ንኣባል ጸጥታ ቀቲሎም ዝተባህሉ ሰባት ብማሕነቕቲ ተቐጺዖም

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝነበረ ሃገር-ለኸ ተቓውሞ ኣንጻር መንግስቲ፡ ንሓደ ኣባል ጸጥታ እታ ሃገር ቀቲሎም ዝተባህሉ ክልተ ኢራናውያን ብማሕነቕቲ ተቐጺዖም።

እቶም ማሕነቕቲ ዝተበየነሎም መሓመድ መሃዲ ካራሚን ሰይድ መሓመድ ሑሴንን፡ ኣብ መርመራ ስቓይ ወሪዱና እዩ ብምባል ንቤት ፍርዲ ይግባይ ሓቲቶም ነይሮም።

እንተኾነ ቤት ፍርዲ ኢራን እቲ ዝተወሃቦም ፍርዲ ተግባራዊ ክኸውን ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልቲ ብይን ሂቡ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ጀምስ ክሌቨርሊ ነቲ ፍርዲ ኣጥቢቝ ኰኒንዎ።

ኣብ ኢራን ተቓውሞ ካብ ዝለዓል ንደሓር ቍጽሪ ብማሕነቕቲ ዝተቐተሉ ኢራናውያን ኣርባዕተ ከምዝበጽሐ ተገሊጹ።

እቲ ኣብ ኢራን ዝተላዕለ ሰፊሕ ተቓውሞ፡ ሓንቲ ኢራናዊት ጐርዞ “ጉልባብኪ ብግቡእ ኣይገበረክን” ተባሂላ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ኣትያ እንከላ ብምማታ ዝሰዓበ እዩ ነይሩ።

ወኪል ዜና ፍትሒ ኢራን - ሚዛን፡ እቶም ክልተ ውልቀሰባት ንኣባል ጸጥታ ኢራን ዝዀነ ሩሆላህ ኣጃሚን ብምቕታል ቀንዲ ተሓተትቲ ከምዝዀኑ ጠቒሱ።

ዓቃቢ ሕጊ፡ ብወገኑ እቲ ኣባል ጸጥታ ኣብ ቀረባ ግዜ ንዝተቐተለ ሰልፈኛ ንምዝካር ኣብ ቅድሚ ዝተኣከቡ ሰባት ጥራሕ ነብሱ ከምዝተቐተለ ሓቢሩ።

ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል መስርሕ እቲ ፍርዲ ዘይቅኑዕ ኢሉ ድሕሪ ምኹናን፡ ሰበ ስልጣን ኢራን ንኻልኦት 26 ሰባት ናይ ሞት ፍርዲ ክወሃቦም ሓቲቶም ከምዘለዉ ኣቃሊዑ።

ስድራ ናይቲ ብማሕነቕቲ ዝተቐተለ ወዲ 22 ዓመት ካራሚ፡ ትማሊ ቀዳም ተሓኒቑ ቅድሚ ምማቱ ንኽረኽብዎ ፍቓድ ከምዘይተወሃቦ ተዛሪቦም። ብህይወት ንኽነብር ንኣካላት ፍትሒ ተማሕጺኖም ነይሮም።

ኣቦ ካራሚ “ኣብ ልዕሊ ወደይ ዝተነበረ ፍርዲ በጃኹም ኣልዕሉለይ ክልምነኩም” ኢሉ ምሕታቱ’ውን ተፈሊጡ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ጀምስ፡ ሰበ ስልጣን ኢራን ኣብ ልዕሊ ዜጋታቶም ዝፍጽምዎ ዘለዉ መጥቃዕቲ ደው ከብልዎ ከምዝግባእ ኣጠንቂቍ።

ሕብረት ኣውሮጳ ብግደኡ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ናይ ሞት ፍርዲ ምብያኑ “ኣዝዩ ዘሰንብድ” ክብል ገሊጽዎ።

መደበሩ ካብ ኢራን ወጻኢ ዝገበረ ሓደ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ግዜ ተቓውሞ 70 ህጻናት ዝርከብዎም ብውሕዱ 516 ተቓወምቲ ከምዝተቐተሉን 19 ሽሕን 262ን ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝርከቡን ኣፍሊጡ። 68 ኣኽበርቲ ጸጥታ ከምዝተቐተሉ’ውን እቲ ወኪል ዜና ጠቒሱ።

ነቲ ተቓውሞ ስዒቡ ካብቶም ዝተኣሰሩ መብዛሕትኦም ብሓይሊ ክስወሩ፡ ኣብ ዘይፍለጡ ኣብያተ ማእሰርቲ ክጸንሑን ክሳቐዩን ክከላበቱን ከምዝተገብረ ተገሊጹ።

ሰበስልጣን ኢራን ግን፡ እቲ ተቓውሞ “ህውከት” ኢሎም ብምግላጽ ሓይልታት ወጻኢ ነቲ ኵነታት ንምግዳድ ኢዶም የእትዉ እዮም ብምባል ይኸሱ።

ኣብ ተመሳሳሊ ክሲ ካልኦት ሰለስተ ሰባት ናይ ሞት ፍርዲ ዝተበየነሎም ኰይኑ፡ 11 ድማ ብማእሰርቲ ክቕጽዑ ተወሲኑ።

ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ጸጥታ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ዝተበሃሉ ክልተ ውልቀ ሰባት ብሞት ከምዝተቐጽዑ ዝዝከር’ዩ።