እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያ ኣብ ሓድሽ ዓመት ዓቢ ምድራዊ መጥቃዕቲ ክትፍጽም መደብ ኣለዋ - ዩክረይን
ኣብዚ ቀረባ እዋን ወተሃደራዊ ዕንቃፋት ዘጋጠማ ሩስያ፡ ኣብ መጀመርታ ሓድሽ ዓመት ሰፊሕ ናይ ምድሪ መጥቃዕቲ ክትፍጽም መደብ ኣለዋ ክትብል ዩክረይን ከሲሳ።
ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪን ላዕለዎት ሰበስልጣንን፡ ዩክረይንን መሻርኽታን ካብ ምስትርሓው ክጥንቀቑ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቦም።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ዶንባስ፡ ኣብ ደቡብ፡ ወይ ድማ ናብ ኪየቭ ገጹ ከይተረፈ ክመጽእ ከምዝኽእል እቶም ላዕለዎት ጀነራላት ይገልጹ።
ምዕራባውያን ተንተንቲ፡ ሩስያ ዕዉት ምድራዊ ስርሒታት ንምክያድ ዘለዋ ዓቕሚ ብቕልጡፍ እናነከየ ይኸይድ ኣሎ ይብሉ።
ኣብዚ ሰሙን እቲ ዝለዓለ ወተሃደራዊ መኮነን ብሪጣንያ ኣድሚራል ሰር ቶኒ ራዳኪን፡ እቲ ኲናት ንሩስያ እናኸፍአ ጥራይ እዩ ክኸይድ ዝኽእል ክብል ገሊጹ ነይሩ። ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕጽረት ተተኮስቲ መዳፍዕ ኣጋጢምዋ ከምዘሎ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ።
ሚኒስተር ምክልኻል ዩክረይን ኦሌክሲ ረዝኒኮቭ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ተኸታታሊ መግለጺ፡ እታ ተኸታታሊ ክሳራታት ዓውደ ውግእ ዘጋጠማ ሩስያ፡ ሓድሽ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ክትገብር መደብ ከምዘለዋ መርትዖታት ይውስኹ ከምዘለዉ ይገልጽ።
እዚ፡ ፍርቂ ካብቶም ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ንሩስያ ንምድጋፍ ዝተመልመሉ 300 ሽሕ ወተሃደራት ልምምድ ኣብ ዝዛዝምሉ ወርሒ ለካቲት ክፍጸም ከምዝኽእል ይግመት።
"ካልኣይ ክፋል ናይቲ ምልዕዓል፡ 150 ሽሕ ብግምት... እንተወሓደ ንሰለስተ ኣዋርሕ ምድላው ክገብሩ እዮም። ምናልባት ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተገብረ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝቕጽል ማዕበል መጥቃዕቲ ክጅምሩ ክፍትኑ እዮም ማለት እዩ። እዚ እዩ መደቦም" ክብል እቲ ሚኒስተር ምክልኻል ንጋዜጣ ጋርድያን ሓቢሩ።
"ክረምሊን ብኸመይ ዓወት ከም እትረክብ ሓድሽ መፍትሒታት ንምርካብ ትጽዕር ኣላ" ዝብል እቲ ዩክሬናዊ ሚኒስተር፡ ሩስያ ተወሰኽቲ ዜጋታት ከተሰልፍ ትጽቢት ከምዘለዎ ገሊጹ።
ሓድሽ መጥቃዕቲ ሩስያ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣብ ወርሒ ጥሪ ክፍጸም ይኽእል’ዩ፡ ኣብ ጽድያ ግን ዝያዳ ተኽእሎ ኣሎ ክብል ዘ ኢኮኖሚስት ትማሊ ሓሙስ ጸብጺቡ። ዘ ኢኮኖሚስት፡ እቲ ገምጋም ካብ ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ጀነራል ቫለሪ ዛሉዝኒን ጀነራል ኦሌክሳንድር ሲርስኪን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ዝመጸ ከምዝኾነ’ውን ጠቒሱ።
