ኣፈኛ ህወሓት ጌታቸው ረዳ ብዛዕባ ውግእን ሰላምን እንታይ ኢሉ?

ጌታቸው ረዳ

ድሕሪ ናይ ኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታትን ትግራይን ውግእ ተወሊዑ ይርከብ።

ኣብ ሓደ እዋን ሚኒስተር ሓበሬታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ሓይልታት ትግራይን ኣፈኛ ህወሓት ዝኾነ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ብዛዕባ ዳግም ተወሊዑ ዘሎ ውግእን፡ ኲናት ትግራይን ሳዕቤናቱን፡ ከምኡ'ውን ተኽእሎታት ዘተ ሰላምን ኣመልኪቱ ምስ ቢቢሲ ቃለመሕትት ኣካይዱ'ሎ።

ነዚ ዳግም ዝተወልዐ ዘሕዝን ውግእ መን'ዩ ጀሚሩዎ? ስለምንታይን በኸመይን'ዩ ኸ ተጀሚሩ?

ኣቶ ጌታቸው፡ እወ ዘሕዝን ውግእ'ዩ። ማሕበረሰብ ዓለም ዝገበሮ ጻዕሪ ነዚ ጎንጺ'ዚ ሰላማዊ ፍታሕ ክረኽበሉ ኢና ትጽቢት ክንገብር ጸኒሕና። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ስርዓት ንሰላማዊ ፍታሕ ዘለዎ ድሌት ውሑድ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና።

ንሕና ግን እቲ ጎንጺ ብሰላም ከብቅዕ ስትራተጂካዊ ረብሓ ኣለና። ዋላ'ኳ ብሰላም ክፍታሕ ተስፋን ሃረርታን እንተነበረና፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ስርዓት ግን ውግእ ዳግማይ ንምውላዕ'ዩ ዝዳሎ ነይሩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ወተሃደራዊ ምድላዋት ጸኒሑ'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻርና ዘሎ ገለ ቦታታት ደብዲቦም ነይሮም።

እቲ ምድላዋት፡ ዘይስሩዕ ሚሊሻ ናብ ግንባራት ምስዳድ ናብቲ ውግእ ንምስሓብና ዘጠቓለለ'ዩ። ስለዚ እቲ ውግእ በቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ስርዓት'ዩ ተጀሚሩ።

"ንሰላም ዘርኣዮ ኣመታት" ዓለምለኻዊ ተቐባልነት ከምዝረኸበ ብምእማን፡ ውግእ እንተጀሚሩ ንሱ ከምዘይንቀፍ ብምሕሳብ ዝገበሮ'ዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ንስኹም ከም ዝጀመርኩሞ'ዩ ዝኸስስ ዘሎ?

ኣቶ ጌታቸው፡ ነዚ ኣይቅበሎን። ምኽንያቱ ኣብ ዕጽዋ ዘለናን ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተነበረ ክባ ኣብ ምኽፋት ክሕግዘና ተስፋ ጌርና ዝነበርናን ንሕና ኢና።

ህዝብና ሰብኣዊ ሓገዝ መድሃኒትን ካልእን የድልዮ እዩ። ኩሉ'ዩ ዘድልየና።

ኣብዚ እዋንእ'ዚ ኲናት ኣብ ምጅማር ናይ መወዳእታ ክንከውን እንኽእል ንሕና ኢና።

ነቲ ሰላማዊ ፍታሕ ክርከበሉ ተስፋ ዝገበርናሉ ኲናት ንሕና ክንጅምሮ ኣንጻር ረብሓና'ዩ ዝኸውን።

ግብረመልሲ ብምሃብ ትዋግኡ ኣለኹም ማለትድ'ዩ?

ኣቶ ጌታቸው፡ ንምክት ኣለና። ትሕዝቶታትና ንከላኸል ኣለና። ኣብ ብዙሕ ከባቢ ድማ ዝተፈነወና ማዕበላዊ መጥቃዕቲታት ንምክት ኣለና። ከምእንዕወት ድማ ርግጸኛታት ኢና።

ንስኹም'ውን ንዝሓለፈ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣጽዋር ብምእካብ ንምድላው ክትጥቀምሉ ከም ዝጸናሕኩምን ንዝተታሕዘኩም መሬት ንምምላስ ነቲ ውግእ ከም ዝጀመርኩሞ ዝቐርብ ምጉት ኣሎ። መልስኻ እንታይ'ዩ?

