ኢንተርነት ብዛዕባና ዝእክቦ ሓበሬታ ከሰክፈና ይግባእ ድዩ? ቀሊል መምርሒ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ

ዘመናዊ ኣምር ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ካብ 1950ታት ጀሚሩ ንሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት ምሳና ዝጸንሐ’ዩ።

እንተዀነ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ጥራይ ንሓባራዊ ስነ-ኣእምሮን መዓልታዊ ምንቅስቓስናን ዝጸልዉ ምዕባለታት ተራእዮም ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ጥራይ እዚ ዓውዲ ርኡይ ምዕባለ ኣመዝጊቡ እዩ።

ኣብነት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ምስልታትን ቪድዮታትን ይፈጥር ኣሎ። ርእየት፡ ዘረባ፡ መስርሕ ተፈጥሮኣዊ ቋንቋ የለሊ፤ ካብ ሓደ ቋንቋ ናብ ካልእ ቋንቋ ይትርጕም፡ ስርዓታትን ውጥናትን የዳሉ፡ ውሳነታት ይህብ ከምኡ’ውን ንሰብ ተኪኡ ክሰርሕ ጀሚሩ እዩ።

ብተወሳኺ ኣብ ጸወታታት፡ ሕክምናዊ መርመራታት፡ ስርዓታት ሎጂስቲክስ፡ ምሕደራ ባዕለ-ዝወርቲ መኪናን ካልኦት ተግባራትን ዝምልከቱ ትእዛዝ ዝቕበሉ መተግበሪታት (ኣፕሊኬሽናት) ተቐልቂሎም ኣለዉ።

ክንዮ 2024 እውን ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ኣብ መስርሕ ንግዲ፡ ምፍራይ፡ ክንክን ጥዕና፡ ፋይናንሳዊ ኣገልግሎት፡ ዕዳጋ፡ ተመኵሮ ዓማዊል፡ ሃዋህው ሓይሊ ስራሕ፡ ትምህርቲ፡ ሕርሻ፡ ሕጊ፡ ስርዓታትን ምሕደራን ስርዓተ-ሓበሬታ ወይ ኣይቲ፡ ድሕነት ሳይበር፡ ከምኡ’ውን ኣብ መሬት፡ ኣየርን ህዋን ዝግበሩ ቀጸልቲ ምዕባለታት ቴክኖሎጂ ዘሕድሮ ጽልዋ ምቕጻሉ ኣይክተርፍን።

ስለዝዀነ፡ ሰባት ብኣጋኡ ብዛዕባ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ እኹል ግንዛበ ክህልዎም ግድን ይኸውን ኣሎ።

ሰብ-ሰርሖ ብልሒ እንታይ እዩ?

ሰብ-ሰርሖ ብልሒ፡ ምስ ብልሒ ደቂ ሰባት ምትእስሳር ዘለዎም ዕማማት ንምፍጻም ዝሕግዙ ስርዓታት ኮምፒተር እዮም።

እዞም ስርዓታት፡ መረድኢታት ብምእካብ ንናይ ገዛእ ርእሶም ውሳነታት ሞዴል ዝገብሩ ቅዲታት ብምእላሽ እንታይ ከምዝፍጽሙ ይመሃሩ።

ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት፡ ነዚ መስርሕ ትምህርቲ ዝቈጻጸርዎ ደቂ ሰባት ኰይኖም ጽቡቕ ውሳነታት የተባብዑን ሕማቕ ውሳነታት ድማ ክድረት ይገብሩን። እንተዀነ ብዘይ ክትትል ደቂ ሰባት ንኽመሃሩ ዝተዳለዉ ስርዓታት ሰብ-ሰርሖ ብልሒታት’ውን ኣለዉ።

ምስ ግዜ ስርዓታት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ፡ ብግልጺ ፕሮግራም ከይተገብረሎም ኣፈጻጽማ ፍሉያት ዕማማት እናመሓየሹ ምስ ሓደስቲ እታዎታት ክላመዱን ውሳነታት ክውስኑን ይኽእሉ። ብመሰረቱ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ፡ ማሽናት ከም ደቂ ሰባት ክሓስቡን ክመሃሩን ዘኽእል ኰይኑ፡ ዕላማኡ ድማ ስራሕ ኣውቶማቲክ ክኸውን ብምግባርን ጸገማት ብዝበለጸ ብብቕዓት መፍትሒ ክረኽቡ ምሕጋዝ’ዩ።

ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ብኸመይ ይምሃር?

