እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል፡ ድሕሪ ኲናት ኣብ ልዕሊ ቓዛ ክህሉ'ዩ ዝበሎ ውጥን ዕላዊ ገይሩ
ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራአል፡ ኣብ ሞንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ምስ ኣብቅዐ፡ ኣብ መጻኢ ምምሕዳር ቓዛ ብዛዕባ ዝህሉ ውጥናት ኣቕሪቡ።
ዮኣቭ ጋላንት ከም ዝበሎ፡ ድሕሪ እቲ ኲናት ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ውሱን መሪሕነት ፍልስጤም ክህሉ እዩ ኢሉ።
ካብዚ ብዝሰገረ ሓማስ ንቓዛ ከም ዘይቈጻጸሮን እስራኤል ድማ ሓፈሻዊ ቁጽጽር ጸጥታ ቓዛ ክትዕቅብን ምዃና ኣመልኪቱ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ዳግም ናብቲ ዞባ ክገይሽ ምዃኑን ምስ ኣብ ዌስት ባንክ ዝርከቡ ሰብ መዚ ፍልስጤምን መራሕቲ እስራኤልን ክዘራረብ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።
ኣብዚ ሰሙን፡ ላዕለዋይ መራሒ ሓማስ ሳልሕ ኣል-ኣሮሪ ኣብ ርእሰ ከተማ ሊባኖስ ቤይሩት ከም ዝተቐትለ ይፍለጥ።
እስራኤል በዚ መጥቃዕቲ እኳ እንተተኸሰሰት ክሳብ ሕጂ ግን ኣብ ጉዳይ እቲ መጥቃዕቲ ኢድ ከም ዘለዋ ኣይገለጸትን ወይ ንዝቐርበላ ዘሎ ክሲ ኣይነጸገትን።
ብመሰረት እቲ ሚኒስትር ጋላንት ዘቕረቦ "ኣርባዕተ ኵርናዕ" ውጥን፡ እስራኤል ሓፈሻዊ ጸጥቃ ቓዛ ክትቈጻጸሮ እያ።
ካብ ብዙሓት ሃገራት ዝተወጻጽአ ሓይሊ ድማ፡ ኣብ ዳግመ ህንጸት እቲ ብደብዳባት እስራኤል ዝስዓበ መጠን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ክወስድ እዩ።
ጐረቤት ሃገር ግብጺ፡ ኣብዚ መደብ ክሳብ ሕጂ ዘይተነጸረ እጃም ክህልዋ ምዃኑ ተገሊጹ።
ይኹን'ምበር፡ እቲ ግዝኣት ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት ናይ ፍልስጤማውያን ክኸውን ክብል እቲ ሰነድ ይሕብር።
"ነበርቲ ቓዛ ፍልስጤማውያን'ዮም፤ ስለዚ ኣንጻር እስራኤል ስግኣት ክዀኑ ዘይኽእሉ ወይ ተጻባኢ ተግባራት ዘይብሎም ፍልስጤማውያን ኣካላት ሓላፍነት ክህልዎም'ዩ" ኢሉ እቲ ሚኒስትር።
እዚ መደብ፡ ኣብ ኣኼባ ካቢኔ እስራኤል ብዕምቈም ኣይተዘተየሉን፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ቤንጃሚን ኔታንያሁን'ውን ርኢይቶ ኣይሃበሉን።
ገለ የማናውያን ኣባላት መንግስቲ ኔታንያሁ፡ ዜጋታት ፍልስጤም ካብ ቓዛ ወጺኦም ክስደዱ ኣለዎም ይብሉ። ኣብቲ ግዝኣት ድማ ህንጸት ኣባይቲ ኣይሁድ ክካየድ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቦም ነይሮም።
እንተዀነ፡ እዚ ሓሳብ ሃገራት እቲ ዞባን ገለ መሓዙት ሃገራት እስራኤልን ዘይቕቡል እዩ ብምባል ነጺገንኦ እየን።
እቲ ሕጂ ብሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል ዝቐረበ እማመ ክሰርሕ ዝኽእል'ዩ ዝብል ርኢይቶታት እኳ እንተሃለው፡ እቲ ኲናት ምስ ኣብቅዐ ነበርቲ ቓዛ ሙሉእ ቑጽጽር እቲ ግዝኣት ክሕዙ ኣለዎም ብዝብሉ ፍልስጤማውያን ክነጽጉዎ ከም ዝኽእሉ ይግመት።
ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ክሳብ ሕጂ ቓዛ ብኸመይ ክመሓደር ኣለዎ ዝብል ወግዓዊ ዝርዝር ሓበሬታታት ኣይሃበን ዘሎ።
እቲ ኲናት፡ ሓማስ ሙሉእ ንሙሉእ ንምስባር ዕላማ ገይሩ ንኣዋርሕ ክቕጽል ምዃኑ ጥራይ'ዩ ኣአንፊቱ።
ሚኒስትር ጋላንት፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ሰሜን ወሽመጥ ቓዛ ደብዳባት፣ ምዕናው ጋለሪያታትን ናይ መሬት መጥቃዕትን ዝርከቡዎም ስጉምታት ክወስድ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።
ኣብ ደቡብ ድማ፡ መራሕቲ ሓማስ ምህዳንን ጅሆ ተታሒዞም ዝተወስዱ ምድሓንን ክቕጽል እዩ ክብል ሓቢሩ።
ትማሊ፡ ሰራዊት እስራኤል ከተማታት ቓዛን ካን ዮኑስን ሓዊሱ ኣብ ሰሜንን ደቡብን ቓዛ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ይዝከር።
ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ወሽመጥ ቓዛ 125 ሰባት ተቐቲሎም ይብል። ክሳብ ሕጂ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ቓዛ ልዕሊ 22 ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይግለጽ።
እቲ ኲናት፡ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ዕጡቓት ሓማስ ካብ ጋዛ ወጺኦም 1200 እስራኤላውያን ምስ ቀተሉን ልዕሊ 200 ሰባት ጅሆ ሒዞም ምስ ወሰዱን'ዩ ተወሊዑ።