ኣቶ ጌታቸው: ኣብ ከምቲ ዘለናዮ ኩነታት ኰይኑ እሞ ነቲ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ንርእሱ ንምክልኻል ከም መዳለዊ ዝጥቀመሉ እንተሃልዩ ኣይወቕሶን።

ከምኡ እንድሕር ዘይጌርና ጸላእትና ናዓና ካብ ምርጋጽን ኣጽናቲ ኲናቶም ካብ ምቕጻልን ዘይፍንቅልዎ እምኒ ከምዘይህሉ ኩሉ ሳዕ ንፈልጥ ኢና።

እሞ ተዳሊኹም እንተኔርኩም፡ ንስኹም ከም ዝጀመርኩሞ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ርትዓዊ'ዩ ክንብል ኣይንኽእልን?

ኣቶ ጌታቸው፡ ኣይኮነን። ርእስኻ ንምክልኻል ምድላው ሓደ ነገር'ዩ፡ ብሰላም ክትፈትሖ ንእትኽእል ጎንጺ ክትውልዕ ምፍታን ግን ብፍጹም ካልእ ጉዳይ'ዩ።

ብኣና ወገን፡ እዚ ኲናት'ዚ ብሰላም ክፍታሕ ስትራተጂካዊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዘረጋግጽ'ዩ።

ውግእ ዳግማይ ከይውላዕ ድማ ተዳሊና። ምኽንያቱ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ ሰብመዚ [መንግስቲ] ንዝኾነ ፍልልያት ብወተሃደራዊ ኣገባብ ናይ ምፍታሕ ዝንባለ ከም ዘለዎም ንፈልጥ ኢና።

እቲ ኣዕናዊ ኲናት 21 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ'ሎ። ሰባት ይጠምዩ ኣለዉ፡ መድሃኒት የድልዮም፡ ሰላም ከምዘድልዮም ተዛሪብካ። ህዝቢ ይሳቐ'ሎ። ኲናት ክትቅጽሉ ዓቕሚ ኣለኩምድ'ዩ?

ኣቶ ጌታቸው፡ ኲናት ናይ ምቕጻል ዓቕሚ፡ ኣጽነትቲ መንግስታት ኣብ ልዕሌኻ ክእውጁ ናይ ምቕባል ጉዳይ ዝውስኖ'ዩ።

በቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ስርዓትን ገበናውያን መሻርኽቱን ንዝቐርብ ጠለባት ትቕበል'ዶ ኣይትቕበልን ዝውስኖ'ዩ። ክህሉ ዘይተመነናዮን፡ ንምግትኡ ዝክኣለና ዝገበርናሉን'ዩ።

ውግእ ኣብ ልዕሌና እተተኣዊጁ፡ ካብ ምውጋእ ሓሊፍና እንታይ ምርጫ ኣለና? ማሕበረሰብ ዓለም፡ ኣብ ልዕሊ ሰብመዚ ኣዲስ ኣበባ ጸቕጢ ክገብርን ናብ ሰላም ክደፍኦምን'ዩ ተስፋና።

ንሕና ንሰላም ዝከኣለና ክንገብር ኢና። ንሰላም ድሉዋት ኢና ማለት ግን ሰላም ክሰፍን'ዩ ማለት ኣይኮነን፡ ከም ዝብልዎ 'ብሓደ ኢድካ ኣይተጣቕዕን'።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ውግእ ምውልዑ ኣዝዩ ከምዘሰንበዶ ብምግላጽ፡ ተጻብኦታት ክቋረጽን ዝርርብ ክጅመርን ጸዊዑ'ሎ። ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ መሓመድ፡ እቲ ግጭት ክሃድእን ነባሪ ፍታሕ ክርከብን ተማሕጺኑ'ሎ።

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብወገኑ፡ መንግስትን ንስኹም ህወሓትን ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦታት ናብ ዘመርሕ ዝርርብ ክትኣትዎ ጸዊዑ'ሎ። ብወገንኩም፡ ነዚ ንምግባር እንታይ ዓይነት ድልውነት ኣለኩም?

ኣቶ ጌታቸው፡ ኩሎም እዞም ምሳና ክሰርሑ ዝጸንሑ ወገናት፡ ሰላም ክመጽእ ምዃኑን ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ስርዓት ሰለም ከምዝደሊ ክንኣምኖ ጥራይ ከምዘለናን ክነግሩና ዝጸንሑ'ዮም።

ከም መብጽዓታቶም ድማ ሰላም ክንገብር ኢና ክንጽበ ጸኒሕና። ሕጂ'ውን እዞም ትካላትን ሃገራትን እዚኣቶም፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ስርዓት ጸቕጢ ብምግባር ነቲ ኩነታት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ካብ ምዕራግን መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ካብ ምኽፋትን ክቑጠብ ክገብሩ ተስፋ ኣለና።