ቀንዲ ናይ ኵሉ ትምህርቲ ማሽን ስልጠና (training) ዝበሃል መስርሕ’ዩ። ሓደ ፕሮግራም ኮምፒተር ብዙሕ መረድኢታት ይወሃቦ፤ ሓደ-ሓደ ግዜ እንታይነት እቶም መረድኢታት ዝሕብሩ መግለጺታትን እኵብ መምርሒታት ክረክብ ይግበር።

እቲ መምርሒ ንኣብነት "ኵሎም ገጻት ዝሓዙ ምስልታት ድለይ" ወይ፡ "ነዞም ድምጽታት ብምድብ ከፋፍል" ዝብል ክኸውን ይኽእል።

ብድሕሪኡ ኣብቲ ዝተዋህቦ መረድኢታት ነቲ ዕማመ ክፍጽም ዘኽእልዎ ቅዲታት ይእልሽ።

ኣብቲ መስርሕ ገለ መአረምታ ከድልዮ ይኽእል እዩ፤ ይዅን’ምበር እቲ ፕሮግራም ኮምፕዩተር ካብቲ መረድኢታትን ዝወሃቦ ኣመታት ዝመሃሮ ነገር ሞዴል ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ይኸውን። እቲ ናይ ስልጠና መስርሕ ድማ ዓቕሚ’ቲ ፕሮግራም ብምግላጽ ይዛዘም።

እዚ መስርሕ ስልጠና ምስ ምዕባለ እንስሳታት ዝመሳሰል’ዩ።

ኣብ ውሽጢ ሚልዮናት ዓመታት ተፈጥሮኣዊ ሃዋህው፡ እንስሳታት ፍሉይ ክእለት ከማዕብሉ ሓጊዝዎም እዩ፤ ብተመሳሳሊ መንገዲ ሓደ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ብመንገዲ ናይ ስልጠና መረድኢታቱ ዝገብሮ ሚልዮናት ዑደታት ኣገባብ ምምዕባሉ ንኽቐርጽ የኽእሎ። እዚ ድማ ናብ ፍሉያት ሞዴላት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ የምርሕ።

ቻትቦት እንታይ እዩ?

ቻትቦት ቅሩብ ከም ፓፓጋሎ ገይርና ክንሓስቦ ንኽእል። ልክዕ ከም ፓፓጋሎ ቀዳሒ’ዩ፤ ዝሰምዖም ቃላት ነቲ ዓውዲ ብመጠኑ ተገንዚቡ ግን ከኣ ምሉእ ትርጕሞም ከይተረድአ ክደግሞም ይኽእል - ዋላ'ኳ ብዝያዳ ዝተራቐቐ ደረጃ እንተዀነ። ስለዚ ድማ ቻትቦት ምስቶም ዝጸሓፉ ቃላት ዘለና ርክብ ንምቕያር ተቓሪቡ ኣሎ።

ቻትቦት ግን ብኸመይ’ዩ ምጽሓፍ ክፈልጥ ዝኽእል?

ቻትቦት፡ ብዓበይቲ ሞዴላት ቋንቋ (Large Language Models ወይ LLMs) ዝፍለጥ ዓይነት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ኰይኑ፡ ብኣዝዩ ብዙሕ ጽሑፋት ድማ ዝሰልጠነ እዩ።

ሓደ ዓቢ ሞዴል ቋንቋ ንውልቃዊ ቃላት ጥራይ ዘይኰነስ ምሉእ ሓረጋት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ሓደ ጽሑፍ ዘሉ ኣጠቓቕማ ቃላትን ሓረጋትን ምስቶም ኣብ ኵሉ ናይ ስልጠና መረድኢታቱ ዝርከቡ ካልኦት ኣብነታት ከነጻጽር ይኽእል።

ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ንጽጽራት ቃላትን ሓረጋትን ተጠቒሙ፡ ዝቐረበሉ ሕቶ ተረዲኡ መልሲ ከስዕብ ይኽእል።

እቲ ዘገርም ነገር፡ ዓበይቲ ሞዴላት ቋንቋ ብዘይ ሓገዝ ሰብ፡ ሕጊታት ሰዋስውን ኣጠቓቕማ ቃላትን ብኸመይ ኣብ ቅኑዕ ዓውዲ ከምዝጥቀምሉ ክምሃሩ ይኽእሉ እዮም።

ምስ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ክዘራረብ ይኽእል’ዶ?

ኣብ ሞባይልኩም ዝርከቡ ስርዓታት ምልላይ ድምጺ ትጥቀሙ እንተዄንኩም፡ ድሮ ምስ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ክትዘራረቡ ጸኒሕኹም ኣለኹም ማለት እዩ።

ንእሽቶ ፍልልያት ድምጺ ንምስማዕ ዓበይቲ ኣእዛና እትጥቀም ማንቲለ ሕሰቡ። ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ከምኡ’ዩ።

ክትዛረቡ እንከለኹም ነቶም ድምጽታት ይምዝግቦም፤ ኣብ ድሕረ ባይታ ዘለዉ ድምጽታት የወግድ፡ ነቲ ዘረባኹም ብኣሃዱታት ድምጺ ይፈላልዮም። ድሕሪኡ ምስ ኣብ ቤተ-መጻሕፍቱ ዝርከቡ ድምጽታት ቋንቋ የዛምዶም።

ድሕሪኡ ኣብ ምስማዕ ዝዀነ ጌጋታት እንተሃልዩ፡ ቅድሚ መልሲ ምሃቡ ምእንቲ ክእረም፡ ዘረባኹም ናብ ጽሑፍ ይቕየር።

እዚ ዓይነት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ተፈጥሮኣዊ መስርሕ ቋንቋ ተባሂሉ ይፍለጥ።

ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ስእሊ ይርድኦ ድዩ?

ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ብሞባይልና ብዙሕ ንስእል ኢና። ግን እቶም ኣሳእል ኣብ ሞባይልና ብኸመይ ከምዝቕመጡ ኣስተብሂልኩም ዶ ትፈልጡ?

ብፍላይ ስማርት ሞባይላት ነዞም ኣሳእል፡ ንኣብነት ከም "ኣብ ገማግም ባሕሪ" ወይ "ኣብ ወጋሕ ትበል ለይቲ" ዝኣመሰሉ ኣስማት ዘለዎም ማህደራት እየን ዝእክብኦም።

እዚ ማለት መብዛሕትና ከይተረድኣና ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ክንጥቀም ከምዝጸናሕና እዩ ዘመልክት። ሓደ ናይ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ‘ኣልጎሪዝም’ ኣብ ስእልታትኩም ዘለዉ ቅጥዒታት ብምልላይ ኣሳእልኩም ብጕጅለ ብጕጅለ ኣቐሚጡልኩም አሎ ማለት እዩ።

ኣልጎሪዝም፡ ንሓደ ነገር ንምፍታሕ ወይ ንምክትታል ዝሕግዝ ኣገባብ ወይ ሕሳባዊ ሕጊታት ክኸውን እንከሎ፡ ከምዚኦም ዝበሉ ኣገባባት ኵሎም ቀሊል መግለጺ ብዘለዎም ሚልዮናት ኣሳእል ብምርኣይ ክስልጥኑ ዝተገብሩ እዮም።

ንሓደ ምስሊ-ዘለሊ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ "ብሽክለታ" ዝብል ስያመ ዘለዎም እኹል ምስልታት እንተሂብክምዎ፡ ብሽክለታ እንታይ ከምእትመስልን ካብ ጃልባ ወይ መኪና ብኸመይ ከምእትፍለን ክግንዘብ ይጅምር ማለት’ዩ።

ተመሳሳሊ ዓይነት ኣልጎሪዝም ብሕክምናዊ መርመራታት ሰልጢኖም ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ሕበጥ ከለልዩ ይኽእሉ’ዮም።

ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ብኸመይ ሓደስቲ ኣሳእል የዳሉ?

