እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሜሪካ ንዩክረይን ሚሳይላት ፀረ-ነፈርቲ ክተዕጥቕ እያ
ኣሜሪካ፡ ናብ ዩክረይን ዘመናዊ ሚሳይላት ፀረ-ነፈርቲ ከም ትልእኽ ተገሊፁ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ፀረ-ነፈርቲ ‘ፓትሪዮት’ ንዩክረይን ከምዝህብ፡ ኣብዚ ሰሙን እዚ ወግዓዊ ክገብር እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።
ሓደ ስሙ ዘይተገለፀ በዓልመዚ ኣሜሪካ ከምዝገለጾ፡ ባይደን ዝህልዉ ምዕባለታት ኣብዚ ሰሙን እዚ ወግዓዊ ክገብር እዩ።
ዩክረይን፡ ኣብዚ እዋን ሩስያ ትፍጽሞ ንዘላ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት ኣየር ምምካት ንኽትክእል እያ፡ ኣሜሪካ ነዞም ፓትሪዮት ዝተሰየሙ ዝተሓላለኹ ሚሳይላት ፀረ-ነፈርቲ ትልእኽ ዘላ።
ካብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ንነጀው፡ ሩስያ ‘ካሚካዚ’ ብዝበሃላ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኢራንን ብተወንጨፍቲ ሚሳይላትን ትፍጽሞ ብዘላ መጥቃዕቲ ከተማታት ዩክረይን መብራህቲ ተሓሪመን እየን።
ሩስያ ብፍሉይ ኣብ ነቑጣታት ጸዓት ዩክረይን ብዝፈጸመቶም ደብዳባት፡ ብዙሓት መንበሪ ኣባይቲ ዩክሬናውያን ኣብዚ እዋን ቁሪ ብዘይ መውዓዪ ሓዲግ ተሪፎም።
ዩክረይን፡ ምዕራባውያን ዘበናዊ ጸረ-ነፈርቲ ክህብኣ ክትምሕጸን እያ ጸኒሓ።
‘ፓትሪዮት’፡ ኣሜሪካ ኣለኒ ካብ መንጐ እትብሎም ዘመናዊ ጸረ-ነፈርቲ ሓደ እዩ።
ወተሃደራት ዩክረይን፡ ንስለ እዚ ዘመናዊ ፀረ-ነፈርቲ፡ ኣብቲ ኣብ ጀርመን ግራፈንዎር ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣሜሪካ ሕቡእ ስልጠና ክወስዱ’ዮም ጸኒሖም።
እንተዀነ ሩስያ፡ ፀረ-ነፈርቲ ፓትሪዮት ናብ ዩክረይን ምስኣተወ ዒላማ ከምትገብሮም ተሓንያ ኣላ።
ተንታኒ ኵናት ቢቢሲ ጆናታን ቤል፡ ስጕምቲ ኣሜሪካ፡ ሓይሊ ኣየር ሩስያ፡ ንዩክረይን ዓቢይ ስግኣት ከምዝዀነ ዘርኢ እዩ ይብል።
ጆናታን፡ መጥቃዕትታት ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሩስያ፡ ንሚልየናት ዩክሬናውያን ብዘይ ኣገልግሎት ጸዓትን ማይን ከምዘትረፎም ይገልፅ።
ዩክረይን ኣብዚ ቀረባ እዋን ‘ናሳም’ ን 'ኣይሪስ ቲ’ ን ዝበሃሉ ጸረ-ነፈርቲ፡ ካብ ምዕራባውያን ረኺባ’ያ።
ይዅን’ምበር፡ እዞም ፀረ-ነፈርቲ ነቲ ብሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ንምግታእ እኹላት ኣይኰኑን፤ ነዚ ድማ እያ ኣሜሪካ ፓትሪዮት ንኪየቭ ትልግስ ዘላ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓደ ተንታኒ ኵናት፡ ኣሜሪካ እዚ ዘበናዊ ፀረ-ነፈርቲ ንዩክረይን ክትህብ ዝወሰነት፡ ኢራን ነዊሕ ርሕቐት ዝውንጨፍ ሚሳይል ንሩስያ ክትህባ ምዃና ስለዝተፈለጠ’ዩ ይብል።
ካልእ ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ደሕንነት ኣሜሪካ ጆን ከርቢ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ርክብ ኢራንን ሩስያን ናብ ምሉእ ሽርክነት ኵናት ይሰጋገር ኣሎ ክብል፡ ስግኣቱ ገሊጹ ነይሩ።
ዋሽንግተን ፖስት፡ እዚ ኣሜሪካ ንዩክረይን ንምልጋስ ሃቂናቶ ዘላ ፀረ-ነፈርቲ ፓትሪዮት፡ ንሓደ ባትሪ ጥራይ ክሳብ ሰለስተ ሚልየን ዶላር ከምዝግመት ጸብጻብ ነይሩ።