ብኣና ወገን፡ ንሰላም ዕድል ንምሃብ ድሉዋት ኢና። ንዘለና ፍልልያት ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ድሉዋት ምዃንና ድማ ብዘይምቁራጽ ኣርኢና ኢና።

እቲ መጥቃዕቲ ቀጻሊ እንተዀይኑ ግና፡ ኮፍ ኢልና ክንርኢ ኣይኮንናን። ርእስናን ህዝብናን ንምክልኻል ብዘለና ዓቕሚ ዝግባእ ስጉምቲ ክንወስድ ምዃንና ክፍለጥ ኣለዎ።

ኣቶ ጌታቸው፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልልኩም ዝተቛረጸ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክምለስ ዝገብር ዝርርብ ሰላም ብቕልጡፍ ክጅመር ጸዊዑ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ብኸመይ ውግእ ክውልዕ ይኽእል?

ኣቶ ጌታቸው፡ ሓደ ነገር ክነግረኪ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፍሉያት ልኡኻት ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣመሪካ፡ ካልኦት ኣምባሳደራትን ወኪላት ብሪጣንያን ናብ መቐለ መጺኦም ነይሮም።

ሓደ ካብ ዝተሓተትናዮ፡ ኪኢላታት መጺኦም ነቲ ኣገልግሎታት ንክጅምርዎ ብጽሑፍ ውሕስነት ክንህቦም'ዩ። ሂብናዮም ድማ።

እንታይ ከም ዝዀነ ክነግረኪ። ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተመልሱ፡ ንመንግስቲ ኣገልግሎታት ክጅምር ከተገድድዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም ተባሂሎም ምጉብዕባዕ በጺሑዎም። እዚ መንግስቲ'ዚ ድማ'ዩ ኣገልግሎታት ከም ዝጅምር ዝገልጸሎም ነይሩ።

ንሕና ቅድመ-ኲነት ከነቐምጥ ትጽቢት ብምግባር፡ ድሓር ንዓና ንምኽሳስ ብምሕሳብ ዝሓለነ'ዩ ነይሩ። ንሕና ግን ሕራይ ኢልና፡ ኣፍሺልናዮም።

ስለዚ፡ መብጽዓታት ኣትዮም ማለት ቃሎም የኽብሩ'ዮም ማለት ኣይኰነን።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ክፈልጥ ይደሊ'ዩ። ዝርርብ ሰላም ኣበይ በጺሑ'ሎ? ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ነቲ ዝርርብ ክመርሕ ድሉው ምዃኑን እንተኾነ ንስኹም ከምዝነጸግኩሞን'ዩ መንግስቲ ዝገልጽ? ስለምንታይ ነጺግኩሞ?

ኣቶ ጌታቸው፡ ስለምንታይ እቲ ጉዳይ ብዛዕባ ኦባሳንጆን ውልቃዊ መዝነቱን ይኸውን ኣይርዳኣንን'ዩ።

ኦባሳንጆ፡ ነቲ ግጭት ክፈትሕ ሓላፍነት ተዋሂብዎ። ጸግዒ ክወስድ የብሉን።

ንጹር መርሓ ጎዳና ከቕርብ'ዩ ዘለዎ። እንተ ተቐቢልናዮ ብኡ ንቕጽል. . .

እሞ ነቲ ዘቕረቦ መርሓ ጎደና ትቕበልዎ ዲኹም?

ኣቶ ጌታቸው፡ ንሚስተር ኦባሳንጆ ኣስታት ሸውዓተ ግዜ ኣብ መቐለ ተቐቢልናዮ። ኩሉ ግዜ ተመሳሳሊ ሕቶ ኢና ንሓቶ። እኳ ድኣ ምሩኻት ኲናት ክንፈትሕ ቃል ኣቲናሉ።

ኣብ መወዳእታ ግን፡ ካብ [ቀዳማይ ሚኒስተርእ] ኣብዪ ብዛዕባ ምሩኻት ተገዳስነት ብዘይምርኣዩ፡ ቃሉ ከኽብር ኣይክኣለን። ድሕሪ'ዚ ድማ ኦባሳንጆ ካብቲ ጉዳይ ስሒቡ።

ንሕና ግን ከም ቃልና ነቶም ምሩኻት ሰዲድናዮም። ኣበይ ከም ዝኣተዉ ትፈልጢ ዲኺ? ናብ መዳጎኒታት ክልል ዓፋር. . .ዘሕዝን'ዩ።

ነቶም ምሩኻት ዝፈታሕናዮም ንኦባሳንጆ ዝኣተናሉ ቃል ንምኽባርን ምትእምማን ንምፍጣርን'ዩ ነይሩ። [ኦባሳንጆ] ነዚ ንእሽቶ ጉዳይ ከተግብር እንድሕር ዘይክኣለ፡ ካብኡ ዝዓቢን ኣገዳስን ጉዳይ ክኣሊ'ዩ ኢለ ብኸመይ ክኣምኖ እኽል?