ኣብ ቀረባ እዋን ስእሊ ምልላይ ናብ ሞዴላት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ሰሪጹ ኣሎ፤ እዞም ሞዴላት ድማ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ቅጥዒታትን ሕብርታትን ተማሂሮም እዮም።

እዞም ምስሊ ዝፈጥሩ ሰብ-ሰርሖ ብልሒታት፡ ነቲ ካብ ሚልዮናት ኣሳእልን ቅብኢታትን ዝእክብዎ ዝተሓላለኸ ስእላዊ ቅዲ ናብ ፍጹም ሓድሽ ምስሊ ክቕይርዎ ይኽእሉ።

ሓደ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ፡ ዝዀነ ኣጋጢሙ ዘይፈልጥ ነገር ኣመልኪቱ ስእላዊ ምስሊ ክፈጥር ክትሕትዎ ትኽእሉ ኢኹም፤ ንኣብነት ኣብ ልዕሊ ማርስ ዝኸይድ ሰብ ስእሊ ክኸውን ይኽእል።

ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ኣሳእል ሰብ-ሰርሖ ብልሒን ከምኡ’ውን ስርሓት ሓቀኛታት ስነጥበባውያን፡ ዲዛይነራትን ሰኣልትን ብዝምልከት ስነ-ምግባራዊ ሕቶ ክለዓል ጀሚሩ ኣሎ።

ብዛዕባ ባዕለ-ዘወርቲ መካይን’ከ?

ባዕለ-ዘወርቲ መካይን ንዓሰርተታት ዓመታት ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ዙርያ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝካየድ ዘሎ ዕላል ኰይነን ክለዓላ ጸኒሐን እየን። ሳይንሳዊ ልቢ-ወለድ ድማ ኣብ ህዝባዊ ምናነ ኣዐሪይወን ኣሎ።

እዘን መካይን ካሜራታት፡ ራዳርን ርሕቀት ዘለሊ ሌዘር (ብፍሉይ ብልሓት ዝምንጩ ጸዳል) ዝተገጥመለንን ብርእሰን ዝመሓደራን እየን።

ምስ መራሕ-ማይ ነነጻጽረን። ርእየት 360 ዲግሪ ኣለዎ፤ እዚ ምስቶም ኣብ ኣኽናፉ ዘለዉ ህዋሳት (ሴንሰርስ) ብሓባር ኣብ ምብራርን ምንቅስቓስን ቀጻሊ ምትዕርራይ ንኽገብርን ይሕግዝዎ።

ብተመሳሳሊ መንገዲ፡ ሞዴል ሰብ-ሰርሖ ብልሒ፡ ነቲ ካብ ሰንሰራት ዝመጽእ መረድኢታት ተጠቒሙ፡ ነገራት ከለሊ፡ ይንቀሳቐሱ ድዮም ኣይንቀሳቐሱን፡ ከምኡ’ውን ዝንቀሳቐሱ እንተዀይኖም ድማ መኪና፡ ብሽክለታ፡ ኣጋር ወይ ካልኦት ተንቀሳቐስቲ ነገራት ምዃኖምን ክፈልጥ ይኽእል’ዩ።

ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ብዛዕባይ እንታይ ይፈልጥ?

ገለ ሰብ-ሰርሖ ብልሒታት ምስ ቍጽርታት ጥራይ ዝተኣሳሰሩ እዮም፤ ቍጽርታት ብምእካብን ብምውህሃድን ኣመና ልዑል ረብሓ ክህልዎም ዝኽእሉ ብዙሕ ሓበሬታታት ይፈጥሩ።

ብፍላይ እቶም ኣብ ኢንተርነት፡ ድሮ ፋይናንሳውን ማሕበራውን ተግባራትኩም ዝምልከቱ ሓያሎ ሓበሬታታት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። እዞም ሓበሬታታት ድማ ብዛዕባ ባህርያትኩም ንምትንባይ ክውዕሉ ይኽእሉ።

