ሚሳይላት ሩስያ ንትሕተ ቕርጺ ዩክረይን እናደብደበ ፑቲን ምስ ጀነራላቱ ተራኺቡ

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ሓይልታቱ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ ዩክረይን ማዕበላዊ ሚሳይላት ኣብ ዝድብድቡሉ ዘለዉ እዋን ምስ ወተሃደራውያን ሓለፍቱ ተራኺቡ።

ሚስተር ፑቲን ዝሓለፈ ዓርቢ ምሉእ መዓልቲ ኣብቲ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት "ፍሉይ ሓይልታቱ" ኰይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ሩስያ ንቐጻሊ ክትገብሮ ዘለዋ ስጕምቲ እንታይ ክኸውን ከም ዘለዎ ክዘራረብ ውዒሉ።

ሓደ ሓደ ወተሃደራት ዩክረይን፡ ሩስያ ምናልባት ኣብዚ ሓዲሽ ዓመት ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ክትፍኑ መዲባ ምህላዋ ኣብ ዝገለጽሉ ዘለዉ እዋን እዩ እቲ ኣኼባ ተኻይዱ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ሩስያ ንብዙሕ ትካላት መመንጨዊ ጸዓት ስለዝሃረመት ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ጸልማትን ቁርን ተሸሚሙ ይርከብ።

ኣብቲ ወተሃደራዊ ኣኼባ፡ ፑቲን ብሚኒስተር ምክልኻል ሰርገይ ሾጊን ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ቫለሪየ ጀራሲሞቭን ተዓጂቡ ይርአ።

እቲ መራሕ ክረምሊን፡ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኩርናዕ ዘለኹም ኣዘዝቲ ስርሒታት ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባን ማእከላይን እዋን እንፍጽሞ ተግባራት ዘለኩም እማመን ውጥንን ሓሳብኩም ክሰምዕ እደሊ’የ” ኢሉ ክዛረብ ኣብ ተሌቪዥን እታ ሃገር ተራእዩ።

ኣብቲ ኣኼባ፡ እቲ ብመርበብ ሓበሬታ ካብ ስልጣኑ ተባሪሩ ተባሂሉ ዝዝረበሉ ዝነበረሉ ጀነራል ገናሲሞቭ ስለዝነበረ እቲ ወረ ሓሶት ምዃኑ ተቓሊዑ። እቲ ወዲ 67 ዓመት ጀነራል፡ ብማሕራዊ መራኸቢታት “ኣዝዩ ጥንቁቕ እዩ” እናተባህለ ብዙሕ ክሲ እዩ ዝወርዶ ነይሩ።

እቲ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ዩክረይን ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሩስያ ኰይኑ እተሸመ ሓለቓ ሰርጌ ሱሮቪኪን፡ ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቡ ምንባሩ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ብስእሊ ኣብ ዘቕረባኦ ጸብጻብ ተራእዩ።

ሓይልታት ዩክረይን፡ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ነታ እንኮ ብሓይልታት ሩስያ እተታሕዘት ዓባይ ከተማ ኬርሶን ብምሓዝ ተኸታታሊ ምዕባለታት ገይሮም እዮም።

ኣብዚ ዓመት ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ሞስኮ ምስ ፈረሰ፡ እቶም ሓለቓታት ሰራዊት ንክረምሊን ካብ ዝድግፋ መራኸቢ ብዙሃን ሓያል ነቐፌታ ወሪዱዎም እዩ።

ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ዝነበረ ቫለሪየ ጀራሲሞቭ ካብ ስልጣኑ ከም እተባረረ ዝገልጽ ወረታት ነይሩ።

ኣብቲ ኣኼባ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ዩክረይን ነበር ገን ቫለሪ ዛሉዥኒ፡ ሞስኮ ኣብ መጀመርታ 2023 ሓድሽ መጥቃዕቲ ክትጅምር ከም እትኽእል ገሊጹ። ሩስያ ኣብቲ ወጢናቶ ዘላ ሓዲሽ መጥቃዕቲ ኣስታት 200 ሽሕ ሰራዊት ኣሰሊፋ ከምዘላ ሓቢሩ።

ኣስዒቡ'ውን "ንኪቭ ከጥቅዑ ከምዝፍትኑ ኣይጠራጠርን እየ" ኢሉ።

"ኣብዚ እዋን'ዚ ክንደይ ዝኣኽሉ ኣሃዱታት ከም ዘሎኒ እፈልጥ እየ። ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ከኣ ክንደይ ዝኣኽላ ኣሃዱታት ከዳሉ ከምዘለኒ እውን እፈልጥ እየ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ዋላ'ውን ከቢድ እንተዀነ፡ ሕጂ ብዝዀነ ይዅን መገዲ ክትንክፎም ከምዘይብለይ እፈልጥ እየ።"

