ቻምፕዮንስ ሊግ፡ ፒኤስጂን ዶርትሙንድን ንስጳኛውያን ክለባት ስዒረን ናብ ፍርቂ ፍጻም ሓሊፈን

ፒኤስጂ ድሕሪ ዓወቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ እግሪ ጸወታታት ቻምፕዮንስ ሊግ ፈረንሳዊት ፒኤስጅን ጀርመናዊት ጋንታ ቦርስያ ዶርትሙንድን ንስጳኛውያን ክለባት ባርሲሎናን ኣትለቲኮ ማድሪድን ብምስዓር ናብ ፍርቂ ፍጻም ሓሊፈን።

ኣብቲ ትማሊ ኣብ ሜዳ ባርሲሎና ዝተኻየደ ጸወታ፡ ፒኤስጂ ኣብ ሜድኣ ንዘጋጠማ ስዕረት ኣሕውያ ኣርባዕተ ንሓደ ብምስዓር ብሓፈሻዊ ውጽኢት ሽዱሽተ ንኣርባዕተ ንባርሳ ስዒራ ብዘተኣማምን ውጽኢት ናብ ፍርቂ ፍጻም ሓሊፋ።

ፓሪስ ሰይንት ጀርመይን ኣብ ሜዳኣ ሰለስተ ንኽልተ’ያ ተሳዒራ ነይራ።

ባርሲሎና ኣብ መበል 12 ደቂቕ ብመንገዲ ሮፊንሃ ሸቶ ብምምዝጋብ ነዚ ጸወታ ብዓወት ትዛዝሞ’ኳ መሲላ እንተነበረት፡ ኣብ መበል 29 ደቂቕ ተጻዋታይ ሮናልድ ኣሪውዮ ብዝፈጸሞ በደል ብቀይሕ ምስ ተሰጎገ ግን ዳርጋ ኣብ ሜዳ ዘየላ ጋንታ’ያ ተቐይራ።

ቅድሚ ዕረፍቲ ተጻወታይ ባርሲሎና ነበር ኦሰማነ ደምበለ ኣብ መበል 40 ደቂቕ ብዘመዝገባ ሸቶ ጸወታ ማዕረ ሓደ ንሓደ ናብ ዕረፍቲ ኣምሪሐን።

ዶርትሙንድ ድሕሪ ዓወቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ካልእ ኣብ ጀርመን ዝተኻየደ ካልኣይ እግሪ ጸወታ ቻምፕዮንስ ሊግ ቦርስያ ዶርትሙንድን ኣትለቲኮ ማድሪድን ዘካየድኦ ኰይኑ ዶርትሙንድ ኣብ ሜድኣን ኣብ ቅድሚ እቶም ዕሉላት ደገፍታን ዓወት ተጎናጺፋ።

ኣብ ቀዳማይ እግሪ ክልተ ንሓደ ዝተሰዓረት ቦርስያ ዶርትሙንድ ትማሊ ኣብ ሜድኣ ኣርባዕተ ንክልተ ብምዕዋት ድሕሪ 11 ዓመታት ናብ ፍርቂ ፍጻም ጸወታታት ቻምፕዮንስ ሊግ ክትሓልፍ ክኢላ ኣላ።

ቅድሚ ዕረፍቲ ጁልያን ብራንዲት ኣብ መበል 34 ደቂቕ እያን ማስተሰን ከኣ ኣብ መበል 39 ደቂቕ ብዘመዝገብወን ሸቶታት ቦርስያ ዶርትሙንድ ክልተ ንዜሮ መሪሓ’ያ ናብ ዕረፍቲ ወጺአን።

ድሕሪ ዕረፍቲ ኣብ መበል 49 ደቒቕ ማትስ ሁምለስ ናብ ገዛእ ልዳቱ ሸቶ ስለዘመዝገበ ኣትለቲኮ ማድሪድ ክበራበሩ ክኣሉ። ከይጸንሑ ኣብ መበል 64 ደቂቕ ብመንገዲ ኣንገል ኮርያ ሸቶ ብምምዝጋብ ን ጸውታ ክልተ ንክልተ ገይሮም ናብ ረብሓኦም ቀየርዎ።

ብዕሉላት ደገፍታ ተሰንያ ጸወታ ተካይድ ዝነበረት ቦርስያ ዶርትሙንድ ኣብ መበል 71 ደቂቕ ብመንገዲ ኒኪላስ ድሕሪ ሰለስተ ደቒቕ ከኣ ብመንገዲ ማረሰለ ሳበቲዝ ሸቶ ብምምዝጋብ ዓወቶም ርጉጽ ገበርዎ።

ቦርስያ ዶርትሙንድ ከኣ ኣብ ክልቲኡ እግሪ ሓሙሽተ ንኣርባዕተ ብምዕዋት ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፋ።

ኣብዚ ጸወታ ዶርትሙን 19 ኣትለቲኮ ማድሪድ ከኣ 10 ፈተነታት ኣካይደን።

ድሕሪ ክልተ ሰሙን ፒኤስጂን ቦርስያ ዶርትሙንድን ጸወታ ፍርቂ ፍጻም ከካይዳ ቆጸራ ተታሒዙለን ኣሎ።

ሎሚ ምሽት ባየርሙኒኽ ኣንጻር ኣርሰናል፡ ማንቸስተር ሲቲ ከኣ ኣንጻር ሪያል ማድሪድ ጸወታ ከካይዳ’የን።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣርሰናል ንባየርሙኒኽ ኣብ ሜዳኣ ኣእንጊዳ ክልተ ማዕረ፤ ሪያል ማድረድን ማንቸስተር ሲቲ ከኣ ሰለስተ ማዕረ’የን ተፈላልየን ነይረን።