ዓማዊል ዝዀንኩምሎም ሱፐርማርኬታት ብዕድጊታትኩም ኣቢለን ልምድታትኩምን ድሌታትኩምን ይከታተላ። ናይ ልቓሕ ትካላት ኣብ ባንክ ዘለኩም ገንዘብን ዕዳን ይከታተላ።

ኔትፍሊክስን ኣማዞንን ኣብ ሓደ ምሸት ክንደይ ሰዓታት ፊልም ከምዝረኣኹም ይምዝግቡ። ማሕበራዊ ሚድያ ኣካውንትኹም ሎሚ ኣብ ክንደይ ቪድዮታት ርእይቶ ከምዝሃብኩም ይፈልጡ እዮም።

ሞዴላት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ እዞም ሓበሬታታት ተጠቒሞም ብዛዕባ ማሕበራዊ ዝንባለታት ከለልዩን ኣብ ዕዳጋ ልዑል ተራ ክጻወቱን ተኽእሎ ኣሎ። ኣየኖት መወዓውዒታት ብኢንተርነት ከም እትርእዮ ይመርጹ፡ ክንደይ ልቓሕ ከምእትረኽቡ ኣብ ምውሳን ይሕግዙ።

ስለዚ ሞዴላት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ድሮ ኣብ ህይወትኩም ጽልዋ የሕድሩ ኣለዉ።

ኣብ ቀጻሊ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ኵሉ ነገር ክሰርሕ ይኽእል ድዩ?

ገለ ካብዞም ክእለታት ኣብ ሓደ፡ ድቀ-ባህርያዊ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ሞዴል ምውህሃድ ይከኣል ድዩ? እዚ ሓደ ካብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝተራእዩ ምዕባለታት’ዩ።

እዚ ማልቲሞዳል (ብዙሓት መስርሓት፡ ኣገባባት ወይ ሜላታት) ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ይበሃል፤ ሓደ ሞዴል ከም ምስሊ፡ ጽሑፍ፡ ድምጺ ወይ ቪድዮ ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መረድኢታት ክምርምርን ኣብ መንጐኦም ሓደስቲ ቅዲታት ክረክብን የኽእሎ።

እዚ ኣገባብ እዚ፡ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ ኣብ ቻትጂፒቲ ዝተራእየ ምዕባለ ዓቕሚ እዩ።

ዝዀነ ዓይነት መረድኢታት ከሰላስልን ስለዚ ድማ ካብ ኣብ መንጎ ቋንቋታት ምትርጓም ክሳብ ሓደስቲ መድሃኒታት ምምሃዝ ዝዀነ ይዅን ዕማም ክፍጽምን ዝኽእል ሓደ ሞዴል ሰብ-ሰርሖ ብልሒ፡ ሰብ-ሰርሖ ሓፈሻዊ ብልሒ (AGI) ተባሂሉ ይፍለጥ።

ሓደ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ብኸመይ ይስልጥን?

ክሳብ ቀረባ እዋን እቲ ቀንዲ መስርሕ ስልጠና፡ መብዛሕትኦም ሰብ-ሰርሖ ብልሒታት "ቍጽጽር ዝግበረሉ ትምህርቲ" ክረኽቡ ምግባር እዩ ነይሩ።

ሰፊሕ እኩባት መረዳኢታት ስልጠና ብደቂ ሰባት ተለልዮም ይወሃቡ፤ እቲ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ድማ ኣብቲ መረድኢታት ዘሎ ቅዲታት ከለሊ ይሕተት።

ብድሕሪኡ እቲ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ነዞም ቅዲታት ኣብ ገለ ሓደስቲ መረድኢታት ከተግብሮምን ብዛዕባ ቅኑዕነቱ ግብረ መልሲ ክህብን ይሕተት።

ንኣብነት ንሓደ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ሽዱሽተ "መኪና" ሽዱሽተ ድማ "ቫን" ብዝብል ዝተሰመዩ ደርዘን ኣሳእል ሃብዎ።

ቀጺሉ እቲ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ነተን መካይንን ቫንን ኣብ ክልተ ጕጅለ ዝሰርዕ ስእላዊ ቅዲ ከዳሉ ትነግርዎ።

ብድሕሪኡ ነዛ ስእሊ ኣብ ሓደ ምድብ ክሰርዕ እንተተሓቲቱ እንታይ ዝኸውን ይመስለኩም?

