ካይሮ፡ መራሕቲ ሶማልያን ግብጽን ስሉሳዊ ዋዕላ ኣስመራ ክድገም ተሰማሚዖም

ምንጪ ስእሊ, @HassanSMohamud
ግብጽን ሶማልያን ክልተኣዊ ዝምድናታተን ናብ ስትራተጂያዊ ሽርክነት ከሰጋግራ ተሰማሚዐን።
መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ብሓሙስ ኣብ ካይሮ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ፓስፖርት ሶማልያ ዝሓዙ ዜጋታት ብዘይ ቪዛ ናብ ግብጺ ክኣትዉ ተሰማሚዖም ኣለዉ።
ግብጺ ንሶማልያ ዘለዋ ደገፍ ንምግላጽ ወተሃደራዊ ሓገዝ ክትገብረላ ምጽንሓ ይፍለጥ።
ፕረደዚንት ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ ምስ ሶማላዊ መዘናኡ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ድሕሪ ዘካየዶ ዝርርብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣገዳስነት ናይቲ ብክልቲአን ሃገራትን ኤርትራን ዝተኻየደ ስሉሳዊ ዋዕላ ኣስመራ ብምጥቃስ፡ ካልኣይ ስሉሳዊ ዋዕላ መራሕቲ ክግበር ከምዝተሰማምዑ ተዛሪቡ።
እቲ ዋዕላ ኣበይ ከምዝካየድ ግን ብወግዒ ኣይተገልጸን።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘአንገዶ ፈላሚ ስሉሳዊ ኣኼባ ብዛዕባ ኲናት ሱዳን፡ ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ሶማልያን ዝዘተየ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ ፈለማ ሰሙን ናይዚ ዓመት'ውን ብመሰረት ኣብቲ ዋዕላ ዝተበጽሐ ምርድዳእ ሓባራዊ ኮሚተ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ካይሮ ተኻይዱ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኤርትራ ኣሽሓት ወተሃደራት ብምስልጣን ንሶማልያ ዘለዋ ጸጥታዊ ደገፍ ከተርኢ እንከላ፡ ካይሮ ብወገና ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚራ ኣጽዋር ብምሃብ ኣብ ጐድኒ ሶማልያ ምህላዋ ኣመስከራ'ያ።
ኣብዚ ናይ ትማሊ ርክብ'ውን፡ ብዛዕባ ተሳታፍነት ሓይልታት ግብጺ ኣብ ሓይሊ ጸጥታ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ ከምዝተዘራረቡ ኣልሲሲ ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ።
"ብዛዕባ ተሳታፍነትና ኣብቲ ተልእኾ ከብርህ ፍቐዱለይ፤ ንጸጥታን ምርግጋእን ሶማልያ ዕላማ ዝገበረን፡ ንዝዀነት ሃገር ስግኣት ዘይኮነን እዩ።"
"ንልዕሊ 30 ዓመታት ኵነታት ሶማልያ ከተሓሳስበና ጸኒሑ'ዩ። ተሳታፍነትና ብቐንዱ ምስ ህዝቢ ሶማል ዘለና ምሕዝነት ንምርኣይ ዝዓለመ'ዩ" ክብል እቲ ግብጻዊ ፕረዚደንት ገሊጹ።
ኣብ ክፍላ ነሓሰ 2024 ክልቲአን ሃገራት ስምምዕ ወተሃደራዊ ሽርክነት ኣብ ካይሮ ምፍራመን ይዝከር።
ኢትዮጵያ ንምትእትታው ግብጺ ኣብ ሶማልያ ከም ስግኣት ከምእትጥምቶ ይፍለጥ። በዚ መንጽር ስሉሳዊ ዋዕላ ኣስመራ ንኣዲስ ኣበባ ዘግለለ ምንባሩ'ውን ኣቓልቦ ብዙሓት ስሒቡ ነይሩ'ዩ።
ካይሮን ኣዲስ ኣበባን ምስ ምህናጽ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝተሓሓዝ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ምስሕሓብን ምትፍናንን ምጽንሐን ይፍለጥ።
ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ብዝተሓሓዝ ምስ ሞቓድሾ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ምእታዋ'ውን ነቲ ኵነታት ብምትሕልላኽ፡ ኣብቲ ዞባ ጸጥታዊ ስግኣት ኣስዒቡ'ዩ።
ብመንጐኝነት ቱርኪ ኣብ መንጐ ክልቲአን ዝተበጽሐ 'ኣዋጅ ኣንካራ' ነቲ ወጥሪ ዘህድኦ ይመስል።
ድሕሪ'ቲ ስምምዕ፡ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ብ11 ጥሪ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምብጻሕ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ተራኺቡ ተዘራሪቡ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







