ቻምፕዮንስ ሊግ፡ ክልተ እንግሊዛውያን ክለባት ካብ ጐባልል ኣውሮጳ ተገሊፈን

ምንጪ ስእሊ, REUTERS
ትማሊ ኣብ መንጐ ማንቸስተር ሲቲን ሪያል ማድሪድን ከምኡ ከኣ ባየሙኒኽን ኣርሰናልን ዝተኻየደ ካልኣይ እግሪ ርብዒ ፍጻመ ቻምፕዮንስ ሊግ ንክልተ እንግሊዛውያንክለባት ርእሰን ኣድኒኑ።
ኣብ መንጐ ማንቸስተር ሲቲን ሪያል ማድሪድን ዝተኻየደ ቀዳማይ እግሪ ሰለስተ ብሰለስተ’ዩ ተዛዚሙ ነይሩ።
እታ ዓሚ ተዓዋቲት ቻምፕዮንስ ሊግ ዝነበረት ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ሜዳ ማድሪድ ማዕረ ተፋላልያ ስለዝነበረት፡ ኣብ ሜዳኣ ዝሓሸ ጸወታ፡ ሸቶ ዘለዎ ዓብላልነትን ከተርኢ’ዩ ትጽቢት ነይሩ።
እንተዀነ እታ ቀዲማ ብመንገዲ ሮድሪጎ ኣብ መበል 14 ደቂቕ ሸቶ ከተመዝግብ ዝኽኣለት ሪያል ማድሪድ’ያ።
ማንቸስተር ንጸወታ ምሉእ ብምሉእ’ኳ ዓብሊሎምዎ እንተነበሩ ሸቶ ከመዝግቡ ግን ኣይክኣሉን።
ማንቸስተር ሲቲ፡ ክሳብ መበል 76 ደቂቕ ተመሪሓ ነይራ፣ ደቡረይና ብዘመዝገባ ሸቶ ጸወታ ሓደ ብ ሓደ ኰይኑ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክሳብ መወዳእታ ንጸወታ ዝዓብለለቶ ማንቸስተር ሲቲ ንሳ 67 ሚእታዊት ንኩዕሶ ክትቈጸዓጸራ እንከላ ማድሪድ 33 ሚእታዊት እያ ንኹዕሶ ሒዛታ።
ብሓፈሻ ማንቸስተር ሲቲ 33 ንሸቶ ዝዀና ፈተነታት’ያ ኣካይዳ፡ ማድሪድ ከኣ 8።
ሲቲ 18 ኵርናዕ ማድሪድ 1 ኵርናዕ ጥራይ ምርካብን ንባዕሉ ማንቸስተር ሲቲ ክሳብ ክንደይ ንጸወታ ተቘጻጺራቶ ከምዝነበረት ዘርኢ’ዩ።
ምዱቡ ጸወታ ሓደ ብ ሓደ ስለዝተወድአ፡ ናብ ተወሳኺ 30 ደቂቕ’የን ኣምሪሐን፤ ኣብዚ’ውን ማንቸስተር ሲቲ ምስ ምሉእ ዓብላልነታ ሸቶ ከተመዝግብ ስለዘይክኣለት ምዱብ ሰዓት ተዛዚሙ ናብ ፍጹም ቅላዕ ኣምሪሐን።
ሓላው ልዳት ማንቸስተር ሲቲ ንቀዳመይቲ ቅላዕ ሉካ ሞድሪች ከድሕና ክኢሉ ነይሩ፤ እንተኰነ ንካልኣይቲ ፍጹም ቅላዕ ዝሃረመ ሲልቫ ፈኳስን ኣብ ማእከልን ሸንቂሩ ከምዝግባ ዝሰደደዳ ኩዕሶ፡ ሓላዊ ልዳት ማድሪድ ብቐሊሉ ሒዝዋ።
ማድሪድ ኣመዝጊባ ተጻዋታይ ማንቸስተር ሲቱ ኮቫቺች ኣብ ገጹ ፍርሒ እናተነበቦ ዝሃረማ ኵዕሶ ሓላዊ ልዳት ማድሪድ ተወርዊሩ ኣድሒንዋ።
ማድሪድ ብፍጹም ቅላዕ ኣርባዕተ ንሰለስተ ተዓዊታ ናብ ፍርቂ ፍጻም ሓሊፋ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ቀዳማይ እግረን ክልተ ማዕረ ዝተፈላላያ ባየር ሙኒኽን ኣርሰናልን ክልቲአን ጋንታታት ዝተፈራርሓ ክመስላ ንጸወታ ተኣፊፈን’የን ከካይደኦ ጀሚረን።
ክሳብ ዕረፍቲ ዝነበረ ሚዛኑ ዝሓለወ ጸወታ ብዘይ ሸቶ ድሕሪ ምውድኡ፡ ተጻወትቲ ባየር ሙኒኽ ድሕሪ ዕረፍቲ ተመሓይሾም ብምምጻእ፡ ንልዳት ኣርሰናል ክዅሕኩሑ ጀሚሮም። ኣብ መበል 63 ደቂቕ ከኣ ኪመቺ ካብ ጉሬሮ ንዝተቐረበትሉ ኩዕሶ ብርእሱ ሸቶ ኣመዝጊብዋ።
ጸወታ ብኸምኡ ስለዝተወድአ ባየር ሙኒኽ ብድምር ውጽኢት 3 ብ 2 ተዓዊታ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፋ። ኣንጻር ሪያል ማድሪድ ንምግጣም መደብ ሒዛ ኣላ።
ካብዘን ኣርባዕተ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፈን ዘለዋ ጋንታታት [ቦርስያ ዶርትሙንድ፡ ፒኤስጂ፡ ሪያል ማድሪድን ባየርሙኒኽን] እተን ክልተ ካብ ቡንደስሊጋ ጀርመን ምዃነን ሓይሊ ጀርመናውያን ጋንታታት ዘርኢ’ዩ።
ትማሊ ብባየርሙኒኽ ዝተገለፈት ኣርሰናል ኣብ ሓደ ሰሙን ክልተ ዓበይቲ ተባሂሉ ክግለጽ ዝኽእል ስዕረት’ያ ኣመዝጊባ።
ኣብ ጸወታታት ፕሪሚየርሊግ ንኣስቶን ቪላ ኣብ ሜዳኣ ዓዲማ ብምስዓር መራሒት ፕሪሚየርሊግ ክትከውን ዘኽእላ ዝነበረ ዕድል ኣብ ገዛእ ሜዳኣ ክልተ ንዜሮ ስለዝተሰረዓት መሪሕነታ ብማንቸስተር ሲቲ ተመንጢላ፡ ኣብ ጸወታታት ቻምፕዮንስ ሊግ ከኣ ትማሊ ናብ ፍርቂ ፍጻም ካብ ምሕላፍ ብባየር ሙኒኽ ተኾሊፋ፤ ክልተ ተረርቲ ጽፍዒት ኣብ ሓደ ሰሙን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