እቲ ዘሕዝን፡ እቲ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ እዛ መኪና ቫን ክትመስሎ ትኽእል’ያ።

ቀጺሉ ነዛ ስእሊ ኣርእይዎ።

ሽዑ እዚኣ መኪና ከምዝዀነት ይነግረኩም።

እንታይ ከም ዝተጋገየ ኣዝዩ ንጹር’ዩ።

እቲ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ፡ ካብቲ ዝሰልጠነሉ ውሱን ቁጽሪ ኣሳእል፡ መካይንን ቫንን ንምፍላይ ሕብሪ ዝብለጸ መንገዲ ምዃኑ ወሲኑ ነይሩ ማለት’ዩ።

እቲ ዘገርም ነገር እቲ ናይ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ፕሮግራም ባዕሉ ከምኡ ምውሳኑ እዩ - ውሳነኡ ድማ ከስተኻኽል ክንሕግዞ ንኽእል ኢና።

ነቶም ክልተ ሓደስቲ ነገራት ብጌጋ ከምዘለለዮም ብምንጋር ኣብቶም ኣሳእል ሓድሽ ቅዲ ንኽረክብ ነኽእሎ።

ብተወሳኺ ዝያዳ ዝተፈላለየ ኣሳእል ብምሃብ ኣብ መረድኢታት ስልጠናና ዘሎ ወገናውነት ምእራም ይከኣል እዩ።

ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ብኸመይ ንገዛእ ርእሱ ክምህር ይኽእል?

ቍጽጽር ዝግበረሉ ትምህርቲ ንምእማኑ ዘጸግም ሓያል ኣገባብ ስልጠና እዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝተራእዩ ብዙሓት ስርሒታት ግን ቁጽጽር ብዘይግበረሉ ትምህርቲ እዮም ተኻይዶም።

ብዝቐለለ ኣዘራርባ፡ ኣጠቓቕማ ዝተሓላለኹ ኣልጎሪዝምን ሰፋሕቲ እኩባት መረድኢታትን እቲ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ብዘይ ዝዀነ ሰብኣዊ መምርሒ ክመሃር የኽእልዎ ኣለዉ።

ኣብዚ ድማ ቻትጂፒቲ እቲ ዝያዳ ፍሉጥ ኣብነት ክኸውን ይኽእል።

ኣብ ኢንተርነትን ኣብ ዲጂታላይዝድ መጻሕፍትን ዘሎ መጠን ጽሑፋት ኣዝዩ ሰፊሕ ብምዃኑ፡ ንነዊሕ ኣዋርሕ ቻትጂፒቲ ንባዕሉ ቃላት ብትርጉም ዘለዎ መንገዲ ከመይ ከምዘዋሃህድ ክመሃር ክኢሉ እዩ፤ ብድሕሪኡ ደቂ ሰባት መልስታቱ ንምጽራይ ሓጊዞም።

ቻትጂፒቲ ኣብ ርክብ ቃላት ዓሚቝ ትንተና ብምግባር ዓቢ ስታቲስቲካዊ ሞዴል ይሃንጽ፤ ነዚ ድማ ብድሕሪኡ ትንበያታት ንምግባርን ሓደስቲ ሓረጋት ንምፍራይን ይጥቀመሉ።

ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ከጨንቐኒ ዝግባእ ነገር ድዩ?

