ሃገራት ኣፍሪቃ ስለ ምንታይ'የን ድሮናት ቱርኪ ዝዕድጋ ዘለዋ?

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ውግእ [ድሮን] ኣብ ዝተፈላለዩ ጐንጽታት ዓለም ኣድማዕነተን ምስ ተራእየ፡ ቍጽሪ ዕጡቕ ሰራዊተን ንምቅናስ ድሮናት ዝዕድጋ ሃገራት ኣፍሪቃ ይበዝሓ ኣለዋ።

ዩክረይን መጀመርታ ኣንጻር ወራር ሩስያ ክትምክት ምስ ጀመረት፡ ቅድሚ ሃገራት ምዕራብ ዝህብኣ ከቢድ ብረትን ሮኬትን ምብጽሑ መንግስቲ ኪቭ ሓንቲ ኣጽዋር ጥራይ እያ ነይራቶ- ባይራክታር ቲቢ2 ድሮን።

እዚ ፍርያት ቱርኪ ዝዀነ ኣጽዋር፡ ብ2020 ብሰንኪ ምስሕሓብ ዶብ ኣብ መንጐ ኣዘርባጃንን ኣርመንያን ኣብ ዝተወልዐ ኲናት ናጎርኖ-ካራባክ፡ ኣዘርባጃን ንኣርመንያን ክትስዕር ዓቢይ ተራ ተጻዊቱ።

ይዅን’ምበር፡ እዚ ናእዳ ዝረኸበ ዓቕሚ ድሮናት ነታ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ትዋጋእ ዘላ ዩክረይን ብዙሕ ለውጢ ኣይፈጠረላን።

ኣብ ቀረባ ሰሙናት፡ ናብታ ካብ ቡርኪናፋሶ ንዝመጽኡ ዕጡቓት ጅሃድ ንምውጋእ ጻዕሪ ትገብር ዘላ ቶጎ ግን ብርክት ዝበላ ድሮናት ባይራክተር ቲቢ2 ክኣትዋ ተራእየ።

ኣብ ግንቦት፡ ማሊ ሽዱሽተ ናይዘን ድሮናት ውግእ ዓዲጋ፤ እዚ ኣብ ዞባ ሳሕል ኣንጻር ዕጡቓት ንእትገብሮ ወተሃደራዊ ስርሒት ክሕግዛ ትጽቢት ይግበር።

ቱርኪ፡ እዘን ድሮናት ብምሻጥ ካልኦት ዓማዊል ሃገራት ኣፍሪቃ'ውን ኣፍሪያትሉ'ያ።

ኢትዮጵያ፡ ሞሮኮን ቱኒዝያን፡ ክሳብ ሕጂ ነዘን ድሮናት ቱርኪ ዝተቐበላ ሃገራት ኰይነን ኣንጎላ’ውን ድልየት ከም ዘለዋ ኣርእያ ኣላ።

ይዅን’ምበር፡ ኣብ ኣፍሪቃ መጀመርታ ነዘን ኣገልግሎት ስለያን ምጥቃዕን ዝህባ ድሮናት ዝተጠቐመ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዝሃቦ መንግስቲ ሊብያ እዩ።

እዘን ድሮናት፡ ኣብ መጀመርታ 2019 ሓይልታት ትሪቡሊ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ንዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ዕጡቓት ንምጥፋእ ሓገዚን።

ንኣፍሪቃውያን ዓደግቲ ብፍላይ ድማ ንድኻታት ሃገራት፡ ድሮናት ዝሓሸ ዓቕሚ ኣየር ከጥርያ ይሕግዛ ኣለዋ።

እዚ ድማ፡ እተን ሃገራት ንዕጥቅን ዓመታት ንዝወስድ ስልጠና ወተሃደራትን ብዙሕ ገንዘብ እንከየውጽኣ ብመጥቃዕቲ ኣየር ጥራይ ሓይሊ ሚዛን ክህልወን ይገብራ ኣለዋ።

