ኣልበርት ኣንስታይን፡ ኣብ ትምህርቲ 'ሕሳብ ተሪፉ' ዝበሃል ሓቂ ድዩ?

እቲ ሓጺር ሰብኣይ፡ ጨላይን ጻዕዳን ዝሕብሩ ጸጕሪ ርእሱ ብዅሉ ኣንፈት ጐፍጒፉ ይርአ።

ጭሕሙ ነዊሕ ኰይኑ፡ ዝተዓማጸጸ ጃኬት፡ ሓጺር ካምቻን በበይኑ ካልስን ገይሩስ ብርግጽ ርኢኹሞ ኣለኹም።

ዘይፈልጦ ሰብ መሃንዘል ክመስሎ ይኽእል እዩ። እንተዀነ፡ ፍሽኽታኡን ሰሓቑን ሕያዋይ፣ ኣዕይንቱ ድማ እምብዛ ትኵር ምዃኑ ይምስክራ።

ኣብ 1955 ሓሚሙ ኣብ ፕሪስተን (ኒውጀርሲ) ዝርከብ ሆስፒታል ደቀሰ። ሕማሙ ኣብ ሰራውር መትንታት ደሙ ስለ ዝነበረ፡ መብጣሕቲ ተገይርሉ ክሓዊ ተኽእሎ እኳ እንተ ነበሮ፡ ንሱ ግን ንዅሉ ደኣ ነጸጎ።

"ብሰብ-ሰርሖ መንገዲ ዕድመይ ከናውሕ መቐረት ኣይህበንን። [ኣብዛ ዓለም] ግደይ ፈጺመ ኣለኹ፣ ዝኸደሉ ግዜ ኣኺሉ እዩ። ብምዕሩግ ኣገባብ ከኣ ክፋኖ እየ፡" በለ።

ብድሕሪኡ ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ብ18 መጋቢት 1955 ኣብ መበል 76 ዓመቱ ካብዛ ዓለም ተፈልየ - እቲ ንዓለም ዝቐየረ ሊቅ ስነፍልጠት ኣልበርት ኣንስታይን።

ዝሓለፈ ዓርቢ፡ 14 መጋቢት መዓልቲ ልደቱ ነይሩ (1879)።

እንቋዕ ተወለድካ ኣልበርት ኣንስታን!!

ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ትምህርቲ ሕሳብ ከም ዝተረፈ [ከም ዝደገመ] ይዕለለል እዩ፡ ሓቂ ድዩ?

እቲ ኣንስታይን ኣብ ፈተና ማተማቲክስ ተሪፉ ዝበሃል ኩሉ ግዜ ዝዝረብ እዩ።

ንሱ፡ ዓሞቕቲ ክልሰ-ሓሳባት ኣብ ምርዳእን ዝተጠናነጉ ግድላት ኣብ ምፍታሕን ንዅሉ ዘርምም ብቕዓት ነበሮ - ከምቲ እሾኽ ምስ ብልሓ ትፍጠር ዝብሉዎ ኣበው።

እዚ 'ተሪፉ' ዝብል ዘረባ ብህይወት እንከሎ'ውን እናሻዕ ሕቶ ይቐርበሉ ስለ ዝነበረ ኣሰልክዩዎ እዩ።

ሓደ ግዜ፡ "ቅድሚ ቈልዓ 15 ዓመት ምዃነይ 'ዲፈረንሻል' ከምኡ'ውን 'ኢንተግራል ኳልኩላስ' መሊኸ ነይረ እየ፡" ብምባል ቍጥዕ ኢሉ መለሰሎም።

ብንእስነቱ ስቕ በሃልን ኣዝዩ ሓናኽን ዝነበረ ኣንስታይን፡ ካብ ብዙሓት መዛንኡ ደንጒዩ እዩ ኣፉ ዝኸፈተ።

በዚ ወለዱ እምብዛ ስለ ዝተሻቐሉ ናብ ሕክምና ወሰዱዎ፣ ጸገም ከም ዘይብሉ ግን ተነግሮም።

ቈልዓ ከሎ ብሕጡብን ካርድታትን ተጠቒሙ ግምብታት ምህናጽን ብሒቱ ምጽዋትን የስተማቕር ነበረ።

ልዕሊ ኵሉ ድማ ጋህ ዝበለ ሸውሃት ፍልጠትን ኮፍ ኢሉ ኣብ ኣእምሮኡ ነገራት ናይ ምስኣል ልምድን ነበሮ። በዚ'ውን ወለዱ ክቱር ሻቕሎት ኣሕዲሮም ነይሮም እዮም።