ብዛዕባ ተራ ኦባሳንጆ ከም ኣሸማጋሊ ብቶናት ዝቑጸር ነገራት ኣለና፡ ግና ብዛዕባ ኦባሳንጆ ክኸውን የብሉን፡ ብዛዕባ ነቲ ግጭት ብሰላም ምፍታሕ'ዩ ክኸውን ዘለዎ።

ብሰላም ክፈትሖ እንተዘይክኣለ፡ ካልኦት ሰባት ክፈትሕዎ ይፈቐደሎም። ሕብረት ኣፍሪቃ ተራ ኣይሃልዎ ኣይኮናን ንብል ዘለና።

እንተዀነ፡ ኦባሳንጆ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሸውዓተ ግዜ መጺኡና፡ ዋላሓደ ዘፍረዮ የለን።

ስለዚ፡ ስለምንታይ ብሕጂ ዝኾነ ውጽኢት ከምጽእ'ዩ ኢለ ክኣምን?

ሕጂ ብቐጥታ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ክትዛረቦ እንተትኽእል እንታይ ክትብሎ ምደለኻ?

ኣቶ ጌታቸው ፡ ካብቲ ኣትዩዎ ዘሎ ቅልውላው ብኲናት ክወጽእ ኣይኽእልን። ብኲናት ከኣ ደጊሙ ናብ መቐለን ትግራይን ክኣቱ ኣይኽእልን። የግዳ ካብ ደገፍቱ ተሪፋቶ ዘላ ንእሽቶ ተቐባልነት ነቲ ብቐንዱ ፖለቲካዊ ዝኾነ ጸገም ብሰላም ንምፍታሕ ክጥቀመላ ይግባእ። 

ሕዚ እውን ካልእ ዙር ኲናት ኣጽንቶት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ምጅማር ነታ ሃገር ናይ ምፍራስ ሓደጋ ከስዕብ እዩ። ሃገር ትበታተን እያ ዘላ።

እታ ተሪፋ ዘላ ንኢትዮጵያ ናይ ምትራፍ ዕድል ብወተሃደራዊ ሓይሊ እትዕወት ኣይኰነትን። ኣብዪ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከምዘይጠቕሞ ክርዳእ ኣለዎ። እዚ መልእኽቲ እዚ'የ ከሕልፈሉ ዝደሊ።

ንሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ክንዛረቦም ንደሊ ኢና፡ ካብኦም ክትሰምዖ እትደሊ እንታይ እዩ?

ኣቶ ጌታቸው፡ ካብኣቶም ክሰምዖ ዝደሊ፡ ምኽፋት ኣገልግሎት፤ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝኣትወሉ ስርዓት ምርግጋጽ፣ ሕገመንግስታዊ ግዝኣት ትግራይን ህዝባን ብሕገመንግስቲ ምርግጋጽ እዩ፤ ብዙሕ ጻዕሪ ዘድልዮ ኣይኰነን።

እቲ ዝተረፈ ናይ ሂብካ ምቕባል ጉዳይ እዩ።

እቲ ዝነኣሰ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ዝተረጋገጸ ምስ ዝዀነ መንግስቲ ምንባር ካብ ድሉዋት ንላዕሊ ኢና።

እቲ ዘለና ንቡር ጠለብ እዚ እዩ። እዚ እንተተማሊኡ ምስ ኣብዪ ኣሕመድን መንግስቱን ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ኰፍ ኢልና ንምዝርራብ ጸገም የብልናን።

እሞ ካብ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ክትፍለዩ ኣይትደልዩን ኢኹም ዲኻ ትብል ዘለኻ?

ኣቶ ጌታቸው፡ ሰባት ሰለምንታይ ከምኡ ዓይነት ዛንታ ከም ዝመጽኡ ኣይፈልጥን። ንሕና ንደሊ፡ ምሉእ መሰል ዓርሰ-ውሳነ ክንጥቀም'ዩ።

እዚ ብሓንቲ ክፍሊ ሃገር ኣመሪካ ወይ ብስኮትላንድ ወይ ዝኾነ ካልእ እንተዝልዓል ብዙሕ ዘገርም ኣይመስለንን።

ኣካል ኢትዮጵያ ኣይኮናን ኣይበልናን፣ ህዝብና ምሉእ መሰል ዓርሰ-ውሳነ ይወሃቦ ኢና ዝበልና።

እንተዘይኰይኑ፡ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክነብር ድሉዋት ኢና፡ ምሳና ክነብሩ ድሉዋት እንተኾይኖም።