እዚ ድማ፡ ንከም ኒጀርን ቶጎን ዝበላ ሃገራት ሰሓቢ ኰይኑ'ሎ።

እዚአን፡ ኣዝዮም ኣኽረርትን ኣብ ጫካታት ተሓቢኦም ጸኒሖም ሞተር ሳይክል ተጠቒሞም ብምኻድ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ቦታታት፡ ዶባትን ስቪላውያንን ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብዝፍጽሙን እስላማውያን ዕጡቓት ኣብ ምቅላስ ሓያሎ ጸቕጢ ዘለወን ሃገራት እየን።

ሰራዊት ኒጀር፡ ኣብ ዶብ ዞባ ቲሪ [እታ ሃገር ምስ ቡርኪናፋሶን ማሊን እትራኸበሉ ካብ ርእሰ ከተማ ኒመይ ሒደት ሰዓታት ርሒቑ ዝርከብ] በዚ ጸገም ንዓመታት ክፍተን ጸኒሑ ኣሎ።

ሰራዊት መንግስቲ፡ ደቡብ ምብራቕ እታ ሃገር ካብ መጥቃዕታት ቦኮ ሓራምን እስላማዊ ጕጅለ ግዝኣት ምዕራብ ኣፍሪቃን [ኣይስዋፕ] ንምክልኻል ሓያሎ ወፍሪ ይገብሩ።

ንቶጎ ግን፡ ብቐጥታ ካብ ጅሃዳውያን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ብተዛማዲ ሓድሽን ዝያዳ ዘጨንቓ ዘሎ ዘይንቡር ተመኵሮን እዩ።

ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት፡ ምንቅስቓስ እዚ ጕጅለ ኣብ ማእከላይ ሳሕል - ማሊ፣ ቡርኪናፋሶን ኒጀርን - ከምኡ’ውን ብቐንዱ ካብ ዶባት ርሕቕ ኢለን ዝርከባ ከባቢታት ደሴታት ኣይቬሪኮስት፡ ጋና፡ ቶጎን ቤኒንን ተሓጺሩ እዩ ጺሑ።

ኣብ ቀረባ ግዜያት ግን፡ እዚ ክቕየር ጀሚሩ ኣሎ።

እቶም ዕጡቓት ጕጅለታት ናብ ዝበዝሕ ከባቢታት ቡርኪናፋሶ ከምኡ’ውን ምስዘን ኣርባዕተ ሃገራት ኣብ እትዳወበሎም ገጠር ከባቢታት ክበጽሑ ጀሚሮም።

ኣብ መወዳእታ 2019፡ ሓይልታት ጸጥታ፡ ኣብ ደቡብ ቶጎ ገለ ምልክታት እዞም ሓይልታት ርእዮም ነይሮም። መንግስቲ እዚ ስግኣት ክዓቢ’ዩ ዝብል ስግኣታት ኣሕዲሩ ጸኒሑ።

ጎረቤት ሃገር ኣይቬሪኮስት፡ ብ2016 ከቢድ ጅሃዳዊ መጥቃዕቲ በጺሑዋ እዩ።

በዚ 19 ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ ብ2020 ድማ ኣብ ሰሜን ምብራቕ እታ ሃገር ኣብ መንጐ ሓይልታት ጸጥታን ዕጡቓትን ጐንጽታት ክርኣዩን መጥቃዕታት ክበጽሑን ጀሚሮም።

ኣብ ቤኒን ድማ፡ እቶም ሚሊሻታት ክልተ ፈረንሳውያን በጻሕቲ ዓዲ ጨውዮም፤ መራሒ እቶም በጻሕቲ ዝነበረ ዜጋ ድማ ሞይቱ።

ድሕሪኡ፡ እቶም በጻሕቲ ዓዲ ኣብ ጥቓ ዶብ ቡርኪናፋሶ ካብቶም ጨወይቲ ንምድሓን ኣብ ዝተገብረ ጻዕሪ ክልተ ፈረንሳውያን ወተሃደራት ተቐቲሎም።

ቶጎ ንርእሳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር መጥቃዕቲ በጺሑዋ እዩ።

ብ11 ግንቦት ድማ፡ ዓሰርታት ሚሊሻታት ኣብ ልዕሊ ኣብ ጥቓ ዶብ ቡርኪናፋሶ ዝነበረ ሰራዊት መጥቃዕቲ ከፊቶም ሸሞንተ ወተሃደራት ክሞቱ እንከለው ካልኦት 13 ቘሲሎም።

