ሩስያ ኣብ ዞባታት ዩክረይን ንዝወጠነቶ ህዝበ-ውሳነ፡ ምዕራባውያን ኰኒነን

ሩስያ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽራ ኣብ ዝርከባ ዞባታት ዩክረይን፡ ህጹጽ ድምጺ ‘ህዝበ ውሳነ’ ንኽካየድ ምሕሳባ ሃገራት ምዕራብ ኰኒነን።

እቲ ጻውዒት ምሃብ ድምጺ፡ ኣብ ኣርባዕተ ዞባታት ዩክረይን ብዝርከቡ ብሩስያ ዝድገፉ ሰብ መዚ ዝቐረበ ኰይኑ፡ ነበርቲ ናብ ሩስያ ክጽንበሩ ይደልዩ’ዶ ኣይደልዩን? ብዝብል ከድምጹ’ዮም።

ይዅን’ምበር፡ ኣሜሪካ፡ ጀርመንን ፈረንሳን ውጽኢት ከም ዝበለ “ዘሕንኽ” መረጻ ኣይንቕበሎን ኢለን ኣለዋ።

ወተሃደራዊ ልፍንቲ ኔቶ ብወገኑ፡ እቶም መደባት ነቲ ኲናት ከም ዘዕርጉዎ ገሊጹ።

እዚ ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ንሓሙሽተ መዓልታት ክካየድ ዝተወጠነ መደብ፡ ኣብ ምብራቓዊ ዞባታት ሉሃንስክን ዶነስክን ከምኡ’ውን ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ዝርከባ ዛፖሪዢያን ሄርሶንን ዝሳለጥ ክኸውን እዩ።

ኣርባዕቲአን ዞባታት ኣስታት 15 ሚእታዊት ግዝኣት ዩክረይን ዝሽፍና ወይ ክንዲ ሃንጋሪ ከም ዝዀና ጸብጻብ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ይገልጽ።

ኣብ መንጐ ኲናት፡ ሕጋውን ፍትሓውን መረጻ ክካየድ’ዩ ዝብል ተበግሶ ግን ሃገራት ምዕራብ ተቓዊመንኦ ኣለዋ።

ሃገራት ምዕራብ እንታይ ኢለን?

ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ስኮልዝ፡ ንመደባት ሩስያ “ዘሕፍር” ምድማጽ ክብሎም እንከሎ፡ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ብወገኑ “ላግጺ” ዴሞክራሲ ክብል ገሊጹዎ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ጃክ ሱሊቫን ድማ፡ “መትከላት ሉኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ዝጥሕሱ’ዮም” ብምባል ኣሜሪካ ፈጺማ ከም ዘይትቕበሎን ኣፍልጦ ከም ዘይትህቦን ተዛሪቡ።

ዝዀነ ብምትእትታው ወረርቲ ሓይልታት ዝግበር መደብ ህዝበ-ውሳነ [ረፈረንደም] ዓለምለኻዊ ሕጊ ከም ዝጻባእን ሕጋውነት ከም ዘይብሉን ትካል ድሕነትን ምትሕብባርን ኣውሮጳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብተን ኣርባዕተ ዞባታት ዩክረይን ዝርከቡ ደገፍቲ ሩስያ ዝዀኑ ኣመሓደርቲ ግን ነቲ ህዝበ-ውሳነ ደጊፎምዎ ኣለው።

ኣብ ሉሃንስክ ዝርከብ ሓላፊ ውክልና ምምሕዳር ሩስያ ሊዮኒድ ፓስቺንክ “ሓበራዊ ሕልምናን ሓበራዊ መጻኢናን” እዩ ነይሩ ኢሉ።

ምኽትል ሓላፊ ቤት ምኽሪ ድሕነት ሩስያ ዲመትሪ መድቨደቭ ድማ፡ እቲ ዝካየድ ምድማጽ “ታሪኻዊ ፍትሒ” ሩስያ ዝምልሱን ዘይቕልበሱን’ዮም ክብል ተዛሪቡ።

ሩስያ፡ ካብ 2014 ጀሚሩ ኣብ ዶነስክን ሉሃንስክን ናይ ውክልና ምምሕዳራት ጸኒሑዋ’ዩ።

ክልቲአን ዞባታት፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ቅድሚ ምፍጻማ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት፡ ርእሰን ዝኸኣላ ዞባታት እየን ክብል ፕረዚደንት ፑቲን ኣዊጁ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዩክረይን 8000 ትርብዒት ኪሎ ሜትሮ ካብ ሩስያ ከም ዝመንዝዐት ገሊጻ ነይራ።