ብዘይካ'ዚ፡ እቲ መጥቃዕቲ "ናብ ኪቭ ዝቐንዐ ክኸውን ይኽእል እዩ።" ምናልባት እውን ብቤላሩስ ክጅምር ይኽእል እዩ።

ኣብቲ ናይ ለካቲት መጥቃዕቲ፡ ወተሃደራት ሩስያ ካብ ቤላሩስ ዶብ ሰጊሮም ናብ ዋና ከተማ ዩክረይን ኪቭ ክግስግሱ ፈቲኖም እዮም።

መራሒ ቤላሩስ ኣለክሳንደር ሉካሸንኮ፡ ሰራዊቱ ኣብቲ ወራር ከም ዘይተሳተፉ ብተደጋጋሚ'ኳ እንተገለጸ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ሩስያ ኣብታ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሞስኮ "ጽዑቕ ስልጠና ውግእ" ዝብሎ ስርሒት ይሳተፉ ከምዘለው እዩ ዝፍለጥ።

ቭላድሚርፑቲን ጽባሕ ሰኑይ፡ ምስ ቤላሩስያዊ መዘናኡ ኣብ ሚንስክ ክራኸብ እዩ።

ይዅን እምበር፡ ተንተንቲ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ርእሰ ከተማ ዩክረይን መጥቃዕቲ ከተካይድ ትኽእል እያ ንዝብል ነገር ኣብ ምልክት ሕቶ እዮም ዘእትውዎ።

ወሃብ ቃል ዋይት ሃውስ ጆን ኪርቢ ብወገኑ፡ "ክሳብ ሕጂ ናብ ኪቭ ዝግበር ዝዀነ ይዅን ምንቅስቓስ ከም ዘሎ ዝሕብር ነገር ከም ዘየልቦ" እዩ ዝገልጽ።

ላዕለዎት ሰበስልጣን ምክልኻል ኣሜሪካ ንማዕከናት ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ሩስያ ንዓሰርተታት ዓመታት ተኸዚኑ ዝጸንሐ ተተኳሲ፡ ክትጥቀም ከም ዝተገደደት ገሊጾም።

ንሳቶም ወሲኾም፡ "ሩስያ ቦምባታት መዳፍዕን ተወንጫፊ ሚሳይልን ኣብ መጀመርታ 2023 ክትጽንቅቕ ከም እትኽእል ገሊጾም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሩስያ ኣብ መመንጨዊ ጸዓት ዩክረይን ንዘውረደቶ ዕንወት ብምጽጋን ንኣስታት ሽዱሽተ ሚልዮን ሰባት ንቡር ኣገልግሎት ኤለትሪክ ከምእትመልሰ ሓቢሩ።

ከንቲባ ኪቭ ቪታሊ ክላትሽኮ፡ እታ ከተማ እትጥቀመሉ ዝነበረት መገዲ ባቡርን ሻምብቆታት መስመር ማይን ከም እተዓረየን ናብ ንቡር ስርሑ ከም እተመልሰን ገሊጹ።

ብዘይካ'ዚ፡ ነቲ ኣብ ቘራሪ ወርሓት ልደት ዘጋጥም ጸገማት ብምቅላል፡ ጸዓት ብዝቑጥብ ኣምፑል ክበርህ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብታ ሃገር ኣብ እትርከብ ካልአይቲ ዝዓበየት ከተማ ካርኪቭ እውን ሓይሊ ኤለክትሪክ ከም እተመልሰ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም ።

ሩስያ፡ ኣብ ዝሓለፈ 10 ጥቅምቲ ብልዕሊ 1,000 ሚሳይላትን ብኢራናውያን እተዋህባኣ ድሮንን ተጠቒማ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ ሓይሊ ኤለክትሪክ ዩክረይን ከቢድ መጥቃዕቲ ፈንያ እያ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮን ዝርከቦም ኣህጉራውያን መራሕቲ፡ እቲ መጥቃዕቲ ገበን ኵናት ምዃኑ እዮም ገሊጾም።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ ከም ዝሓበሮ፡ ሩስያ ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወፈራ ዘሕዝን እዩ ክብል ተዛሪቡ።