ኣንስታይን ናብ ቤት ትምህርቲ ምስ ከደ፡ እቲ ንሱ ክፈልጦ ዝደሊ ስለ ዘይመሃር፡ ንሕቶታቱ ባዕሉ መልሲ ክደልየሎም ጀመረ።

መጻሕፍቲ ምጕርጓርን ሰባት ምሕታትን ድማ ዕለታዊ ተግባሩ ኰነ።

ኣብ ካልኣይ ደረጃ ምስ በጽሐ፡ ብልማድ ናይቲ ሽዑ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ተሸገረ።

ቈልዑ ሰጥ ኢሎም ብስቕታ ኮፍ ክብሉ፡ ክዳውንቶም ብግቡእ ክኽደኑን ተሰሪዖም ክስለፉን ይግደዱ ነበሩ። ንሱ ግን ወጅሃላይ እዩ ዝነበረ።

መምህራኑ ንወለዱ ጸዊዖም፡ ሕቶታት ብምሕታትን ተራኡ ከይሓለወ ብምዝራብን ዘይእዙዝ ስለ ዝዀነ፡ ንህይወቱ ዝጠቅም ነገር ይገብር ከም ዘየሎ ነገሩዎም።

እዘን ዓመታት ንዓኡ ተስፋ ዘቝርጻ እየን ዝነበራ።

ወለዱ ግን ኣብኡ ልዑል እምነት ነይሩዎም። ኣብ ሕሳብ ዘለዎ ፍቕሪ ርእዮም መጽሓፍ ጂኦሜትርያ (መጽናዕቲ ቅርጺ) ገዝእሉ፣ በታ መጽሓፍ ገይሩ ድማ ንነብሱ ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ገይሩ መሃራ።

መወዳእታኡ ካብ ቤት ትምህርቲ ተሰጐገ፣ ኣዋጠርቲ ሕቶታት ምሕታት ደም ምባል ስለ ዝኣበየን መምህራኑ 'ኣይእዘዘናን'ዩ' ስለ ዝበሉን።

ስድራኡ ካብ ጀርመን ናብ ኢጣልያ ገዓዙ፣ ናብ ኣኽራን እናተጓዕዘን ገዛእ-ርእሱ እናመሃረን ድማ ጽቡቕ ግዜ ኣሕለፈ።

ከም እኒ ኮፐርኒከስን ጋለልዮን ምስ ዝኣመሰሉ ምርኡያት ስነፍልጠተኛታት ከኣ መንገዲ መጻሕፍቶም ተላለየ።

እቶም ሊቃውንቲ ኣብ ህይወቶም ብሕብረተሰብ ግቡእ ኣልያ ከም ዘይተገብረሎም ተረድአ'ሞ፡ ንሱ'ውን ዕጫኡ ካብ ናቶም ከም ዘይፍለ ተገንዘበ።

ኣብ ዓዲ-ጥልያን ናይ መጀመርታኡ ሳይንሳዊ ጽሑፍ ጸሓፈ።

እንተዀነ፡ ኣብ ዕድመኡ ዝነበረ ሰብ ዓቢይ ሓሳብ ክህልዎ ይኽእል እዩ ኢሉ ዝኣምን ሰብ ስለ ዘይነበረ፡ ሒደት ኣቓልቦ ጥራሕ እዩ ዝረኸበ።

ካብ ኢጣልያ ናብ ዙሪኽ

ኣብ ዙሪኽ - ስዊዘርላንድ - ፊዚክስ ክመሃር ጀመረ። ኣብ ፈለማ ኣብ መርመራ ተሪፉ እዩ። እንተዀነ፡ ሓሚቑ ዘይኰነ ፈረንሳይኛ ይኽእል ስለ ዘይነበረ እዩ።

ንስዊዛውያንን ኮለጆምን እምብዛ ፈተዎም። ብርቱዓት ሕቶታት ክሓትትን ምስ መማህርቱ ብዛዕባኡ ከዋግዕን ከኣለ። ሽዑ ከኣ እዩ ነታ ንባዕላ ንፍዕቲ ሓሳቢት ዝነበረት ሚላቫ ዝተባህለት ጓለንስተይቲ ዝተላለየ። ድሒሮም'ውን ሓዳር መስረቱ።

