ ፍልቀት እዩ ዝርአ።

እታ ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ኮርነል፡ "ድሮናት ወሰንቲ ከምዝዀና ብኣጋኡ ዝተገመተ እዩ ነይሩ" ትብል።

"ናብ ሓድሽ ነገር ዝግበር ተፈጥሮኣዊ ስሕበት'ዩ። እዚ ድማ ጸወታ ዝቕይር ክኸውን ይኽእል'ዩ ዝብል ስምዒት ነይሩ።"

'game changer' [ቀያሪ ጸወታ] ዝብል ቃል ንመጀመርያ ግዜ ብዛዕባ እታ 'Bayraktar TB2' እትበሃል ድሮን ንምግላጽ እዩ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ።

ዋጋኣ ክልተ ሚልዮን ዶላር ዝግመት ኰይኑ፡ ዓቐና ክንዲ ንእሽቶ ነፋሪት እያ። ብሌዘር-ዝምራሕ ኣጽዋራት ሚሳይላት ትሽከም።

ነቶም ዘፍረይዋ ክልተ ቱርካውያን ኣሕዋት ሰልኩክ፡ ሃሉክ ባይራክተር፡ ግን ካብ ሳዕቤን ኲናት ዘምልጥ ከምዘየለ ይኣምኑ።

"ብርግጽ ኲናት ኣዝዩ መሪር ነገር'ዩ፡ ክፉእ ነገር'ዩ" ይብል እቲ ዓቢ ሓው ሃሉክ፡ ኣብቲ ኣርማ ዩክረይን ዝሓዘት መርኣዪ ቲቢ-2 ድሮን ዘለዎ ቤት ጽሕፈቱ ኰይኑ።

"ሰባት ይሃልቁ ኣለዉ፡ ተዋጋእቲ ድሮናት እንተዘይነማዕብል ምሓሸ ነይሩ።"

"እንተዀነ፡ ከምዚ ዝበለ ከቢድ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን፡ ንነብስኻ ክትከላኸል ኣለካ። እዚ ድማ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ፍርያት ቴክኖሎጂ ጥራይ ኢኻ ክትገብሮ እትኽእል።"

'ሃገራዊ ብራኸ'

ካብ ደገ እንተርኢናዮ፡ ኣብ ወሰን ከተማ ኢስታንቡል ዝርከብ ብስድራቤት ዝውነን ትካል፡ ካምፓስ - ቀጽሪ - ሓደ ዩኒቨርሲቲ ወይ ትካል ቴክኖሎጂ እዩ ዝመስል።

ኣብ መወዳእታ 20ታት ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ጂንስ ተኸዲኖም ኣብ ሰፊሕ ክፉት ቦታ ብጥንቃቐ ኣብቲ ሳዕሪ ክዛወሩ ይረኣዩ።

ኣብ መእተዊ፡ ብዛዕባ ታሪኽ ኦቶማን ኢምፓየር ከምኡ’ውን ብኸመይ ቅኑዕ ኣገባብ እስልምና ተኸቲልካ ብትኽክል ትጽሊ ዝገልጹ መጻሕፍቲ ኣብ ልዕሊ መኣዲ ልዕል ኢሎም ተኣኪቦም ይረኣዩ።

ባይካር ቴክኖሎጂ ዝዓበየ ትካል ምክልኻል ቱርኪ’ኳ እንተዘይኰነ፡ ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ትካላት እዩ።

እዘን ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ፡ ኣብ 2020 ኣዘርባጃን ንሓይልታት ኣርመንያ ክትስዕርን ነቲ ዘካትዕ መሬት ናጎርኖ-ካራባክ ሰፊሕ መሬት ክትምንጥልን ሓጊዘን እየን።

እዚ ድማ ካብ ቱርኪ ወጻኢ ሰፊሕ ኣፍልጦ ክረኽባ ምስ ጀመራ እዩ።

"ኣብ ካራባክ፡ ኣብ መኸተ ቱርኪ ኣንጻር ግብረሽበራ፡ ኣብ ስርሒታት ሶርያ፡ ኣብ ምፍጣር ጸጥታዊ ዞባን፡ ኣብ ግጭት ሊብያን መባዝሒ ሓይሊ ኰይነን” ይብል ሃሉክ።

