ኣእምሮ ዘንብብ ጥረ-ነገር ኣብ ሓንጎሉ ዝተሰዅዓሉ መንእሰይ

ሓሳባትካ ናብ ኮምፒተር ክትርጉም ዝኽእል ንጥረ ነገር [ቺፕ] ኣብ ሓንጎልካ ምስዃዕ፡ ንብዙሓት ሳይንሳዊ ልቢ ወለድ ክመስል ይኽእል እዩ፤ ንኖላንድ ኣርባው ግን ክዉንነት ሓቂ እዩ።

እዚ ወዲ 30 ዓመት መንእሰይ፡ ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት ምልማሱ፡ ካብ ኣመሪካዊ ማእከል ኒውሮቴክኖሎጂ 'ኒውራሊንክ' ከምዚ ዓይነት መሳርሒ ዝረኸበ ፈላማይ ሰብ ኮይኑ ኣሎ።

ርግፅ፡ ከምዚ ዓይነት ኣብ ሓንጓል ዝኣቱ ቺፕ ክመሃዝ ፈላማይ ኣይኰነን።

ካልኦት ብኣጻብዕቲ ዝቑጸራ ኩባንያታት እውን ከምኡ ዓይነት ቴክኖሎጂ ኣማዕቢለንን፡ ኣብ ውሽጢ ሓንጓል ቀቢረን ኣብ ግበሪ ከምዘውዐላ ቅድሚ ሕጂ ተዛሪቡ ይፈልጥ እዩ።

እንተዀነ፡ እቲ ፍፃመ ዝያዳ ትኹረት ክስሕብ ዝገበሮ ካልእ ጉዳይ ኣለዎ።

ዛዕባ ኖላንድ፡ ብሰንኪ መንነት መስራቲ እቲ ትካል ኒውራሊንክ: ኤሎን ማስክ፡ እዩ ዝያዳ ኣቓልቦ ዓለም ስሒቡ ዝርከብ።

ንኖላንድ፡ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር፡ ንሱ ይኹን ማስክ ዘይኮነስ፡ እቲ ሳይንስ እዩ።

ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ዝወስዶ ተበግሶ ክስዕቦ ዝኽእል ሓደጋታት ክህሉ ከምዝኽእል ይግንዘብ ነይሩ።

"እንተኾነ ግን 'ውፅኢቱ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ' ብዘይገድስ፡ ብዝኰነ ይዅን መገዲ፡ ምስቲ ማእከል ከተሓጋገዝ እየ ወሲነ" ኢሉ።

"እቲ ፈተነ ፅቡቕ ዝቕፅል እንተዀይኑ፡ ተሳታፊ ኒውራሊንክ ብምዃን ክሕግዝ ይኽእል እየ" ኢሉ።

"ዝዀነ ሕማቕ ነገር እንተ ኣጋጢሙ ድማ፡ ንመፃኢ ካብኡ ከም ዝመሃሩሉ ፈሊጠ ነይረ።"

'ናፅነት የለን፡ ብሕትውና የለን'

መበቈሉ ካብ ግዝኣት ኣሪዞና ዝኾነ ኖላንድ፡ ኣብ 2016 ብሓደጋ ግጭት መኪና ልዕሊ መንኵቡ ሽባ ኮይኑ ነይሩ።

መጉዳእቱ ኣዝዩ ከቢድ ስለ ዝነበረ ዳግማይ ክመሃር፣ ክሰርሕ ወይ'ውን ከይጻወት ኣይክእልን ነይሩ።

"ናፅነት የብልካን፣ ብሕትውና የብልካን፤ ከቢድ'ውን'ዩ" ኢሉ።

"ንኹሉ ነገር ኣብ ካልኦት ሰባት ድጋፍ ክትምርኮስ ከም ዘለካ ክትፈልጥ ትግደድ።"

ቺፕ ኒውራሊንክ፡ ንሓንቲ ኮምፒተር ብኣእምሮኡ ክቆጻጸራ ብምፍቃድ፡ ንገለ ክፋል ናይቲ ዝሰኣኖ ናጽነት ንምምላስ ይጥምት።

ንሱ ድማ፡ እቲ ብናይ ሓንጎል-ዝቆፃፀር-ኮምፒተር (BCI) ብዝብል ዝፍለጥ ምህዞ ጥራይ እዩ።

እዚ ቴክኖሎጂ፡ ደቂ ሰባት ብዛዕባ ምንቅስቓስ ክሓስቡ ከለዉ ዝፍጠሩ ደቀቕቲ ኤሌክትሪካዊ ድርኺታት ብምፍላጥ፡ ነዚኦም ድማ ናብ ዲጂታላዊ ትእዛዝ ብምትርጓም፡ ከም ኣብ ስክሪን ንዘሎ መመልከቲ ብምንቅስቓስ ዝሰርሕ እዩ።

ሳይንቲስት ንሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት ክሰርሑሉ ዝጸንሑ ዝተሓላለኸ ፈጠራ እዩ።

ተሳትፎ ኤሎን ማስክ ኣብዚ ዓውዲ፡ ነቲ ቴክኖሎጂ - ከምኡ'ውን ኖላንድ ኣርባው ፡ ዓብዪ ኣርእስታት ዜናታት ክኸውን ገይሩዎ ኣሎ፤ ከምኡ ምዃኑ ዘይተርፍ እዩ ነይሩ።

ንኒውራሊንክ ብዙሕ ወፍሪ ንኽስሕብ ሓጊዝዎ'ዩ - ከምኡ'ውን ኣብ ድሕነትን ኣገዳስነትን ናይቲ ኣዝዩ ኣድላይ ዝዀነ ኣገባብ ትኹረት ገይሩ እዩ።