ሓላፊ ሰራዊት ዩክረይን ጀነራል ዛሉዝኒ፡ "ሩስያውያን ኣስታት 200 ሽሕ ሓደስቲ ወተሃደራት የዳልዉ ኣለዉ። ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ካልእ ፈተነ ከም ዝፍጽሙ ኣይጠራጠርን" ኢሉ።
ሩስያ "100 ሚእታዊት ተዳልያ ኣላ" ዝበለ ጀነራል ዛሉዝኒ፡ ናይ ዩክረይን "ኣዝዩ ኣገዳሲ ስትራተጂካዊ ዕማም...ነቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ወይ ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ እንተኸፍአ ድማ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ንዝጅምር ኲናት ዕቑር ሃብቲ ምድላው እዩ" ይብል።
"ብዶንባስ ዘይኮነስ ብኣንፈት ኪየቭ፡ ብኣንፈት ቤላሩስ ክጅመር ይኽእል'ዩ፡ ግን ብኣንፈት ደቡባዊ'ውን ይጥርጥር" እቲ ዩክሬናዊ ወተሃደራዊ ኣዛዚ።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ በዓል ልደት ዕርቂ ከምዘይህሉ ዝገለጹ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ነቲ ግጭት ንምውጋድ ዝዓለመ ዘተ የለን።
ወተሃደራዊ ተንተንቲ፡ ዋላ’ውን ብርቱዕ ውግእ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ብፍላይ ኣብቲ ሓይልታት ሩስያ ንከተማ ባክሙት ንምሓዝ ዝደፍኡሉ ዘለዉ ዞባ ዶኔትስክ፡ ክረምታዊ ዕጽዋ ክፈጥር ከምዝኽእል ይዛረቡ።
ዩክረይን ብደገፍ ምዕራባውያን፡ ኣንጻር ሚሳይላት ሩስያ ዘለዋ ምክልኻል ኣየር ብዓቢኡ ኣመሓይሻ እኳ እንተነበረት፡ ዝያዳ ምዕቡል ኣጽዋር ክትረክብ ግን ሕጂ’ውን ትጽውዕ ኣላ።
ብሓሙስ ምዕራባውያን መሻርኽቲ ሃገራት ተወሳኺ ምወላን ወተሃደራዊ ስልጠናን ብምሃብ ደገፎም ኣሐይሎም ኣለዉ።
መራሕቲ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ንዩክረይን 18 ቢልዮን ዩሮ ሓገዝ ፋይናንስ ክህቡ ኣብ ርእሲ ምስምምዖምእ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ድማ 9ይ ዙር እገዳ ኣንቢሮም ኣለዉ።
ዋሽንግተን፡ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ጀርመን ንወተሃደራዊ ኣባላት ዩክረይን ትህቦ ስልጠና ከምተስፍሕ ኣፍሊጣ።
ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ፡ ኣብ ወርሒ 500 ወተሃደራት ብኣመሪካን መሻርኽታን ክስልጥኑ እዮም። እቲ ቁጽሪ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ናብ ልዕሊ 15 ሽሕ ከምዝብርኽ ይገልጹ።
ካልኦት ሓደስቲ ምዕባለታት ናይቲ ኲናት
ሩስያ ኣብ ሓድሽ ዓመት ዓቢ ናይ ምድሪ መጥቃዕቲ ክትፍጽም መደብ ከምዘለዋ ድሕሪ ምግላጻ፡ ኣብ ኲናት ዩክረይን ሓደሽቲ ምዕባለታት ተራእዮም ኣለዉ።
ሩስያ ንሲቪላዊ መሰረተ ልምዓት ዩክረይን ዒላማ ብምግባር ትፍጽሞም መጥቃዕትታት ኣብዚ ሰሙን ኣጠናኺራ ትቕጽል ኣላ።
ሓይልታት ሩስያ ሎሚ ዓርቢ ኣብ መላእ ዩክረይን 60 ሚሳይላት ከምዝተኮሱን መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዘካየዱን ሰበስልጣናት ገሊጾም።
