እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ ሆስፒታል ኣልሺፋ ናይ ለይቲ መጥቃዕቲ ፈጺማ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰራዊት እስራኤል ናብ ሎሚ ኣብ ዝውግሐ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ቓዛ ዝርከብ ሆስፒታል ኣልሺፋ መጥቃዕቲ ክትፍጽም እንከላ፡ መሰኻክር ዓይኒ ኣብቲ ሆስፒታል ናይ ታንክታትን ከበድቲ ኣጽዋርን ቶኲሲ ከምዝሰምዑ ተዛሪቦም።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት እሰራኤል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ውሱን ቦታ ናይቲ ሆስፒታል ‘ልዑል ልክዕነት’ ዝነበሮ ስርሒት ከምዘካየደ ተኣሚኑ።
ሰራዊት እስራኤል ብወገኑ “ላዕለዎት ሓለፍቲ ሓማስ ኣብቲ ሆስፒታል ተኣኻኺቦም” ነይሮም ብምባል መጥቓዕቲ ንምፍጻም ነቲ ሆስፒታል ይጥቀምሉ ምንባሮም ሓቢሩ።
ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፡ ሰራዊት እስራኤል ናብቲ ሆስፒታል ኣብ ዝኣተውሉ ኣብቲ ሆስፒታል ብርቱዕ ምስንባድ ከምዘጋጠመ ገሊጾም።
ሓደ ብዋትስኣብ ምስ ሓዉ እናኣዕለለ እንከሎ ዝቐደሖ ድምጺ “ታንክታት ከቢበናና ኣለዋ፡ ኣብ ውሽጢ ቴንዳ ኢና ተሓቢእና ዘለና፡ ታንክታት ናብ ጥቃ እቲ ሆስፒታል ይትኩሳ ኣለዋ” እናበሎ ይስማዕ።
ካልእ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ’ውን ኣብ ከባቢ እቲ ሆስፒታል ከቢድ ኣጽዋር እናተተኮሰ የርኢ።
ካብ ውሽጢ እቲ ሆስፒታል ናብ ሓደ ጋዜጤኛ ኣብ ዝተሰሰደ ናይ ድምጺ መልእኽቲ’ውን “ወተሃደራት እስራኤል ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ናይዚ ሆስፒታል ኣትዮም ኣለዉ፤ ኣብ ውሽጢ ከኣ ዝሞቱን ዝተወግኡን ሰባት ኣለዉ ወተሃደራት ከኣ ንደቂ ተባዕትዮ ይኣስርዎም ኣለዉ፡ እዚ ኣብዚ ዘሎ ኩነታት መቅዘፍቲ ኢልካ ጥራይ’ዩ ክግለጽ ዝኽእል” ይብል።
ሰራዊት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሆስፒታል ኣልሺፋ ስርሒት ከካይድ ምዃኑ ኣቐዲሙ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት እስራኤል ሬር ኣድሚራል ዳንኤል ሃጋሪ ብቪድዮ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ሰራዊት እስራኤል ቅጽበታዊ ስጉምቲ ምውሳድ ንዘድልዮ ስርሒት ግብረመልሲ ከምዝሃበ ብምግላጽ እቲ ሆስፒታል ስርሑ ከምዝቅጽልን እቶም ኣብቲ ሆስፒታል ዝናበዩ ዘለዉን ሓካይምን ካብቲ ሆስፒታል ምውጻእ ከምዘየድልዮም ሓቢሩ።
እቲ ወሃቢ ቃል እቶም ኣብ ቀጽሪ እቲ ሆስፒታል ኣጽሊሎም ዘለዉ በቲ ዝተዳለወሎም መሰጋገሪ መስመር ክወጽኡ ከምዝኾኑን ብድሕሪ እዚ እቶም ኣብ ውሽጢ ዘለዉ ኣባላት ሓማስ ኢዶም ክህቡ ክሕተቱ ከምዝኾኑ ተዛሪቡ።
ብሓማስ ዝምራሕ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ብወገኑ እቲ ኣብ ልዕሊ ሆስፒታል ሓማስ ዝተፈጸመ ወራር ንዓለምለካዊ ሕጋጋት ሰብኣውነት ዝግህስ ከምዝኾነ ገሊጹ።
ኣብቲ ሆስፒታል ካብ ቤት ንብረቶም ዝተፈናቐሉ ኣማኢት ፍልስጤማውያን ኣጽሊሎም ከምዝነበሩ ይፍለጥ።
ቅድሚ ኵናት ሓማስን እስራኤል ምጅማሩ ሆስፒታል ኣልሺፋ ኣብ ቓዛ እቲ ዝዓበየ ሆስፒታል’ዩ ነይሩ።
ብመሰረት ዓለምለካዊ ሕጋጋት ኣብ እዋን ኵናት ኣብ ልዕሊ ሆስፒታላት ዝኾነ መጥቃዕቲ ከይፍጸሞም ዘገደድ ሕጊ ኣሎ እንተኾነ ሆስፒታላት ከም ዕርድን ከም መፈጸሚ እከይ ተግባራት ይውዕሉ ምህላዎም እንተተረጋጊጹ እቲ ሕጊ ክጥሓስ ከምዝኽእል ይግለጽ’ዩ።
እስራኤል’ውን እቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሓማስ ንሆስፒታል ኣልሺፋ መሸፈኒ ዝፍጽምዎ ስርሒታት ይጥቀመሉ ምህላዎም ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ጸኒሓ’ያ። ሓማስ ግና ንኽሲ እስራኤል ክነጽጎ ጸኒሑ’ዩ።
ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሕዳር 2023 ናብ ሆስፒታል ኣልሺፋ ኣብ ዝኣተውሉ ናብ ካልእ ቦታታት ዘራኽብ ገለርያታትን ወተሃደራዊ ኣጽዋርን ከምዝረኸቡ ምግላጾም ዝዝከር’ዩ።
ሰራዊት እስራኤል ኣብ ለካቲት’ውን ኣብ ቓዛ ብዕብየቱ ኣብ ካልኣይ ዝስራዕ ሆስፒታል ኣልናስር ከምዝተቆጻጸሩ ይዝከር።
ኣብቲ እዋን ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ብሰራዊት እስራኤል ከምዝተኣሰሩ፡ ዓይኖም ተሸፊኖም ከምዝተሃረሙ ገሊጾም ነይሮም።
ሰራዊት እስራኤል ናብ ሆስፒታል ኣልናስር ኣብ ዝኣተውሉ እቶም ብ7 ጥቅምቲ ብዕጡቓት ሓማስ ዝተጨወዩ ኣብ ሆስፒታል ኣልናስር ከምዝነበሩ ዘረጋግጽ መርትዖ ከምዝረኸቡ’ዮም ዝሕብሩ።
ሰራዊት እስራኤል፡ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍናው ኣስታት 1200 እስራኤላውያን ቀቲሎም 253 ጅሆ ምስ ሓዙ’ዩ ኣብ ቃዛ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕትታት ጀሚራ።
ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ልዕሊ 31 ሽሕን 300 ፍልስጤማውያን ከምዝተቐተሉ ይሕብር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







