ጽቡቕ ክስምዓካ ዝገብሩ ሓሙሽተ ምንቅስቓስ ኣካላት

ሓደ ሓደ መዓልቲ ኣሎ፡ ጽዕንዕን ይብለካ፣ ይስልክየካ - ካብ መዳቕሶኻ ተንስእ ኣይመጽኣካን።

መግቢ ንምብላዕ እኳ ስራሕ ኰይኑ ይስምዓካ። ሓይሊ ትስእን፣ ውድቕ ዝበለ ስምዒት ይወረካ፣ ኵነተ-ኣምሮኻ ይቀያየር።

እቲ ጽቡቕ ዜና ግን እንሆ፤ ድኻም ዝስምዓካ ዝበዝሕ ግዜ ብሰንኪ ጸቕጢ'ምበር፡ ብሕማም ኣይኰነን።

ካብዚ ዘለኻዮ ወጺእካ ጽቡቕ ክስምዓካ ይኽእል እዩ።

ጽባሕ ንግሆ በርሃው ዝበለ ግዜ ከም ዝመጽእ ከቶ ክንርስዖ የብልናን።

ከም ሰብ፡ ንመንፈስካ ክብ ከብሎን ንሓይልኻ ብተስፋ ክመልኦን ዝሕግዙ ነጥብታት ኣለዉ።

እዞም ዝስዕቡ ኣንብቡ እሞ፡ ተጠቐሙሎም።

እዚ ብወዲ ተባዕታይ ተተሪዅ ዘሎ ጽሑፍ ንዅሉ ጾታ ዝምልከት እዩ።

መግቢ እንተ ረኺብካ ከም ንእሽቶ ምንቅስቓስ ኣካላት ገይርካ ርኣዮ።

ኣብ 2019 ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ሃርቫርድ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ምሉእ መዓልቲ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ተደማሚሮም ግሩም ዝዀነ ፍረ ኣለዎም።

ክብድ ዝበለ ምንቅስቓስ ኣካላት ባህታ ዝህበካ እንተዀይኑ'ውን ቀጽሎ።

ብዝተረፈ ግን ካብ መዳቕሶኻ ተንሲእካ ብእግርኻ ምዝዋር ጥራሕ'ኳ ብዙሕ ክሕግዘካ እዩ።

ስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ፤ ጸቕጢ ከጕድል፡ ስምዒትካ ከማሓይሽ፡ ካብ ቃዝኖት ክከላኸለልካን ካብ ሻቕሎት ከናግፈካን ይኽእል እዩ።

ኣብ ካናዳ ከተማ ቫንኮቨር ንጥዕና ልቢ ዘጽንዕ ፕሮፌሰር ስኮት ሊር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ዝበለጸ ምንቅስቓስ ኣካላት፡ እቲ ትፈትዎ ምንቅስቓስ ኣካላት ምዃኑ ይገልጽ።

"መብዛሕትኡ እቲ ብዛዕባ ምንቅስቓስ ኣካላትን ስምዒትን ዝግበር መጽናዕቲ፡ ኣብ ማእከላይ ምንቅስቓስ ኣካላት ዘተኰረ እዩ። እቶም ኣብዝሓ ግዜ ንቝሕ ኵነተ-ኣእምሮ ዝውንኑ ሰባት፡ ከም ቃዝኖትን ሻቕሎትን ዝኣመሰሉ ናይ ኣእምሮ ጥዕናዊ ጸገማት ክህልዎም ተኽእሎኡ ትሑት እዩ።"

ንነገራት ኣቕሊልካ ምርኣይ'ውን ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ፕሮፌሰር ሊር፡ "ምንቅስቓስ ኣካላት ንምግባር፡ ትህኪትን ተበግሶ ዘይምውሳድን ክስምዓኒ ይኽእል እዩ። ሓንሳብ ምስ ገበርኩዎ ግን ዝያዳ ንቝሕን ሕጕስን ዝዀንኩ ኰይኑ እስምዓኒ፡" ይውስኽ።