ኣብ ርእሰ ከተማ ኪየቭ ሓዊሱ ኣብ ሰሜን፡ ደቡብ፡ ምዕራብን ማእከልን ዝርከባ ከተማታት መጥቃዕቲ ተፈጺሙ።
ኣብ ክሪቪይ ሪህ፡ ኣብ ሓደ መንበሪ ህንጻ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣብ ከርሰን ድማ ሳልሳይ ሞይቱ'ሎ።
ኣብ ሰሜን ኣብ እትርከብ ካርኪቭን ኣብ ካልኦት ሓያሎ ዞባታትን ሓይሊ ኤለክትሪክ ምሉእ ብምሉእ ተቛሪጹ ነይሩ።
ኣብ ማእከላይ ከተማ ክሪቪ ሪህ ኣብ ዝርከብ ህንጻ መንበሪ ኣባይቲ ብሮኬት ክውቃዕ እንከሎ ብውሕዱ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱን ሸሞንተ ድማ ከምዝቖሰሉን ሰብመዚ ገሊጾም።
ትማሊ ሓሙስ ኣብ ማእከል ከተማ ከርሰን ብዝተፈጸመ ደብዳብ ክልተ ሰባት ሞይቶም።
ሩስያ ካብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚራ ልዕሊ 1000 ሚሳይላት ተኲሳ፤ ኣብ ኢራን ብዝተሰርሑ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ እውን መጥቃዕቲ ኣካይዳ እያ።
ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ልዕሊ ትካላት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝፍጸም ተወሳኺ መጥቃዕቲ "ኣብ ሰብኣዊ ኩነታት ዝያዳ ከቢድ ጸገምን ምዝንባልን ከስዕብ ከምዝኽእል" ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዩክረይን ደኒስ ሽሚሃል ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መጥቃዕቲታት ሩስያ "ንኹለን መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ሙቐትን" ከምዝሃሰየን፡ እዚ ድማ ሰፊሕ ጽልማተን ምቁራጽ ቀረብ ሓይሊን ማይን ከምዘስዓበ ገሊጹ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብ ደቡብ ኣብ ዝርከብ ዛፖሪዢዥያ 15 ሮኬታት ከምዝተተኮሳ ክግለጽ እንከሎ፡ ከንቲባ ከተማ ኪየቭ ቪታሊ ክሊችኮ ድማ ሓያሎ ከባቢታት እታ ከተማ ከምዝተሃርሙ ሓቢሩ።
ገለ ከባቢታት፡ መብራህቲ ኣብ መዓልቲ ንውሑዳት ሰዓታት ጥራይ እየን ዝረኽባ።
ኣማኻሪ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዩሪ ሳክ፡ ህጹጽ ኣገልግሎት ቀረብ ንምምላስ ይሰራሕ ከምዘሎን፡ እቲ ኩነታት ግን "ሕጂ'ውን ኣጸጋሚ" ከምዝኾነን ንቢቢሲ ገሊጹ።
ንሱ፡ "ዩክረይን ንክትደራደር ዘገድድ ኩነታት ክፈጥሩ ይጽዕሩ ኣለዉ። እዚ ኣይክኸውንን እዩ። እዚ ኣይሰርሕን'ዩ" ይብል።
ቭላድሚር ፑቲን ሕጂ’ውን ንመላእ ዩክረይን ክቆጻጸር ከምዝደሊ ዝገልጽ እቲ ኣማኻሪ ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ እቲ መልእኽቲ፡ እቲ ኲናት ገና ከምዘይተዛዘመን ምግላጽ እዩ ይብል።
ሩስያ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ንምንታይ መጥቃዕታታ ከምዘሐየለት ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ግን ምክልኻል ኣየር ሚሳይላት ‘ፓትሪዮት’ ናብ ዩክረይን ንምልኣኽ ዝሓንጸጾ መደብ ይዛዝም ከምዘሎ ይግለጽ።