እቶም ወተሃደራት ተዋጊኦም ገለ ሚሊሻታት ቀቲሎም’ዮም። ኣብቲ ዝቕጽል ወርሒ ድማ፡ መንግስቲ ኣብ ሰሜን ቶጎ ከተማ ሳቫነስ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ።

ይዅን’ምበር፡ እዚ ነቶም ጅሃዳውያን ዕጡቓት ንምክልኻል እዅል ኣይነበረን። ስለዚ፡ ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ተሳትፎ ዓቢይ ተራ ክጻወት እዩ።

ኣብዚ’የን ድሮናት ቱርኪ ዝመጽኣ ዘለዋ፤ እዚአን ኣብ ከም ቶጎን ኒጀርን ምስ ሃገራዊ ዓቕሚ ስለያ ብምውህሃድ እቶም ዕጡቓት ዘለውሉ ቦታ ንምፍላጥን እንተተኻኢሉ ድማ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ይውዕላ ኣለዋ።

ኣብ ሳሕል ድሮናት ምጥቃም ሓድሽ ተርእዮ ኣይኰነን።

ፈረንሳን ኣመሪካን ኣብ ኒጀር ስትራቴጂ ድሕነት መንግስቲ ዝሕግዝ መደብር ድሮን ኣለወን።

ድሮናት ውግእ፡ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ዓበይቲ ሃገራት'ውን ይጥቀማሎም ኣለዋ እየን።

መንግስቲ ፌደራል ኣንጻር ህወሓት ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ውግእ ድሮናት ወተሃደራዊ ዓቕሚ ሰራዊት ፌደራል ኣብ ምስፋሕ ሓጋዚ ተራ ከም ዝነበረን ተራእዩ።

ግን ክኣ ሓደጋታት ኣለውዎ፤ ኣብ ወርሒ ጥሪ ሰራሕተኛታት ሰብአዊ ረድኤት ኣብ ትግራይ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ድሮን ልዕሊ 300 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ገሊጾም ነይሮም።

ሰራዊት ቶጎ’ውን ነፋሪት ዕጡቓት ጉጅለታት’ዮም ኢሉ ንዝገመታ [ሰብ ኣልቦ ትኹን ኣይትኹን ብወግዒ ኣይፍለጥን] ነፋሪት ካብ 9 ክሳብ 10 ሓምለ ብዝወሰዱዎ መጥቃዕቲ ብጌጋ ሸውዓተ ስቪል መናእሰይ ከም ዝቐተለ ተኣሚኑ’ዩ።

ስግኣት ከምዚኦም ዝበሉ ዘሰክፉ ስሕተታት፡ ኣንጻር ጅሃዳውያን ዕጡቓት ኣብ ዝውሰዱ ስጉምታት ተራእዮም እዮም።

ቶጎን ኒጀርን ምስ ቱርኪ ዘለወን ምትሕብባር ብዓይኒ ፖለቲካ ጠቓሚ’ዩ፤ እዚ ምስ ባዕዳዊት ገዛኢት ዝነበረት ፈረንሳ ዘለወን ጥቡቕ ምትሕብባር ጸጥታ ዝነበረን ጽግዕተኛነት ክንኪ ይገብር።

“ዲፕሎማሲ ድሮን”፡ መሪሕነት ፕረዚደንት ረሲፕ ጣይብ ኤርዶሃን ኣብ ደቡብ ሰሃራ ንምብጻሕ ዝጥቀመሉ ቀንዲ ፖሊሲ ጉዳይ ወጻኢ ኰይኑ ተራእዩ ኣሎ።

ኩባንያ መፍረ ባይራክታር ቲቢ2 ባያካር ድማ፡ ብኽልተ ኣሕዋት እዩ ዝምራሕ፤ ፈጻሚ ስራሕ ሃይሉክ ባያራክታርን ሓው ፈጻሚ ስራሕ ቴክኖሎጂ ሴልጅክን [ንጓል ፕረዚደንት ኤርዶሃን፡ ሱሜ ዝተመርዓወ] ዝውነን እዩ።