ኣብ ቤት-ጽሕፈት እጀታ ወይ ምስክር ምህዞ ስራሕ ጀመረ። ዕማም ኣንስታይን ነቲ ምህዞታትን ምርምራትን ኣንቢቡ ምጽዳቕ'ዩ ዝነበረ። ጻንሖቱ ኣብቲ ትካል፡ "ዓመታት ሓጎሰይ" ዝብለን እዋናት ድማ ኣሕለፈ።

ኣብቲ ግዜ'ቲ ብዛዕባ ጕዕዞ ህዋን ኤለክትሪክሲቲን ዝምልከቱ ሓሙሽተ መጻሕፍቲ ኣሕተመ። ኣብ ከተማ ዙሪኽ ፍሉጥ ምስሊ ነበሮ፤ ኵሉ ሳዕ ሓደ ዓይነት ክዳን ዝለብስ፡ ዝጋፍያ ጸጕሩ ወንጨርጨር ዝበለን ምምጋብ ዝርስዕን ነበረ። ነብሱ ካብ ምሕጻብ ኣብ ዓሚቝ ሓሳብ ጥሒሉ ምስትንታን ይብርሆ።

ሰባት ብብልሑ ክፍልጡዎን ብዘስሕቕ ትርኢቱ ከለለይዎን ጀመሩ

ኣንስታን ኣዝዩ ፍሉጥ እናዀነ ከደ። መወዳእታኡ ልቡ ዝመልኣሉ ስራሕ ረኸበ - ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፊዚክስ ምምሃር። ስለዝዀነ፡ ምሉእ ግዜኡ ኣብ ምሕሳብን ምምሃርን ከሕልፎ ከኣለ።

ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ክልሰ-ሓሳባቱ፡ "ክልሰ-ሓሳብ ተዛማድነት" እዩ።

ብዘይካ ብርሃን ኵሎም ነገራት ብዝተፈላለየ ፍጥነት ከም ዝንቀሳቐሱ ይገልጽ።

ፍጥነት ምስቲ ዘለኻዮ ቦታ "ተዛማዲ እዩ" ይብል።

ነዚ ክልሰ-ሓሳብ ገለ ሰባት ምርዳኡ የጸግሞም ነበረ። ብዙሕ ሳዕ ይሕተት ስለ ዝነበረ ድማ እቲ ዋዛ ዘይፍለዮ ኣንስታይን ብኸምዚ ዝስዕብ ከረድኦም ፈተነ፤

"ምስ ሓንቲ ምልክዕቲ ጓል ንኽልተ ሰዓት ኮፍ እንተ ኢልካ፡ ሓደ ደቂቕ ዝገበርካ ይመስለካ፣ ኣብ እቶን ንሓደ ደቒቕ ኮፍ እንተ ኢልካ ድማ ክልተ ሰዓት ዝገበርካ ይመስለካ። ተዛማድነት እዚ እዩ።"

ብዙሓት ሰባት እቲ ኣብ 1921 ዝወሰዶ ስልማት ኖቤል ብኽልሰ-ሓሳብ ተዛማድነት ዝረኸቦ እዩ፤

እንተዀነ፡ እቲ ዝተዋህቦ ኣፍልጦ፡ ንብዙት ኣባላት ማሕበረሰብ ስነፍልጠት ዝዀኑ ሰባት፣ ከምኡ'ውን ንባዕሉ ኣንስታይን ከም ላግጺ ወይ ጸርፊ ኰይኑ እዩ ተሰሚዑዎም።

እቲ ካልእ ገጽ ኣንስታይን

እቲ ብልሂ ሰብ ብቐለልቲ ነገራት ይጽገም ነበረ። መብዛሕትኡ ግዜ ክወጽእ እንከሎ መፍትሕ ይርስዕ፣ ቦርሳኡ ኣበይ ከም ዘቐመጦ ይስእኖ፣ መግቢ ምብላዕ ይርስዕ። ኣብ ከባቢኡ እንታይ ይፍጸም ከም ዘሎ ኣየስተውዕል ነበረ።

ካልሲ ምምላስ ሓደ ካብቲ ዝጽልኦ ዝነበረ እዩ። ድሒሩስ'ኳ ጠቕሊሉ እውን ሓዲጉዎ።

ኣደኡ ንፍዕቲ ተጻዋቲት ፕያኖ እያ ዝነበረት። ንሱ'ውን ቫዮሊን ይጻወት እኳ እንተ ነበረ፡ ብዙሕ ተገዳስነት ግን ኣይነበሮን። ድሒሩ ናይ ሞዛርት ሙዚቃ ብዝሰምዐ ግና ተገዲሱ ሒዙዋስ መጓዕዝቲ ህይወቱ ክትከውን በቒዓ።