ምቕባር ቺፕ ኣብ ውሽጢ ሓንጐል ኖላንድ ኣብ ዝተገለፀሉ እዋን፡ ክኢላታት "ዓቢ ዝላ" ክብሉ ንኢዶምዎ ነይሮም።

እንተዀነ፡ ብሓቂ ክውንነቱ ንምግምጋም ግዜ ከም ዝወስድ'ውን ኣጠንቂቖም ነይሮም።

እዚ ድማ ምስቲ ማስክ "ንትካሉ ምውዕዋዕ ኣብ ምፍጣር" ዘለዎ ተኽእሎ ኣብ ግምት ብምእታው እዩ።

ማስክ፡ ዘይከም ሎሚ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ጥንቁቕ እዩ ነይሩ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ "ናይ መጀመርታ ውጽኢት፡ ተስፋ ዘለዎ ፈተነ-ኒውሮን ይመስል" ክብል ጥራይ ጽሒፉ ነይሩ።

ኣብ ክውንነት፡ እቲ ቢልዮነር - ቅድሚን ድሕሪን መጥባሕቲ ዘዘራረቦ ዀይኑ፡ ኣዝዩ ዕዙዝ ተስፋ ከም ዝነበሮ ኖላንድ ይዛረብ።

"ንሱ ውን ልክዕ ከምዚ ከማይ ኣዝዩ ዝተሓጎሰ ይመስለኒ"።

ስግኣት ኣለዎ ድዩ?

ኖላንድ ካብቲ ነቲ መሳርሒ ዝገጠመ መጥባሕቲ ምስ ተበራበረ፡ ኣብ መጀመርታ ኣጻብዕቱ ምንቅስቓስ ብምሕሳብ ኣብ ስክሪን ንዝነበረ መመልከቲ ክቆጻጸር ከምዝኸኣለ ገሊጹ።

"ብቕንዕና እንታይ ክጽበ ከም ዘለኒ ኣይፈለጥኩን - ኣዝዩ ሳይንሳዊ ዛንታ ይመስል ነይሩ" ኢሉ።

ብሕጉሳት ሰራሕተኛታት ተኸቢቡ፡ ኒውራሊንክ ሓሳባቱ ኣብ ስክሪን ክዓቢ ድሕሪ ምርኣዩ ግን፡ ኮምፒዩተሩ ክቆጻጸር ከም ዝኽእል ኣሚኑ።

ከምኡ'ውን፡ ካብኡ ዝሓሸ - ምስ ግዜ ነቲ ቴክኖሎጂ፡ ሕጂ ቸስን ቪድዮ ጸወታን ክጻወት ዝኽእል ደረጃ ዓብዩ።

"ጸወታታት እናተጻወትኩ እየ ዓብየ" ኢሉ፡ ጉድኣት ምስ በፅሖ "ክገድፎ ከምዝተገደደ" ብምውሳኽ።

"ሕጂ ኣብ ጸወታታት ንኣዕሩኽተይ ይስዕሮም ኣለኹ፡ እዚ ድማ ብሓቂ ክኸውን ዝኸውን ኣይመስልን ግን፡ ተካኢሉ'ዩ"።

ኖላንድ ሓያል መርኣያ ናይቲ ህይወት ንምቕያር ዘለዎ ዓቕሚ ቴክኖሎጂ እዩ ፤ እንተኾነ ግን ኣሉታዊ ጐድኒ እውን ክህሉ ይኽእል እዩ።

"ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጸገማት ብሕትውና'ዩ" ይብል ኣኒል ሴት፡ ፕሮፌሰር ኒውሮሳይንስ ዩኒቨርሲቲ ሳሴክስ።

"ስለዚ ንጥፈታት ሓንጎልና ናብ ካልእ ንሰድድ እንተኾይንና [...] ሽዑ ንሕና ንገብሮ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብኸምዚ መገዲ ንዝሓሰብናዮ፡ እንታይ ከም ዝስመዐናን ካእ ሰብ ክበጽሖ ንፈቅድ ኣለና" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ኣብ ውሽጢ ርእስኻ ዘሎ ነገራት ምስ ተፈልጠ፡ ብሓቂ ካልእ ንውልቃዊ ብሕትውና ዝዕንቅፍ ነገር ኣይተረፈን።"

እንተዀነ እዚ ንኖላንድ ዝፈጥረሉ ስግኣት ከምዘየለ እዩ ዝኣምን። ካልኦት ተመሳሰሊ ጸገም ዘለዎም ተረባሕቲ ክኾኑ እዩ ዘተስፉ።

ናቱ ስግኣት፡ ኣብ ገለ እዋናት፡ ምቁራፅ ኣጋጢሙ ከምዝነበረ፡ እንተዀነ ከምኡ ደጊሙ ከምዘይከውን ተስፋ ይገብር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ኒውራሊንክ ልዕሊ እቲ መስራቲኡ ኤሎን ምዃኑ እዩ ዘጉልሕ።

"ከም መሳርሒ ኤሎን ማስክ" ከምዘይቆጽሮ ድማ ይገልጽ።

ብፍላይ ኣብ መንግስቲ ኣመሪካ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኣካታዒ ተራ መስክ፡ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካልእ ክፋል ዓለም ከምኡ ይርእዮ ድዩ ኣይርእዮን፡ ገና ዝረአ እዩ።

እዚ መሳርሒ ኣብ ህይወት ኖላንድ ዘሕደሮ ጽልዋ ግን ኣብ ሕቶ ዘእቱ የለን።