ንወግዓዊ ስነ ስርዓት ቀብሪ ሺንዞ ኣቤ ‘ዝተቓወመ’ ውልቀሰብ ንገዛእ ርእሱ ብሓዊ ኣቃጺሉ

ንወግዓዊ ስነ ስርዓት ቀብሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ጃፓን ነበር ተቓውሞኡ ንምስማዕ ምዃኑ ዝተነግረሉ ውልቀሰብ፡ ንገዛእ ርእሱ ብሓዊ ከም ዘቃጸለ ተገሊጹ።

ኣብቲ 27 መስከረም 2022 ዝፍጸም ስነ ስርዓት ቀብሪ ናይቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተቐትለ ሺንዞ ኣቤ፡ ኣማኢት ወጻእተኛታት ዕዱማት ክርከቡ ትጽቢት ይግበር።

ሎሚ ረቡዕ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ጥቓ ኣብ ቶኪዮ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ንገዛእ ርእሱ ብሓዊ ከቃጽል ዝርኣዩ ሰባት ናብ ፖሊስ ሓቢሮም።

እቲ ውልቀሰብ፡ ውኒኡ’ኳ እንተዘየጥፍአ ጉድኣት በጺሑዎ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስደ ግን ተገሊጹ።

መጠን እቲ ዝበጽሖ ጉድኣትን ዝርከበሉ ኩነታትን ግን ክሳብ ሕጂ ኣይፍለጥን።

ብመሰረት ሓበሬታ መራኸቢ ብዙሓን ጃፓን፡ እቲ ውልቀሰብ ኣብ 70ታት ዕድመ ዝርከብ እዩ። መንግስቲ ብወገኑ፡ ኣብዚ ጉዳይ ዝሃቦ ርኢይቶ የለን።

ይኹን’ምበር፡ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ነቲ ህዝባዊ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣመልኪቶም ዝቐርቡ ተቓውሞታት ይሕይሉ ኣለው።

ብዙሓት፡ ምስኡ ተተሓሒዙ ብዝወጽእ ገንዘብ ሕጉሳት ኣይኰኑን።

ወዲ 67 ዓመት ሺንዞ ኣቤ፡ ብ8 ሓምለ 2022 ንሓደ ፖለቲከኛ ደጊፉ ጐስጓስ ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ ኣጋጣሚ እዩ ብዝተተኰሰሉ ጥይት ተቐቲሉ።

እዚ ቅትለት ናይቲ ንነዊሕ ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሐ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ብሰፊሑ ክኹነን እነከሎ፡ ኣብ ጃፓን ከቢድ ስንባደ ኣስዒቡ’ዩ።

ጃፓን፡ ዝተሓተ ፖለቲካዊ ጐንጽን ገበን ኣጽዋርን ዘለዋ ሃገር ምዃና ይፍለጥ።

ወግዓዊ ስነ ስርዓት ቀብሪ፡ ኣብ ጃፓን ልሙድ ኣሰራርሓ መንግስቲ ኣይኰነን፤ ተቓወምቲ ድማ ነቲ ዕለት ዝወጽእ ሃብቲ መንግስቲ ኣስታት 11.4 ሚሊዮን ዶላር ክኸውን እዩ ይብሉ።

ሓደ ካብ ተቓወምቲ ሰልፍታት እታ ሃገር ዝዀነ ሰልፊ ኮንስቲትዩሽናል ዴሞክራቲክ፡ ሓገግቲ ኣባላት እቲ ሰልፊ ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ከም ዘይርከቡ ገሊጹ።

ፖሊስ፡ ብዛዕባ እቲ ትማሊ ዝተፈጸመ ተቓውሞ ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ትጽቢት ይግበር፤ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ግን እቲ ውልቀሰብ ንነብሱ ብሓዊ ቅድሚ ምቅጻሉ ተቓውሞ የስምዕ ነይሩ ኢለን።

ብተወሳኺ፡ ብኢድ ዝተጽሓፉ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ዘለዎም ወረቓቕቲ ኣብ ጥቓኡ ከም ዝተረኽቡ ሓቢረን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ፉምዮ ኪሺዳ፡ ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ፖለቲከኛታትን ሺንዞ ኣቤን ምስቲ ኣዝዩ ኣካታዒ ዝዀነ - ዩኒፊከሽን ቤተክርስቲያን- ንዘለዎም ርክብ መዕለቢ ኣይገበረሉን ዝብል ጉዳይ ንተቓውሞታት እቲ ወግዓዊ ስነስርዓት ቀብሪ ከምዘጋደዶ ይግለጽ።

እቲ፡ ንኣቤ ብምቕታል ዝተኸሰሰ ውልቀሰብ እቲ ቤተክርስቲያን ንስድራይ ኣኽሲሩዎም’ዩ ክብል ቃሉ ሂቡ ነይሩ።