እቲ ትካል ምስቶም ቀዳሞት ዓደግቲ ዝዀኑ ሰራዊት ቱርኪ ጥቡቕ ርክብ ኣለዎ።

እቲ ሰራዊት ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ተጠቒሙ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ንዝርከቡ ዕጡቓት ኩርዳውያን ዒላማ ከምዝገበረ ይፍለጥ።

እቶም ኣሕዋት፡ እቲ ቴክኖሎጂ ናብ 24 ሃገራት ከም ዝቐረበ የረጋግጹ።

እዚ ምስቲ ፕረዚደንት ኤርዶጋን ቱርኪ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ከምኡ’ውን ኣብ ማእከላይ ኤስያ ከም ዓባይ ኣቕራቢት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንኽትከውን ዘለዎ ራእይ ዝተኣሳሰር እዩ።

ሃሉክ፡ ትካሉ ኣብ ኣጠቓቕማ እተን ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ፡ ከም ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዝበጽሕ ጉድኣት ኣመልኪቱ ዝዀነ ቅድመ ኩነት እንተኣቐሚጡ ሓቲትናዮ።

ሰበስልጣን ቱርኪ፡ ነቲ ናይ ሰደድ ፍቓድ ይህቡን እቲ ቴክኖሎጂ ሰብኣዊ መሰላት ንምግሃስ ክጥቀመሉ ከምዘይክእልን ዝኣመሰሉ ቀየድቲ ሕግታት የቐምጡ፡ ይብል።

"ባይካር ብዝዀነ መገዲ ምስ ሃገራት ጥራይ እዩ ዝተሓባበር። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ቴክኖሎጂታት ንመንግስታዊ ትካላት እተን ሃገራት ይሽየጡ፤ ንሲቪላዊ ትካላት ኣይሽየጡን እዮም፡" ይብል።

‘ኣይንሸይጥን’

እቲ ትካል ምስ ዩክረይን ዘለዎ ርክብ ካብ ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ እዩ።

ሃሉክ፡ እቲ ውዕል ኣብ 2018 ከምዝተፈረመን፡ ኣብ 2019 ድማ ነተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምቕራብ ከምዝጀመሩን ይዛረብ።

መንግስቲ ዩክረይን፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንምርካብ ናብ ብዙሓት ሃገራት ከምዝተወከሰ፡ እንተዀነ ቱርኪ ጥራይ እያ ነዚአን ከተቕርበን ተስማሚዓ።

ሩስያ እውን ቀንዲ ስትራተጅያዊት መሻርኽቲ ቱርኪ ስለዝዀነት ሩስያ ከመይ ምላሽ ሂባቶ ዝብል ሕቶ ቀሪብሉ ነይሩ።

ሃሉክ፡ ቀዳማይ ነገር ኩባንያ ቴክኖሎጂ ምዃኖም ብምግላጽ፡ እተን ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ብኸመይ ከም ዝዋፈራ ትውስን ግን ዩክረይን እያ፡ ኢሉ።

"ስርዓታትና ንመከላኸሊ ኣየርን ዕጥቆምን የዕንዎም ስለዘሎ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ሩስያ ብዙሕ ናይ ጸለመ ዘረባታት ይካየድ ኣሎ" ይብል።

"ሞስኮ ብዙሕ ገንዘብ እንተትኸፍልከ? ድሮናት ምሸጥኩምሎም ዶ?"

"ገንዘብ እቲ ዝዓበየ ነገር ኣይኰነን። ገንዘብን ንዋታዊ ነገራትን ቀንዲ ዛዕባና ኰይኑ ኣይፈልጥን" ይብል ሃሉክ።

"ክንደይ ገንዘብ ይቐርበልና ብዘየገድስ፡ ከምዚ ዓይነት ነገር ካብ ሕቶ ወጻኢ'ዩ። ኵሉ ደገፍና ምሉእ ብምሉእ ንዩክረይን ዝቐንዐ'ዩ።"

ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ፑቲን?

