እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እናሳዕስዑ ብቪድዮ ዝተርኣዩ መጻምድቲ ናይ 10 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዶም
ኣብ 20ታት ዕድመ ዝርከቡ ኢራናውያን መጻምድቲ ኣብ ጎደና ክስዕስዑ ዘርኢ ቪድዮ ድሕሪ ምልጣፎም ብድምር ናይ 10 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዎም።
ብልሽውና፣ ምንዝርናን ፕሮፖጋንዳን ብምውዕዋዕ ከምዝተፈረዶም ድማ ተገሊፁ።
እቲ ቪድዮ ኣብ ጥቓ ኣብ ቴህራን ዘሎ ግምቢ ኣዛዲ (ናጽነት) ክሳዕስዑ ዘርኢ እዩ።
ሰብመዚ እታ ሃገር ድሕሪ ሞት ሓንቲ ብፖሊስ ተኣሲራ ዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ተቓውሞ ክሳተፉ ንዝተራእዩ ሰባት ከቢድ ፍርዲ ይህቡ ምህላዎም ይፍለጥ።
እዞም መጻምድቲ ግን ንሳዕስዒቶም ምስቲ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ኣይተኣሳሰርዎን።
ሓደ ምንጪ ንቢቢሲ ከም ዘረጋገጾ እዞም መጻምድቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ነቲ ቪድዮ ኣብ ናይ ኢንስታግራም ገጾም ድሕሪ ምልጣፎም ኮይኑ ብድምር ኣስታት ክልተ ሚልዮን ሰዓብቲ ኣለውዎም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መስከረም፡ ጓል 22 ዓመት ማህሳ ኣሚኒ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ኣብ ዝነበረትሉ ድሕሪ ምሟታ ብስርዓት ኢራን "ናዕቢ" ተባሂሉ ዝተሰምየ ኣንፃር መንግስቲ ዝቐንዐ ተቓውሞታት ኣብ መላእ እታ ሃገር ተጓሃሂሩ ይርከብ።
ንሳ ደቂ ኣንስትዮ ጸጉረን ብሂጃብ ወይ መሸፈኒ ርእሲ ክሽፍና ንዝጠልብ ሕጊ ብምጥሓስ እያ ኣብ ቀይዲ ኣትያ።
ጓል 21 ዓመት ኣስቲያዝ ሓቂቂን ወዲ 22 ዓመት ሕጹያ ኣሚር መሓመድ ኣሕመዲንን "ብልሽውናን ምንዝርናን ብምትብባዕ፤ ኣንጻር ሃገራዊ ድሕነት ምትሕብባርን ፕሮፖጋንዳን" ብዝብል ክስታት እዮም ገበነኛታት ተባሂሎም።
ቅድሚ እቲ ማእሰርቲ ከኣ ገዛ ስድራቤት ናይታ ፋሽን ዲዛይኒን እትነጥፍ ኣስቲያዝ ሓቂቂ ብፖሊስ ከምዝተፈተሸ ተፈሊጡ።
ጸብጻባት ከምዘመልክትዎ፡ እቶም መፃምድቲ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንኸይጥቀሙን ካብ ሃገር ንኸይወጹን ’ውን ናይ ክልተ ዓመት እገዳ ተጌሩሎም ኣሎ።
ኣብ ወርሒ መስከረም ዝጀመረ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓስ፡ ስርዓት ኢራን ብሰውራ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽአሉ ካብ 1979 ንደሓር ካብ ዘጋጠምዎ ዝኸበዱ ብድሆታት ኮይኑዎ ኣሎ።
ነቲ ተቓውሞታት ንምግታእ ድማ እቲ ስርዓት፡ ኣብቲ ናዕቢ ንዝተሳተፉ ሰባት እንተወሓደ ኣርባዕተ ሰልፈኛታት ምቕታል ዝርከቦ ከቢድ ፍርዲ ክህብ ይረኣይ ኣሎ።
ሞት ማህሳ ኣሚኒ ኣብ ኢራን ሰፊሕ ናዕቢ ንምፍጣር መበገሲ ክኸውን ከሎ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ድኽነት፣ ሸቕሊ ኣልቦነት፣ ዘይማዕርነት፣ ስእነት ፍትሕን ብልሽውናን እውን ነቲ ተቓውሞታት ከምዝደረኽዎ ይግለፅ።
ምስ ኩነታት ኣማውትኣ ተዛሚዱ ኣብ ዝተኻየዱ ሰልፍታት ተቓውሞ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ይርከቡ።