ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ፖርት ሱዳን ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, Social Media
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣቦ መንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት ስራሕ ዑደት ንምፍጻም ሎሚ ቀዳም ኣማስያኡ ናብ ፖርት ሱዳን ኣትዩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስን ዓጀብቱን ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃንን ላዕለዎት ምኒስተራት መንግስትን ምዉቕ ኣቀባብላ ከምዝተገብረሎም ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ካብ ኣስመራ ክሳብ ፖርት ሱዳን ብጽርግያ ከምዝተጓዕዘ'ውን እቲ ምኒስተር ወሲኹ ገሊጹ።
ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት፣ ኣብ ሱዳን ዘሎ ግጭትን ምዕባለታቱን፣ ከምኡ'ውን ኣብ ዞባዊን ዓለምለኻውን ጉዳያት ሓባራዊ ረብሓ ዘተኮረ ዘተ ከካይዱ እዮም።
ኤርትራ፡ ኣብቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት-ሓድሕድ ነቲ ብጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሃገራዊ ሰራዊት ከምእትድግፍ ይፍለጥ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት፡ "ኣብቲ ጉዳይ ኣበርክቶ ክንገብር ዝገደደና ምኽንያት ንዅላትና ዝምልከት ስለ ዝዀነ እውን'ዩ" ኢሉ ምንባሩ ይዝከር።
ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ "ህያውን ምልክት ናይቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሱዳንን መንግስቱን ኣብዚ ናይ ጸበባ እዋን እትህቦ ምዉቕን ድልዱልን ምትሕግጋዝ" ዘመልከት እዩ ክብል ኣቶ የማነ ይገልጽ።
ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ነበርቲ ከተማ ፖርት ሱዳን፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ንምቕባል ኣብ ጎደናታት ብምውጻእ፡ ታሪኻዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ንምጽንባል ጭርሖታት ኣስሚዖም።
ኣብዚ ዓመት ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ወግዓዊ ዑደት ናብ ኤርትራ ከካይድ እንከሎ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ዶክተር ካሚል እድሪስ ድማ ብ9ን 10ን ጥቅምቲ 2025 ተመሳሳሊ ዑደት ኣካይዱ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ኣቦመንበር ልኡላዊ ቤትምኽሪን ኣዛዚ ሰራዊትን ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ዝሓለፈ ሚያዝያ ናብ ኣስመራ ኣብ ዝበጽሓሉ ኣጋጣሚ፡ ኤርትራ ንዝሃበቶ ደገፍ ኣመስጊኑ ምንባሩ ይፍለጥ።
ኣስመራ እንታይ ዓይነት ደገፍ ከም ዝሃበት ግን ዛጊት ብንጹር ኣይተገልጸን። ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተፈላለዩ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሱዳን ኤርትራ ንዝገበረትሎም ደገፍ ከመስግኑ ተሰሚዖም ነይሮም።
እቲ ኣብ ሚያዝያ 2023 ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን ዝጀመረ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው፡ ሞትን ምፍንቓልን ሲቪላት ዘስዓበ ኰይኑ፡ ምትእትታው ዝተፈላለያ ሃገራት ንፍታሕ እቲ ኵነታት ከምዝሓላለዀ ተንተንቲ ይገልጹ።
ሰራዊት ሱዳን ካብ ሃገራት ግብጺ፡ ሩስያ፡ ኢራን፡ ቱርኪን ኤርትራን ሓገዝ ከምዝረክብ ይእመን። ዳዕመ-ሰሪዕ ድማ ብቐንዱ ካብ ኢማራት ዓረብ፡ ጫድን፡ ኬንያን ሓገዝ ከምዝረክብ ሓበሬታታት የመልክቱ።
ኣብዚ እዋን ግን ውግእ ሱዳን መዕለቢ ክረክብ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ወራሲ ዓራት ስዑዲ ዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ድሕሪ ምዝርራብ ጉዳይ ሱዳን ናይ ሰላም ተስፋ ረኺቡ'ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