ዋላ ንዓሰርተ ደቒቕ ጥራሕ እተካይዳ ምንቅስቓስ፡ ለውጢ ከተመጽእ ትኽእል እያ።

"ብራቕ ጸሓየይ ክርኢ ኣብቅዓኒ"

ጀምስ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት፡ ኲናት ኣብ ዝርከቦ ክፋል ኣፍሪቃ እዩ ዝሰርሕ ዝነበረ።

መርመራ ኣብ ዝገበረሉ፡ ድሕሪ ስንባደ ዝስዕብ ጸቕጢ (PTSD) ከም ዘለዎ ብዝተረጋገጸ ስራሕ ከቋራጽ ተገዲዱ።

ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ኣብ ለንደን እናነበረ ደቁ የዕቢ ኣሎ።

ኣእምሮኡ እወታዊ ኵነት ምእንቲ ክህሉዎ ከኣ ዕለታዊ ናብ ጅምናዝዮም ይኸይድ።

"ስራሕ ኣልቦ ሰብ መዐንደሪ ድያብሎስ እዩ ዝኸውን። እተዘውትሮ ስሩዕ ልምዲ እንተ ዘይብልካ፡ ኣሉታውያን ስምዒታት እዮም ዝገዝኡኻ፡" ይብል።

ጀምስ ኣብ ጅምናዝዮም እናኸድካ ምስራሕ ኣሰልካዪ ኰይኑ እኳ እንተ ረኸቦ፡ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕናኡ ንምሕላው ግን ኣገዳሲ ምዃኑ ይኣምን።

ካብቲ ምስልካይ ናይ ጅም ንምግልጋል ድማ፡ "[ኣብቲ ጅም እናሰራሕኩ] ፖድካስ እሰምዕ። ምሉእ ብምሉእ ምዝናይ ኣይስምዓንን እዩ። እንተዀነ፡ ካብቲ ዕለታዊ ጽዕንቶ ንምንጋፍ ንግዜይ ብገለ ገይረ ክመልኦ ኣለኒ፡" ይብል።

ምንቅስቓስ ኣካላትዶ መድሃኒት?

ፕሮፌሰር ሊር ቅድሚ መድሃኒት ምጥቃምካ ምንቅስቓስ ኣካላት ክትፍትን ይመክር፣ "ኣካላዊ ምንቅስቓስ ልክዕ ከም ጸረ-ጭንቀት መድሃኒታት፡ ምልክታት ጸቕጢ ንምጕዳል ውጽኢታዊ እዩ፡" ይብል።

ኣብ ካራቺ ፓኪስታን እትነብር ራብያ ኣጋ ዝተባህለት ቴራፒስት፡ ምንቅስቓስ ኣካላት ካብ መድሃኒታት ጭንቀት ንላዕሊ ኣብ ስምዒታዊ ጸገማት ኣዝዩ ዝሓሸ ክሕግዝ ከም ዝኽእል ትኣምን።

ብዙሓት ሰባት ኣብ ክንዲ ናብ ክኢላታት ስነ-ልቦና (psychologists) ናብ ሓካይም ስነ-ኣእምሮ (psychiatrists) ከም ዝኸዱን፡ መድሃኒት ጥራይ ከም ዝወሃቦምን ንቢቢሲ ትገልጽ።

"ንዅነተ-ኣእምሮኦም ክብ ዘብል ነገር ይደልዩ። ታሕጓስ ንኽስምዖም ቅልጡፍ ፍታሕ ይደልዩ፡" ይብል።

ራብያ ኣጋ፡ "ምንቅስቓስ ኣካላት ከምቲ መድሃኒት ዝፈጥረልካ ስምዒት ክህበካ ይኽእል እዩ፡" ትብል'ሞ፡ እኳ ደኣ ምንቅስቓስ ኣካላት ዝፈጥረልካ ጽቡቕ ስምዒት ንነዊሕ እዋን ከም ዝጸንሕ ትገልጽ።

