ኢራን፡ ምስ ሰልፊ ተቓውሞ ብዝተሓሓዝ ካልኣይ መንእሰይ ብማሕነቕቲ ቀጺዓ

ኢራን ምስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣንጻር መንግስቲ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ ብዝተኣሳሰር ንኻልኣይ መንእሰይ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብማሕነቕቲ ከምዝቐጽዐት ኣፍሊጣ።

ጉዳያት ፍትሒ እታ ሃገር ከምዝገለጾ፡ ወዲ 23 ዓመት ማጂድራዛ ራህናቫርድ፡ ሰኑይ ንግሆ ኣብ ከተማ ማሸሃድ እዩ ብማሕነቕቲ ተቐቲሉ።

እቲ መንእሰይ ንኽልተ ኣባላት ባሲጅ ረዚስታንስ ፎርስ ዝተባህለ ጕጅለ ጸጥታ ብኻራ ወጊኡ ከምዝቐተለ ብምርግጋጹ፡ ቤት ፍርዲ ነቲ ውሳነ ሂቡ።

ራህናቫርድ፡ ምስተኣሰረ ድሕሪ 23 መዓልቲ እዩ ተሰቒሉ።

ተጣበቕቲ መሰላት ግን፡ ተቓወምቲ “ድሕሪ ሓቅነት ዘይብሎም መጋባእያታት ንሞት ይፍረዱ ከምዘለዉ” ከጠንቅቝ ጸኒሖም እዮም።

ኣደኡ ክሳብ እቲ ፍርዲ ዝፍጸም ኣይተነገራን ነይሩ።

ስድራቤቱ ምስ ሞተ ናይቲ ዝቕረበሉ ቦታ ሽምን ቍጽሪ ሬሳኡ ዝዓርፈሉ ቦታን ተነጊርዎም ምስከዱ ድማ፡ ሓይልታት ጸጥታ እናቐበርዎ ረኺቦምዎም።

ጕጅለ ተቓውሞ ኢራን ኣብ ትዊተር ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ፡ ሰብመዚ ብሰዓት 7 ፡ 00 እቲ ከባቢ ደዊሎም “ወድኹም ቀቲልና ኣብ ኣብ መቓብር በሀሽት-ኢ ረዛ ቀቢርናዮ ኣለና” ኢሎምዎም ኢሉ።

ሚዛን ኒውስ ኤጀንሲ ዝተባህለ ሚድያ ጉዳይ ፍትሒ እታ ሃገር፡ እቲ መንእሰይ ነበርቲ ማሽሃዲ ኣብ ዝተረኸቡሉ ከምዝተሰቐለ ብምግላጽ፡ ከይዲ እቲ መቕጻዕቲ ዘርእዩ ፎቶታት ኣካፊሉ።

እቶም ስእሊታት ሓደ ኣብ ቅድሚ ተዓዘብቲ ዝተሰቐለ ሰብኣይ ዘርእዩ ኰይኖም፡ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ከምዝነበሩን በዓል መን ከምዝዀኑን ግን ግልጺ ኣይኰነን።

ራህናቫርድ፡ ቤት ፍርዲ ዝደለዮ ጠበቓ ከይቈጽር ዝኸልከሎ ኰይኑ፡ እቲ ዝቐረበሉ ጠበቓ እውን መከላኸሊ ከምዘየቕረበ ተገሊጹ።

እቲ መንእሰይ ብ 17 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ንክልተ ወለንተኛታት ኣባላት ጕጅለ ጸጥታ ባስጂ ብኻራ ወጊኡ ቀቲሉ ዝብል ክሲ ከምዝቐረቦ ወኪል ዜና ሚዛን ሓቢሩ ነይሩ። እቲ ጕጅለ ጸጥታ ሰብመዚ ኢራን ተቓውሞታት ንምዕፋን ዝዋፍርዎ ሓይሊ እዩ።

ዳይረክተር ኣብ ኖርወይ ዝመደበሩ ሰብኣዊ መሰላት ኢራን ማሕሙድ ኣሚሪ-ሞጋዳም፡ እቲ ፍርዲ “ድሕሪ ዘይፍትሓዊ ከይድን ናይ ይምሰል መጋባእያን፡ ብሓይሊ ክኣምኑ ብምግባር” ይፍጸም ከምዘሎ ኣብ ትዊተር ገሊጹ።

“ተቓወምቲ ብኣልማማ ናይ ምቕታል ሓደጋ ኣሎ” ብምባል እውን ኣብታ እስላማዊት ሃገር ስጕምቲ ክውሰድ ከምዝግባእ ወሲኹ።

እቲ ብደቂ ኣንስትዮ ዝምራሕ ተቓዉሞ፡ ሓንቲ ጓል 22 ዓመት መንእሰይ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ምማታ ስዒቡ ዝተወልዐ ኰይኑ ኣብ 31 ግዝኣታት እታ ሃገር ናብ ዝርከባ ኣስታት 160 ከተማታት ተላቢዑ እዩ።

ሰብ መዚ ኢራን እቲ ተቓዉሞ ጸላእቲ እታ ሃገር ዝወደብዎ ከምዝዀነ እዮም ዝገልጹ። እንተዀነ እቶም ዝበዝሑ ተቓወምቲ ዘይተዓጠቝ ሰላማውያን ዜጋታት እዮም።

ራህናቫርድ ነቲ ገበን ከምዝፈጸመ ምእማኑ ዘርእይ ቨዲዮ ብመንግስታዊ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ተዘርጊሑ ዝነበረ ኮይኑ፡ ተቓወምቲ ግና ሚድያታት እታ ሃገር፡ ብሓይሊ ተገዲዶም ክኣምኑ ናይ ዝተገበሩ እሱራት ኑዛዘ ከምዘሕልፉ ይኸሱ።

ሕብረት ኣውሮጳ ብሰኑይ ንሃገራዊ ተሌቪዥን ኢራንን ሓላፊኡን፡ ናይ ሓሶት ኑዛዘ ብምትሕልላፍ ማዕቀብ ኣንቢሩሎም ኣሎ።

ብተወሳኺ እቲ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ኣዛዚ ሰራዊት ኢራንን ዞባዊ ኣዘዝቲ ሰውራዊ ሓለዋን ተቓውሞታት ብምዕፋን ማዕቀብ ኣንቢሩ ኣሎ።

ኢራን ብወገና ነቲ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ዝተቓወሚ ብዙሓት ፖለቲከኛታት ጀርመንን ብሪጣንያን ማዕቀብ ክትገብር ትልሚ ከምዘለዋ ገሊጻ።

እቲ ተቓውሞ ካብ ዝጅምር ፈላማይ መቕጻዕቲ ስቅላት ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ልዕሊ ንኣባል ጸጥታ ብጎዘሞ ኣጥቂዑ ዝተባህለ ወዲ 23 ዓመት ሞህሰን ሸካሪ ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ነቲ ስጕምቲ ማሕበረሰብ ዓለም ብኸቢድ ተቓዊምዎ እዩ።

ብሰንኪ እቲ ተቓዉሞ ዛጊድ ብውሑድ 488 ሰልፈኛታት ከምዝተቐተሉን ልዕሊ 18 ሽሕ ከምዝተኣሰሩን ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ይግልጹ። ብተወሳኺ 62 ኣባላት ጸጥታ ከምዝተቐተሉ እውን ተሓቢሩ።