ግምታት ፕሪምየር ሊግ-ኒውካስል ምስ ሲቲ፡ ዩናይትድ ምስ ቶተንሃም

ኒውካስል ምስ ማን ሲቲ

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት 20 ጋንታታት ፕሪምየር ሊግ ክገጥማ እኳ እንተነበረን፡ ሓሙሽተ ጸወታታት ጥራይ እዩ ክካየድ።

ኣብቲ ሓሙሽተ ግጥማት ካብተን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ሓሙሽተ ጋንታታት እተን ሰለስተ ኩላተን ንሊቨርፑል ካብ መሪሕነት ከውርዳ ክፍትና እየን።

ኣስቶን ቪላ ንኤቨርተን እንተስዒራ ቀዳመይቲ ናይ ምዃን ተኽእሎ ስለዘለዋ ነቲ ዕድል ክትጥቀመሉ ምዃና ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ክሪስ ሳተን ይገልጽ።

ክሪስ ሳተን ንግጥማት መበል 21 ሰሙን ፕሪምየ ሊግ ግምታቱ ከምዚ ዝስዕብ ኣካፊሉ ኣሎ።

ዓርቢ 12 ጥሪ

በርንሊ ምስ ሉተን

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

በርንሊ ምስ ሉተን (22፡45)

ኣብ ፈለማ እዚ ዓመተ-ውድድር በርንሊ ንሉተን ስዒራታ'ኳ እንተነበረት፡ ኣብ ሜዳኣ ዓወት ኣይመባልዕታን እዩ ኮይኑ ዘሎ። ዛጊት ካብ ሜዳኣ ሰለስተ ነጥቢ ጥራሕ እያ ረኺባ ዘላ።

ሉተን ዋላ ጽቡቕ ጸወታ ከየርኣየት ነጥቢ ናይ ምርካብ ተመክሮ ከምዘለዋ ዝገልጽ ሳተን፡ እቲ ግጥም ማዕረ ክዛዘም እዩ ይብል።

ግምት 1-1

ቀዳም 13 ጥሪ

ቸልሲ ምስ ፉልሃም

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

ቸልሲ ምስ ፉልሃም (15፡30)

ቸልሲ ብሰሉስ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም ካራቦ ካፕ ብሚድልስብሮ ቅድሚ ምስዓራ ብተኸታታሊ ንሰለስተ ግጥማት ተዓዊታ ነይራ'ያ።

ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመተ-ውድድር ብምንጽጻር ሎምዘበን ገለ ምምሕያሽ ዝገበሩ ይመስሉ።

ኣብ 2022-23 ዘቍጸርዎ ብዝሒ ሸቶታት 38፡ ዘዋህለልዎ ነጥቢ ከኣ 44 እዩ ኔሩ። ሎምዘበን ግና ድሮ 34 ሸቶታት ኣመዝጊቦም ኣለው።

እንተኾነ ምስቲ እታ ጋንታ ዘውጽኣቶ ገንዘብ ልዕሊ እዚ ይጽበ ምንባሩ'ዩ ሳተን ዝገልጽ።

ፉልሃም’ውን እንተኾነት ክትዕወት እያ ዘብል ብዙሕ ምኽንያት የብሉን። እቲ ናይ መወዳእታ ናይ ፕሪምየር ሊግ ግጥሞም ኣብ ሜዳኦም ኣብ ልዕሊ ኣርሰናል ዝተዓወቱሉ እዩ ኔሩ። ካብ ሜዳኦም ወጻኢ ግና ድኹማት እዮም።

ግምት 2-1

ኒውካስል ምስ ማን ሲቲ (20፡30)

ካብ’ቶም ዝሓለፉ ክልተ ግጥማት እዚ ሰሙን፡ ንምግማቱ ዝቐለለ ዝመስል እዚ እዩ።

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ እዚ እዋን ንኒውካስል ምስ ማንቸስተር ሲቲ ክትገጥም ምቹእ ኣይኮነን። ጋንታ ፐፕ ጓርድዮላ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ እዚ ዓመተ-ውድድር ኩሉ ምትዕርራያት ጌራ እያ።

ኒውካስል ወላ’ኳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብቲ ኣዝዩ ዘገድሶም ግጥም ዋንጫ ኤፍ-ኤ ኣብ ልዕሊ ሳንደርላንድ እንተተዓወቱ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ብተኸታታሊ ንሰለስተ ግዜ ተሳዒሮም ኣለው።

ሲቲ፡ ኬቨን ደ ብሩይን ድሕሪ ምምላሱ ሓድሽ መልክዕ ሒዛ እንተሃልያ እንርእይሉ ኣጋጣሚ ክኸውን እዩ።

ግምት 1-3

ሰንበት 14 ጥሪ

ኤቨርተን ምስ ኣስቶን ቪላ

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

ኤቨርተን ምስ ኣስቶን ቪላ (17፡00)

ኤቨርተን ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ተሳዒራ እያ።

ኣስቶን ቪላ ጽቡቕ ምውህሃድ ዘለዋ ጋንታ ምዃና ንፈልጥ ኢና፤ እንተኾነ ኣብዚ ቀረባ ወትሩ እትተኣማመነሎም ከምዘይኮኑ ርኢና ኣለና።

ኤቨርተን በቲ ተኸታታሊ ስዕረት ካብ ፕሪምየር ናይ ምውራድ ሓደጋ ኣንጸላልይዋ ስለዘሎ ነጥቢ ንምርካብ ዝከኣላ ካብ ምግባር ድሕር እትብል ኣይኮነትን።

ግምት 1-1

ማን ዩናይትድ ምስ ቶተንሃም

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

ማን ዩናይትድ ምስ ቶተንሃም (19፡30)

ኣብዚ ዓመተ-ውድድር ፕሪምየር ሊግ እቲ ኣዝዩ ዘገርም ነገር ብዙሓት ጋንታታት ካብ ትጽቢት ወጻኢ ምዃነን እዩ፡ ማንቸስተር ዩናይትድ ከኣ ሓንቲ ካብኣተን እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ሜዳኦም ዝገበርዎ ግጥም ንኣስቶን ቪላ እኳ እንተስዓሩ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ግና ብኖቲንግሃም ፎረስት ተሳዒሮም እዮም።

ቶተንሃም ዛጊት ሸቶ ናይ ምምዝጋብ ጸገም የብላን። እንተኾነ ሶን ሆን ሚን ንዋንጫ ኤስያ ከይዱ ብምህላው ከመይ ክጻወቱ እዮም ክንርእዮ ኢና።

ቶተንሃም ኣንጻር ዝኾነት ጋንታ ኣጸዋውታኣ ፍሉጥ እዩ፡ ብዙሕ ዕድላት ከኣ ክፈጥሩ እዮም።

ግምት 1-3