ኣብ ኒውዮርክ ዝሰርሕ ካብ ቬንዙዌላ ዝመጽአት ሓኪም ጥዕና ኣእምሮ ፔኪ ማርኬዝ፡ መድሃኒት ምስ ምንቅስቓስ ኣካላት ተላፊኑ ጽቡቕ ክሰርሕ ከም ዝኽእል ትኣምን። "ኵለንተናዊ ኣቀራርባ ዝተኸተለ ክኸውን ኣለዎ፡" ትብል።

ገለ ጭንቀት ዘለዎም ዓማዊላ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ሓጋዚ ኰይኑ ከም ዝረኸቡዎ፣ ብድሕሪኡ መድሃኒት ምስ ፈተኑ'ውን እወታዊ ውጽኢት ከም ዘምጽኣሎም ትዛረብ።

"ብድሕሪኡ መድሃኒቶም ከጕድሉ ይኽእሉ፣ ሽዑ'ውን ጽቡቕ ክስምዖም ይኽእል'ዩ፡" ትውስኽ።

ኵነተ-ኣእምሮኻ ንምምሕያሽ ዝሕግዙ ሓሙሽተ ምንቅስቓሳት

1. ኤሮቢካዊ ምንቅስቓስ ኣካላት

ከም ብእግሪ ምጕዓዝ፡ ምጕያይ፡ ብሽክለታ ምዝዋርን ምሕንባስን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት፡ ስምዒታት ቃዝኖትን ሻቕሎትን ንምንካይ ክሕግዙ ይኽእሉ።

ዋላ ን15 ደቓይቕ ጥራሕ ምጕያይ ወይ ንሓደ ሰዓት ቅልጥፍ-ቅልጥፍ እናበልካ ምጓዓዝ ንመንፈስካ ከበርኽ ይኽእል እዩ። ንልብኻን ንጕልበትካን'ውን ጽቡቕ እዩ።

ካብ 20 ክሳብ 30 ደቓይቕ ዝወስድ ኤሮቢካ ምስራሕ፡ ንሰዓታት ከህድኣካ ከም ዝኽእል መጽናዕትታት ይሕብሩ።

ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክትገብር ከለኻ፡ ኣሉታውያን ሓሳባት ካብ ኣእምሮኻ ክርሕቁ ይሕግዘካን ነቲ ቀንዲ ናይ ጸቕጢ ሆርሞን ዝዀነ ኮርቲሶል የጕድሎን።

ልዑል መጠን ኮርቲሶል ሽኮር-ደም ክውስኽን ንስርዓተ ምክልኻል ሕማምካ ክጕድእን ይኽእል።

ኣካላዊ ምንቅስቓስ እውን ኣድሪናሊን ይውስኽ፣ ዝያዳ ጸዓት ይህበካ።

ከምኡ'ውን ኢንዶርፊን የፍሪ፣ እዚ ድማ ዝያዳ ሓጐስ ዝስምዓካ ተፈጥሮኣዊ መቐነሲ ቃንዛ እዩ።

2. ሓይሊ ወይ ጥንካረ ዝህብ ምንቅስቓስ

ሓይሊ ንምርካብ ዝግበር ልምምድ፡ ከም ምልዓል ክብደት ወይ ፑሽ-ኣፕ ምግባር፡ ስምዒታት ጭንቀት ንምንካይ፡ ርእሰ ተኣማንነት ንምዕባይ፣ ከምኡ'ውን፡ ሓፈሻዊ ጥዕና፡ ኣቃውማ፡ ከምኡ'ውን ጸቕጢ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ንምምሕያሽ ክሕግዝ ይኽእል።

ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ምግባር ሴሮቶኒን ይለቅቕ፣ እዚ ድማ ስምዒት ንምቍጽጻርን ዝያዳ ንምዝናይን ይሕግዝ።

ብተወሳኺ፡ ንቕዛነትን ሻቕሎትን ንምንካይ ክሕግዝ ዝኽእል ኢንዶርፊን ይውስኽ።

እዚ ረብሓታት'ዚ ምእንቲ ክስምዓካ፡ ኣብ ክንዲ ሳሕቲ ምንቅስቓስ ኣካላት ምዝውታር፡ ብስሩዕ መንገዲ ልምምዳት ምግባር ኣገዳሲ'ዩ።

