ላዕለዋይ ሓላፊ ሓማስ ማርዋን ዒሳ ከምዝተቐተለ ኣሜሪካ ገሊጻ

ኣባላታት በርጌድ ኢዘዲን ኣል ቓሲእ ኣብ ቓዛ [2022]

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣባላታት በርጌድ ኢዘዲን ኣል ቓሲእ ኣብ ቓዛ [2022]

ላዕለዋይ ሓላፊ ሓማስ ዝኾነ ማርዋን ዒሳ ብደብዳብ ኣየር ከምዝተቐተለ ኣሜሪካ ኣፍሊጣ።

እዚ ምክትል ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሓማስ ዝኾነ ማርዋን ዒሳ፡ ኲናት ሓማስን እስራኤልን ብ7 ጥቅምቲ ካብ ዝጅመር ዝተቐተለ ዝልዓለ ሓላፊ ሓማስ ኮይኑ ኣሎ።

ሓማስ ብዛዕባ ምቕታል ሓላፊኡ ኣመልኪቱ ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ዝበሎ ነገር የለን።

ትማሊ ሰኑይ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ብቴሌፎን ብምርኻብ ብዛዕባ ኣንፈት እቲ ኲናት ተዘራሪቡ ኣሎ።

ማዕከናት ዜና እስራኤል ማርዋን ዒሳ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ትሕቲ መዓስከር ስደተኛታት ነሰራት ኣብ ዝነበረ ገለርያታት እስራኤል ብዝፈጸመቶ ናይ ኣየር ደብዳብ ከምዝተቐተለ’የን ኣቓሊሐን።

ምክትል ኣዛዚ ብርጌድ ኣዛዲን ኣል-ቓስም ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ማርዋን ዒሳ፤ እስራኤል ኣብ ዝርዝር ቀንዲ ተደለይቲ ሰባት ኣእትያቶ ዝጸንሐት ሓላፊ’ዩ።

ንሓማስ ኣብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ዘስፈረኦ ኣባላት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ማርዋን ዒሳ ሓደ ካብ ቀንዲ ሃንደስቲ ናይቲ ኣስታት 1,200 ዝተቐትልሉን 254 ሰባት ዝተጨወይሉን መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ከምዝኾነ’የን ዝገልጻ።

ማርዋን ዒሳ እቲ ብቀይሕ ከቢብ ምልክት ተገይርሉ ዘሎ

ምንጪ ስእሊ, Media sources

መግለጺ ስእሊ, ማርዋን ዒሳ እቲ ብቀይሕ ከቢብ ምልክት ተገይርሉ ዘሎ

ማርዋን ዒሳ፡ ብእስራኤል ንሓሙሽተ ዓመታት ተኣሲሩ ዝነበረን ሰብ መዚ ፍልስጤም’ውን ካብ 1997 ክሳብ 2000 ኣሲሮምዎ ከምዝነበሩ ይዝከር።

ሰራዊት እስራኤል ካብ 7 ጥቅምቲ ክሳብ ሕጂ ሓያለ ሓለፍቲ ሓማስ ቐቲሉ ኣሎ።

ሓላፊ ፖለቲካ ሓማስ፡ ሳልሕ ኣል ኣሮሪ ኣብ ደቡብ በይሩት ብዝተፈጸመ ደብዳብ ከምዝተቐተለ ዝዝከር’ዩ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ዋይት ሃውስ ጀክ ሱሊቫን ሓለፍቲ ሓማስ ኣብ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ገለርያታት ተሓቢኦም ከምዘለዉ’ዩ ዝገልጽ።

እቲ ሓላፊ፤ እስራኤል ንመራሕቲ ሓማስ ንምቕታል ኣብ እትገብሮ ዘላ ዘመተ ደገፍ ኣሜሪካ ከምዘይጋደፋ ገሊጹ።

ጀክ ሱሊቫን እስራኤል ተመዝግቦ ብዘላ ወተሃደራዊ ዓወታት ዘለዎ ዕግበት’ኳ እንተገለጸ፡ ጆ ባይደን ምስ ቤንጃሚን ናታንያሁ ኣብ ዝገበሮ ምዝርራብ ብቁጽሪ ሞት ሰለማውያን ሰባት ሻቕሎት ከምዘለዎ ምግላጹ ግን ኣይሓብአን።

ሓደ ካብቲ ጆ ባይደን ምስ ቤንጃሚን ነታንያሁ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ ዝተለዓሉ ጉዳያት ሰራዊት እስራኤል ነታ ኣብ ደቡባ ቓዛ እትርከብ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ተፈናቐልቲ ተዓቒቦሙላ ዘለዉ ከተማ ራፋሕ ክሕዛ ቕኑዕ ከምዘይነበረ ከምዝገለጸሉ ጀክ ሱሉቫን ሓቢሩ።

ጆ ባይደንን ቤንጃሚን ነታንያሁን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጆ ባይደንን ቤንጃሚን ነታንያሁን

ኲናት ሓማስን እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ ካብ ዝጅምር ልዕሊ 31 ሽሕ ሰለማውያን ሰባት ከምዝሞቱ ብሓማስ ዝምራሕ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይገልጽ።

እዚ ሞት ሰለማውያን ሰባት ንእስራኤል ካብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለምለኻውያን ውድባትን ኲነኔ ኣስዒቡላ ይርከብ።

ጆ ባይደን፡ እዚ ኲናት ክውድኣሉ ዝኽእል ንጹር ስትራተጂ ከቕርብ ንቤንጃሚን ነታንያሁ ከምዝደፋፈኦ ጀክ ሱሊቫን ሓቢሩ።

ብዘይካ’ዚ ጆ ባይደን፡ ሰራዊት እስራኤል ንራፋሕ ምሓዙ ዕግበት ከምዘይተሰመዖ ብምግላጽ “ወተሃደራውያን ሓላፍቲ፡ ስልያን ሰብ መዚ ትካላት ውሃብቲ ረድኤትን” ዝሓቐፈ ጉጅለ ናብ ዋሽንግተን ብምምጻእ ምስ ኣሜሪካ ክዛተ ጻውዒት ከምዘቕረበ ጀክ ሱሊቫን ገሊጹ።

እቲ ርክብ ክሳብ ዝካየድ እስራኤል ተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ ደው ከተብሎ ትጽቢት ከምዘሎ’ውን ሱሊቫን ጠቂሱ።

ቤንጃሚን ነታንያሁ ብኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ “ነዚ ዘሎ ህሉው ምዕባለ ናይቲ ኲናት” ከምኡ ከኣ ሸቶታት እስራኤል ኣመልኪቱ ምስ ጆ ባይደን ከምዝተዘራረበ ኣረጋጊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ነታንያሁ ብምስዓብ ዕላማን ሸቶን እስራኤል “ንሓማስ ምውጋድ፡ ነቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ነጻ ምውጻእ፡ ቓዛ ብፍጹም ንእስራኤል ስግኣት ከምዘይትኸውን ምግባር” ከምዝኾነ ሓቢሩ።