እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን 'ሰፊሕ መጥቃዕቲ' ከምዝኸፈተሎም መራሕቲ ትግራይ ከሲሶም
ሰራዊት ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ግንባራት ሓድሽ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈተ ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ትግራይ ከሲሱ።
ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣብ ዶባት ኤርትራ "ከቢድ ውግእ" ይካየድ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።
"ሓይልታት ኤርትራ፡ ሎሚ ብኹሉ ግንባራት መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ፈንዮም ኣለዉ- ካብ ተከዘ ክሳብ ኢሮብ" ኢሉ።
ኣብ ግንባራት ዛላንበሳ፣ ጸሮና፣ ራማ፣ ማይ ኲሕሊ፣ ከምኡ'ውን ኣብ ዝባን ገደናን ዓዲ-ኣውዓላን "ከቢድ ውግእ" ይካየድ ከምዘሎ'ውን ኣቶ ጌታቸው ገሊጹ'ሎ።
ብወገን ኤርትራ ኾነ ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ቲ ክሲ "መጠነ ሰፊሕ" መጥቃዕቲ ዝተባህለ የለን።
ካብ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራን ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያን ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ድማ ኣይሰመረን።
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ማይክ ሃመር ብወገኑ፡ ሓድሽ ምትእትታው ሰራዊት ኤርትራ ከምዝፈልጥ ተዛሪቡ።
"እወ፤ ምንቅስቓስ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ከባቢ ዶባት ንዕዘብ ኣለና ኢና። ኣዝዮም ዘሻቕሉ እዮም፤ ንኹንኖ ድማ። ኩሎም ናይ ደገ ሓይልታት ግዝኣታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ከኽብሩን ነቲ ጎንጺ ካብ ምግዳድ ክቑጠቡን ኣለዎም" ኢሉ።
እንተዀነ፡ ኣመሪካ ክትወስዶ እትኽእል ስጉምቲ በዝምልከት፡ ክዛረብ ከምዘይደሊ ገሊጹ።
"ብዛዕባ ክንወስዶ እንኽእል ስጉምቲ ሕዚ ክዛረብ ኣይደልን። ብሓቂ ግን እዚ ጎንጺ ኢትዮጵያውያን፣ ተጋሩ፣ ዓፋረቶትን ኣምሓሩን ኣዐርዮም ዝተሳቐዩሉ እዩ። ምትእትታው ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ነቶም ጸገማት ከተሓላልኾምን ነቲ ዘሕዝን ኩነታት ከጋድዶን ጥራሕ እዩ ዝኽእል”።
ንትግራይ ዝግበር ርካባት ብጽኑዕ ስለዘተዓጽወ፡ ኵነታት’ዚ ኲናት ብነጻ ወገን ንምርግጋጽ ኣይተኻእለን።
ክልተ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ንሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብ ከባቢ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከቢድ ውግእ ይካየድ ከምዘሎን፤ እንተዀነ ወተሃደራት ኤርትራ ንትግራይ ብዛዕባ ምስጋሮም ክረጋግጹ ኣይከኣሉን።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዕድሚኦም ትሕቲ 55 ንዝኰኑ ኣባላት "ዕቑር ሰራዊት" ኤርትራ ናብ ግንባራት ክኸቱ ተጸዊዖም ነይሮም'ዮም።
ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራን ካልኦት ዝተፈላለዩ ቦታትን ሰፊሕ ግፋ ከምዘካየዱ'ውን ጸብጻባት ሓቢሮም ነይሮም።
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ግን እቲ ጸብጻባት ዝተጋነነ'ዩ ብምባል "ሒደት" ክብል ዝገለጾም ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ከምዝኸተቱ ተዛሪቡ።
ሰሜናዊ እዚ፣ ገለ ኽፋል እዚ ሰሜን ምዕራብ፡ ከምኡ'ውን ሰለስተ ክፍለሰራዊት ኮማንዶ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ጎኒ ሓይልታት ኤርትራ ተሰሊፎም ከምዘለዉ'ውን ጌታቸው ከሲሱ'ሎ።
እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ፡ ንኣስታት ክልተ ዓመተ ዝቐጸለ ዀይኑ፡ ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘሰዐበ እሙናት ጸብጻባት ይሕብሩ።
ሰራዊት ኤርትራ፡ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ደጊፎም ኣብቲ መፈለምታ እቲ ኲናት ከምዝተሳተፉ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ብገለ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይኽሰሱ። ኤርትራ ነቶም ክስታት ትነጽጎም።
ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካን ምትእትታው ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተቓወሙ ዀይኖም፡ ካብ ዝተቖጻጸርዎ ከባቢ ለቒቖም ክወጽኡ ብቐጻሊ ክሓቱ ጸኒሖም እዮም።
ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ናይ "ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት" ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ውግእ ዳግማይ ምውልዑ ይዝከር።
እቲ ዳግማይ ኲናት መን ጀሚርዎ ንዝብል፡ ክልቲኦም ነንሕድሕዶም እዮም ዝካሰሱ።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ተኣዊጁ ዝበልዎ ሓድሽ ዝተዋደደ መጥቃዕቲታት ከምዘፍሸሉ ብምግላጽ፡ ኣብ ከም ሸራሮ ዝኣመሰሉ ገለ ቦታታት ምንስሕሓቦም ገሊጾም ነይሮም።
ትግራይ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኪሎሜትሮ ምስ ኤርትራ ትዳወብ።
ግንባር ጸሮና
ጸሮና ኣብ ከባቢ ዶብ ክልቲአን ሃገራት፡ ኣብ መንጎ ዛላንበሳን መስመር ራማን-ክሳድ ዒቃን ዝርከብ ቦታ'ዩ።
እቲ ብወተሃደራዊ ዓይኒ ስትራተጂካዊ ምዃኑ ዝንገረሉ ቦታ፡ ኣብቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዝቐጸለ ዶባዊ ኲናት ክልቲኤን ሃገራት ደማዊ ውግኣት ዝተኻየደሉ'ዩ።
እታ ኣብቲ ከባቢ ትርከብ ሓውሲ-ከተማ ጾሮና፡ ኣብቲ ኲናት ከቢድ ዕንወት ወሪዱዋ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ ፈለማ ገጽ ኲናት ትግራይ'ውን ውግኣት ተኻይድሉ ምንባሩ ይግለጽ።
ዛላንበሳ
ግንባር ዛላንበሳ'ውን፡ እቲ ካብ መቐለ ንኣስመራ ዝኣቱ ቀንዲ መስመር ዝርከበሉ እዩ።
ኣብቲ መስመር ተደኲና እትርከብ ከተማ ዛላንበሳ'ውን ብተመሳሳሊ ኣብቲ ዶባዊ ኲናት ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ዓንያ ዝነበረት ኮይና፡ ከምብሓድሽ ዝተሃንጸት'ያ።
ኣብ ፈለማ ወርሒ ሓምለ 2018 ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍራሞም ድማ፡ ድሕሪ 20 ናይ ተፋጠጥ ዓመታት፡ ዶብ ዝተኸፈተላን ክልቲኡ ህዝብታት ዝተሰዓዓሙላን እያ።
ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድን፡ መራሒ ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን ኣብቲ ናይ ምኽፋት ጽንብል ምስታፎም ድማ ዓቢ ናይ ሰላም ተስፋ ፈጢሩ ነይሩ።
ነዊሕ ከይጸንሐ መስመር ዛላንበሳን ካልኦት ዝተኸፍቱ መስመራትን ብዘይ ወግዓዊ መንገዲ ምዕጻዎም ይዝከር።
ድልድል-መረብ
እዚ ከባቢታት እዚ'ውን፡ ከም ቀንዲ መስመር ዝሓልፈሉ መጠን ኣብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኲናት ረጽሚ ዝረኣየ እዩ።
እታ ካብቲ ድልድል ብዙሕ ዘይትርሕቕ ከተማ ራማ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዘለዋ ከተማታት ትግራይ ሓንቲ እያ።
ድልድል መረብ'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ክረምቲ 2018 ብልጭ ኢሉ ዝቐሃመ ባና ሰላም ዝተራእየሉ ከባቢ'ዩ።