3. ዮጋን ልምምድ ኣእምሮን ኣካልን

ዮጋን ታይ ቺን ንኽትዛነን ጸቕጢ ክትቅንስን ዝሕግዙ ብሉጻት ሜላታት እዮም።

ካብ 60 ክሳዕ 90 ደቓይቕ፡ ኣብ ሰሙን ካብ ክልተ ክሳዕ ሰለስተ ግዜ ምልምማድ፡ መጠን ኮርቲሶል ከጕድልን ህድኣትን ዝያዳ ነብሰ-ቍጽጽርን ክስምዓካን ይኽእል።

4. ኣብ ሓጺር ግዜ ዝግበር ጽዑቕ ምንቅስቓስ

እትገብሮ ምንቅስቓስ ኣብ ሓጺር ግዜን ልዑል ውጽኢት ዘለዎን ክዀነልካ እንተ ደሊኻ፡ ጽዑቕ ምንቅስቓስ ግበር።

ወግዓውያን ናይ መጽናዕቲ ኣካላት ከም ዝሕብሩዎ፡ እቲ ኣብ 75 ደቓይቕ እትገብሮ ጽዑቕ ምንቅስቓስ፡ ነቲ ን150 ደቓይቕ እትከብሮ ማእከላይ ምንቅስቓስ ክትክኦ ይኽእል።

ኣብ ሓጺር ግዜን ቅልጡፍ ውጽኢት ዘመጽእን ስለ ዝዀነ ተፈታዊ እዩ።

5. ዕለታዊ ምንቅስቓስ

ከም መደያይቦ (ኣስካላ-ኣስካላ) ምድያብ፡ ምጕዓዝ ወይ ስራሕ ገዛ ዝኣመሰሉ ቀለልቲ ንጥፈታት ምዝውታር፡ ንጡፍ ክትከውን ክሕግዙኻ ይኽእሉ።

እንተ ወሓደ ን15 ደቓይቕ ጽዑቕ ምንቅስቓስ ወይ ንሓደ ሰዓት ዝቐለለ ምንቅስቓስ ኣካላት ምግባር፡ ንተጠቃዕነት ጭንቀት ከጕድሎ ይኽእል።

ኣብ ዕለታዊ ልምድኻ ንኣሽቱ ለውጢታት ምትእትታው ኣገዳሲ እዩ።

ኮፍ ኢልካ ትሰርሕ እንተዄንካ ደው ምባል፡ ኣብ እዋን ዕረፍቲ ኣካላትካ ምዝርጋሕ፡ ኣብ ክንዲ መኪና ምዝዋር ብእግርኻ ምጕዓዝ ዝኣመሰሉ ንጥፈታት፡ ክትንቀሳቐስ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

ንጀመርቲ ወይ ድኻም ዝስምዖም፡ ንኣሽቱን ንጹራትን ሽቶታት ክውጥኑ ዝበለጸ እዩ።

ንኣብነት፡ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ፡ ንሓሙሽተ ደቓይቕ ብእግሪ ምጓዓዝ።

ስፖርት ክትሰርሕ ከለካ ምሳኻ ሓቢሩ ዝሰርሕ ብጻይ ክህልወካ ከይትሰላኸይ ድርኺት ይፈጥረልካ እዩ።

ብዓቢኡ ድማ ነፍሲ-ወከፍ እትወስዶ ንእሽቶ ስጕምቲ፡ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣይትረስዕ። ርእሰ-ተኣማንነትካ ንምህናጽ ይሕግዝ።

ብናይ ገዛእ ርእስኻ ፍጥነት ኪድ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ጽባሕ ንግሆ ክትሕይል ስለ ዝሕግዘካ።

ነቲ በብደረጃኡ እትበጽሖ ድማ ንነብስኻ 'ኣገናዕ' በላ፣ ንኣዳ።