ፕረዚደንት ቱርኪ ኤርዶጋን፡ ኣብ ሓደ ላዕለዋይ ኣኼባ ሰልፊ ፕረዚደንት ፑቲን ነተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝደልየን ገሊጹ ተባሂሉ ይዝረብ።

ሃሉክ፡ ኣብቲ ቃለ መጠይቕ 'ፑቲን' ዝብል ስም ከይጥቀም ብዛዕባ 'ሩስያ' ጥራይ ክዛረብ ብቤት ጽሕፈቱ መተሐሳሰቢ ከምዝተዋህቦ ይዛረብ።

እቲ ዋና ሓላፊ ቴክኖሎጂ፡ ንእሽቶ ሓዉ ሰልኩክ ብወገኑ፡ ርእይቶ ክህብ ኣይደለየን።

ካብ ቃላት ሃሉክ ንጹር እዩ፡ እንተወሓደ ንዩክረይን ወሪራትሉ ክሳብ ዘላ እዋን፡ ምስ ሩስያ ኣብ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝግበር ምትሕብባር ኣይክህሉን እዩ።

ብዙሓት ምዕራባውያን ወሃብቲ ርእይቶ ግን፡ ቱርኪ ምስ ሩስያ ብዝምልከት ብኽልቲኡ መገዲ ክትህሉ ትፍትን ኣላ ክብሉ ይኸሱ።

በቲ ሓደ ወገን ንዩክረይን ወተሃደራዊ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ትሸይጥ፡ በቲ ኻልእ ወገን ግን ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ሩስያ እገዳ ከንብራ ንዝገብራኦ ጻዕሪ ትነጽግ።

እቲ ነገር ልዕሊ ንግዲ ንሓደጋ ዘቃልዕ እዩ።

ኣብ መስርሕ እቲ ቃለ መጠይቕ፡ ሃሉክ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንዝሞተ ኣቦኡ ብተደጋጋሚ ይጠቅስ።

ኦዝደሚር ባይራክታር ኣብ 1980ታት ነቲ ትካል መለዋወጢ ኣቝሑ ንምፍራይ ዝመስረተ መሃንድስ እዩ።

ግን ኣብ ጐድኒ ከንቲባ ኢስታንቡል ዝነበረ [ረሲፕ ኤርዶጋን] ኰይኑ፡ ኣብ እስላማዊ ፖለቲካ እውን ይነጥፍ ነይሩ።

ክልቲኦም ነቲ እስልምና ካብ ናይ ብሕቲ ዓውዲ ወጺኡ ናብ ህዝቢ ዝወጸሉ ባህላዊ ዓለማውነት መንግስቲ ቱርኪ ደጊፎም።

ኣብ 2016፡ እቶም ክልተ ሰባት፡ እቲ ማእከላይ ሓው ሰልኩክ ንጓል ፕረዚደንት ኤርዶጋን ሱመያ ምስ ተመርዓወ፡ ከኣ ዝያዳ ተቐራሪቦም።

ብዙሓት ነቐፍቲ፡ ዓወት እቲ ኩባንያ ብሰንኪ መን ከም ዝዀነ ይዛረቡ፣ ነዚ ክሲ ግን ሰልኩክ ይነጽጐ።

"ባይራክታር ቲቢ-2 ናይ መጀመርታ ጥይት ምስ ተኮሰት፡ ኣብ ኵለን ጋዜጣታት ቱርኪ ዜና ቀዳማይ ገጽ እዩ ነይሩ፤ ዓቢ ዜና እዩ ነይሩ" ይብል እቲ ብ'ኣርክቴክተር' ናይቲ መደብ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝፍለጥ ሰልኩክ።

"ንናጽነት ሃገርና ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን'ቲ ኣይተመርዓኹን ነይረ። ምስ ተመርዓኹ'ዩ፡ ኣብ ገለ ትካላት ሚድያ ኣሉታዊ ዜናታት ክቐርብ ጀሚሩ።"

ነቲ ዕላል ናብ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምምላስ፡ ነተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኢራን ብዓይኒ ምህንድስና ክግምግመን ተሓቲቱ።

"ብርግጽ ባይራክታር ቲቢ-2 ኣብ ዓይነተን ኣብ ዓለም እተን ዝበለጻ'የን" ይብል።

"ቴክኒካዊ ዓቕሚ ናይታ ዝጠቕሰት ድሮን ኣይመርመርኩዎን፣ ኣብ ዓለምና ግን ኣብ ዝተፈላለየ ዓውደ ውግእ ክንድዚ ዝኣክል ብቕዓቱ ዘመስከረ ካልእ ሰብ-ኣልቦ ስርዓተ ነፈርቲ የለን።"

ፖላንድ ንፈለማ እዋን ኣባል ኔቶ ኰይና TB-2 ድሮን ገዚኣ ዝወሰደት ክትከውን እንከላ፡ እዚ ክትዕ ኣብዚ እዋን ትዅረት እናረኸበ ዝመጽአ ዘሎ ይመስል።