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሞዴላት ዓሚቝ ትምህርቲ ዝተራእዩ ቅልጡፍ ምዕባለታት፡ ኣብ መጻኢ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ስክፍታታት ዘለዎ ዝያዳ ህዝባዊ ምትእስሳር ከምዝፈጥር ገይሩ’ዩ።

ከም ዓሌታዊ፡ ጾታዊ ኣድልዎን ዓመጽን ዘመልክቱ ዘረባታት ዝኣመሰሉ ካብ ኢንተርነት ዝእከብ መረድኢታት ስልጠና፡ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ንሰብኣዊ ኣድልዎታት ንክደግም ዝመርሓሉ ኣገባብ ኣመልኪቱ ብዙሕ ዘተ ተኻይዱ እዩ።

ሰብ-ሰርሖ ብልሒ፡ ንስነ-ምግባር ወይ ተግባራቱ ዘለዎም ሰፊሕ ትርጕም ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግምት ከየእተወ ጸገማት ንምፍታሕ ዕማም ክወሃቦ ይኽእል እዩ ዝብል እውን ካልእ ስክፍታ ዝፈጥር ነገር እዩ። ምኽንያቱ ኣብቲ መስርሕ ሓድሽ ጸገማት ክፈጥር ተኽእሎ ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ ዓንኬላት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ እዚ ኵነታት እዚ "paperclip maximiser problem" ተባሂሉ ተሰምዩ ኣሎ፤ እዚ ስያመ ድሕሪ እቲ ፈላስፋ ኒክ ቦስትሮም ዘካየዶ ናይ ሓሳብ ፈተነ ዝመጸ እዩ።

ቦስትሮም፡ ብዝተኻእለ መጠን ብዙሓት ወረቐት ክሊፕ ክፈጥር ዝተሓተተ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ሓሲቡ፡ እዚ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ኣብዛ ፕላነት ዘሎ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ቀስ ብቐስ ኣረሳሲዑ ተልእኾኡ ንምፍጻም ክጥቀመሉ ዝገብር ስለዝዀነ ንወረቐት ክሊፕ ዝያዳ እታወ ንምርካብ ንደቂ ሰባት ምቕታል ዝርከብዎም ስጕምቲታት ክወስድ ይኽእል’ዩ።

ካልኦት ድማ፡ ኣብ መጻኢ ኣብ ቀተልቲ ሰብ-ሰርሖ ብልሒታት ካብ ምትኳር፡ ዝያዳ ክንሓስብ ዘለና ሰባት ነቶም ዘለዉ መሳርሒታት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ተጠቒሞም ኣብ ፖለቲካ ዘሎ ዘይምትእምማንን ጥርጣረ መራኸቢ ብዙሃን ንክብርኽ ከይገብሩ ምዃኑ ይምጕቱ።

ብፍላይ ኣዒንቲ ዓለም ኣብ 2024 ኣብ ኣመሪካ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ይጥምታ ኣለዋ፤ እዚ ድማ መረጽትን ፖለቲካዊ ውድባትን ንሓድሽ ደረጃ ዝተራቐቐ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብኸመይ ከምዝጻወሩ ንምርኣይ ዝዓለመ እዩ።

ማሕበራዊ መራኸቢታት ንዝተፈላለየ ጕጅለ መረጽቲ ንምሕራቕ ብሰብ-ሰርሖ ብልሒ ብዝተዳለዉ ናይ ሓሶት ቪድዮታት ሕጹያት ፕረዚደንት እንተዕለቕሊቑ እንታይ ክፍጠር ይኽእል?

ሕብረት ኣውሮጳ ንኣወፋሪ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ብምቁጽጻር መሰላት ዜጋታቱ ንምሕላው ዝሕግዝ ሕጊ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ የዳልው ኣሎ፤ ንኣብነት፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኣብ ሓቀኛ ግዜ ሰባት ንምክትታል ወይ ንምልላይ ዝሕግዝ መለለዪ ገጽ ምጥቃም ምእጋድ የጠቓልል።

እዚኦም ካብቶም ኣብ ዓለምና ንመጻኢ ኣጠቓቕማ እዞም ቴክኖሎጂታት መምርሒታት ዘቐመጡ ቀዳሞት ሕጊታት እዮም፤ እንተዀነ፡ ዓቕሚ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ናይ መወዳእታ ሕጊታት ክዀኑ’ዮም ኢልካ ምሕሳብ ኣጸጋሚ እዩ።