ዘለንስኪ፡ ሩስያ “ፍትሓዊ መቕጻዕቲ” ክትረክብ ጸዊዑ

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ብዝፈጸመቶ ወራር “ፍትሓዊ መቕጻዕቲ” ክትረክብ ኣለዋ ክብል ተዛሪቡ።

ንሱ ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝጋባእ ዘሎ ሓፈሻዊ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት፡ ብቪድዮ ዝተቐድሐ መልእኽቲ ከመሓላልፍ እንከሎ፡ ብሩስያ ተፈጺሞም ዝበሎም ክስታት ገበናት ኲናት ድሕሪ ምዝርዛር ፍሉይ ቤት ፍርዲ ኲናት ክምስረት ጸዊዑ።

እዚ፡ ሩስያ ንዝፈጸመቶ ገበናት ምምንዛዕ ግዝኣታዊ ሓድነትን ቕትለት ኣሽሓት ሰባትን ተሓታቲት ክትኸውን ንምግባር ክሕግዝ’ዩ ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ ንሩስያ ንምቕጻዕ ተወሳኺ ወተሃደራዊ ድጋፍን “ቀመር” ሰላምን ከም ዘዳለወ ሓቢሩ።

ዘለንስኪ፡ ሩስያ “ብዘይሕጋዊ ኲናት ዘስካሕክሕ ናዕቢ” ተስዕብ ኣላ ኢሉ።

ትማሊ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣስታት 300 ሽሕ ዕቑር ሰራዊት እታ ሃገር ናብ ኲናት ክኸትት ክጽውዕ እንከሎ፡ ኣብ ጐደናታት እታ ሃገር ሳሕቲ ዝርአ ተቓውሞታት ኣልዒሉ።

እዚ ስጉምቲ፡ ሩስያ ንሰላማዊ ዝርርብ ድልውነት ከም ዘይብላ ዘርኢ’ዩ ክብል ዘለንስኪ ነቒፉ።

ብተወሳኺ፡ ሩስያ ኣብ ዝተቖጻጸረተን ዞባታት ዩክረይን ህዝበ ውሳነ ክካየድ ዝሓዘቶ መደብ ኰኒኑ።

ዘለንስኪ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሓይልታቱ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ሩስያ ኣብ ዝመንዝዑዋ ሰሜን ምብራቓዊት ከተማ ኢዝዩም 445 ሓደሽቲ መቓብራት ከም ዝረኸቡ ጠቒሱ።

ኣብታ ከተማ ብዙሓት ገበናት ኲናት ተፈጺሞም’ዮም ዝበለ እቲ ፕረዚደንት፡ ሓደ ሰብኣይ ተሰሊቡ ከም ዝተቐትለ ብኣብነት ኣልዒሉ።

ዘለንስኪ ኣብ መደርኡ፡ 15 ግዜ “መቕጻዕቲ” ክብል ዝተሰምዐ ኰይኑ፡ ንሰላም ዘይንደራደረሎም ዝበሎም ሓሙሽተ ቅድመ ኩነታት ዘርዚሩ።

ስለ ዝዀነ ድማ፡ ሩስያ ብተወሳኺ እገዳታት ክግበረላን ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዘለዋ ዝልዓለ ተራ ብምስራዝን ክትቅጻዕ ኣለዋ ይብል።

ካብኡ ሓሊፉ፡ ህይወት ዩክሬናውያን ክሕሎን ዓለምለኻዊ ዶባት ዩክረይን ክኽበሩን ሓቲቱ።

ከም ራብዓይን ሓምሻይን ቅድመ ኩነት ጌሩ ዘቐመጦም ድማ፡ ንኪቭ ሓደሽቲ ውሕስናታት ድሕነት ክግበሩን ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ሩስያ ጠጠው ክብል ዓለም ክትጽውዕን ኣለዋ ኢሉ።

ብረቡዕ፡ ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳይ ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሃገራት እቲ ዞባ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ሓደሽቲ እገዳታት ንምእዋጅ ከም ዝተሰማምዓ ገሊጹ ነይሩ።

ጆሴፍ ቦረል፡ እቶም እገዳታት ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባትን ዓውድታት ቁጠባን እታ ሃገር ዘነጻጸሩ ከም ዝዀኑ ተዛሪቡ።

ሩስያ እትርከበን ሸውዓተ ሃገራት፡ ዘለንስኪ ኣብቲ ጉባኤ ብቪድዮ መደረ ንከየስምዕ ከም ዝተቓወማ ብምግላጽ፡ ነተን ድምጺ ዝሃብኦ 101 ሃገራት ኣመስጊኑ።

ንሱ፡ ሩስያ ሓቀኛ ድልየት ሰላማዊ ዝርርብ የብላን እኳ እንተበለ፡ ክልቲአን ሃገራት ብረቡዕ ምልውዋጥ ምሩኻት ገይረን ኣለዋ።

ብሸነኽ ዩክረይን፡ 10 ወጻእተኛታት ዝርከቡዎም 215 ወተሃደራት ክምለሱ እንከለው፡ ሩስያ ብወገና 55 ወተሃደራትን ደጋፊ ፖለቲካ ሩስያ ዝዀነ ኣብ ዩክሬይን ብክሕደት ሃገር ዝተኸሰሰ ቪክቶር መድቬቹክን ተቐቢላ።