ድሕሪ ስነፍልጠታዊ ምርምር ኣዕዚዙ ዘፍቅሮ ጃልባ ገይርካ ኣብ ማይ ምጓዓዝ እዩ። ንምጅላብ ዘድሊ ክእለት ግን ፈጺሙ ኣይነበሮን፣ እንተ ወሓደ'ኳ ምሕንባስ ይኽእል ኣይነበረን።

ቀዳማይ ኲናት ዓለም

ኣንስታይን ናብ ጀርመን ተመሊሱ እናነበረ እንከሎ፡ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ተጀመረ።

ኲናት ኣብ ልዕሊ ሰባት እንታይ ከም ዝገብር ስለ ዝፈልጥ፡ ወተሃደራት ኣብ ጽርግያ ክጓዓዙ ምስ ረኣየ ሓዘነ።

ነቲ ኲናት ደገፉ ካብ ምሃብ ስለ ዝሓንገደ፡ መራሕቲ ጀርመን ተረበሹ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክዳጐን ይኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ ክሳዕ መወዳእታ ኣብ እምነቱ ደው በለ። ቀዳማይ ውግእ ዓለም ምስ ተዛዘመ ከኣ ኣዝዩ ተሓጐሰ።

እንተዀነ፡ ኣብ ጀርመን ካልእ ጸገማት ሰዓበ።

ኣንስታይን ኣይሁዳዊ እዩ ነይሩ። እቶም ኣብ ጀርመን ዝነበሩ ኣይሁዳውያን በቲ ዘጓንፎም ዝነበረ በደላት ክከላኸለሎም ሓተቱዎ። ድኳናቶም ክሕደጉን መጻሕፍቶ ክቃጸልን ምስ ጀመረ፡ ብዙሓት ካብ ጀርመን ክወጽኡ ተገደዱ።

እቲ ኣንጻር ናዚ ዝዛረብ ዝነበረ ኣንስታይን ዋላ'ኳ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ እንተ ወደቐ፡ ምውጻእ ኣበየ።

መራሒ ናዚ ሂትለር፡ ኣንስታይን ሰላዪን ኣብኡ ክህሉ ሓደገኛን ምዃኑ ምስ ገለጸ፡ ንሱን እታ ድሒሩ ዝተመርዓዋ ካልኣይቲ ሰበይቱ ኤልሳን ናብ ኣመሪካ ብምኻድ፡ ኣብ ኒውጀርሲ ኣብ ዝርከብ ፕሪስተን ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ስራሕ ጀመረ።

ኣንስታይን ኣብ ርእሲ'ቲ ብዙሕ ብርቂ ዝዀነ ስነፍልጠታዊ ምርምራቱ፡ ብዙሕ ዘሕስብ ጥቕስታትን ዳእላታትን እውን ሓዲጉ እዩ።

"ትምህርቲ ብዛዕባ ጭብጥታት ምምሃር ዘይኰነ፡ ኣእምሮ ንኽሓስብ ምምልማል ወይ ምዕላም እዩ።"

እዚ ጥቕሲ'ዚ፡ ዝዀነ ስርዕተ-ትምህርቲ፡ ተመሃሮ እንታይ ከም ዝሓስቡ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብኸመይ ከም ዝሓስቡ ክመሃሩ ከም ዘለዎም ዘዘኻኽር እዩ። ናቶም ሓሳብን ኵርናዕ-ጠመተን ከማዕብሉ ከነተባብዖም እምበር፡ ብልምዲ ክኸዱ ክንግድዶም የብልና።

መራሒ እስራኤል ክኽውን

ኣልበርት ኣንስታይን እስራኤላዊ ዜግነት እኳ እንተ ዘይነበሮ፡ ኣብ 1952 ካልኣይ ፕረዚደንት እስራኤል ክኸውን ዕድመ ቀረበሉ።

ኣንስታይን በቲ ጻውዒት ተገሪሙ እዩ። ነቲ ዝተዋህቦ ክብሪ ብምምስጋን፡ "ኣነ ስልጣን ክሕዝን ምስ ሰባት ብወግዓዊ መንገዲ ክራኸብን ብቕዓት የብለይን፡" ብምባል ኣበየ።