እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕዝቦላህ ኣብ ልዕሊ ቀተልቲ ምክትል ሓላፊ ሓማስ ሳላሕ ኣልኣሮሪ ሕነ ከምዝፈዲ ገሊጹ
መራሒ ሕዝቡላህ ሓሰን ነስረላህ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ካብ ልሉያትን ምክትል ሓላፊ ሓማስን ሳላሕ ኣልኣሮሪ ኣብ በይሩት ዝተፈጸመ ቅትለት “ብዘይም መቕጻዕቲ ኣይክሕለፍን’ዩ” ኢሉ።
እስራኤል ክሳብ ሕጂ ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመቶ ሓላፍነት ኣይወሰደትን ዘላ።
ማዕከናት ዜና ሊባኖስ፡ ሳላሕ ኣልኣሮሪ ኣብ ደቡባዊ ክፋል በይሩት ብመጥቃዕቲ ድሮን ሻውዓይ ርእሱ ከምዝተቐተለ ኣቃሊሐን።
ካብቶም ዝተቐተሉ እቶም ክልተ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ሓማስ ክዀኑ እንከለዉ፡ እቶም ኣርባዕተ ኣባላት ሓማስ ምዃኖም’ውን እተን ማዕከናት ዜና ኣጋዊሐን።
ወሃቢ ቃል እስራኤል ማርክ ረገቭ፡ እቲ ቅንጸላ ብእስራኤል ከምዝተፈጸመ ከየነጸረ፡ “እቲ ተግባር ዝፈጸመ ይፈጽሞ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ከምዘይተፈጸመ ክፍለጥ ኣለዎ” ክብል ብረቡዕ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ወሃቢ ቃል፡ “እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሕዝቦላህ ዝተፈጸመ’ውን ኣይኰነን፤ ዝገበረ ይግበሮ እቲ ስርሒት ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ሓማስ’ዩ ተፈጺሙ፤ ብተግባራት ሓማስ ዝተቐረጸ’ዩ ፈጺምዎ፡ እዚ ኣዝዩ ንጹር’ዩ” ኢሉ።
መራሒ ሕዝቡላህ ሓሰን ነስረላህ ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ቅትለት ሳላሕ ኣልኣሮሪ፡ “ኣዝዩ ዓቢ ገበን’ዩ፡ ብፍጹም ከኣ ስቕ ኢልና ኣይክንሓልፎን ኢና” ኢሉ።
እቲ ሓላፊ፡ “እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ መጥቃዕቲ ካብ ፈጸመት ድሕሪ ሕጂ ሕጊ ኣይክህሉን’ዩ፡ ንሕና ንኲናት ኣይንፈርሕን ኢና፤ እቶም ምሳና ኣብ ኲናት ክጽመዱ ዝሓስቡ ዘለዉ ከኣ ብሓሳቦም ወትሩ ክጥዓሱ’ዮም፡ እቲ ምሳና ዝካየድ ኲናት ከቢድ ዋጋ’ዩ ከኽፍሎም” ኢሉ።
እቲ ሓላፊ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሊባኖስ ዝፍጸም ዝዀነ ዓይነት መጥቃዕቲ ቀይሕ መስመር ከምዝሰገረ ገይሮም ከምዝሓስብዎ ጠቒሱ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ምስ ሓማስ ጥቡቕ ርክብ ዘሎዎ ሕዝቦላህ ልክዕ ከም ሓማስ ብእስራኤል፡ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራትን ከም ግብረሽበራዊ ጕጅለ’ዩ ዝፍለጥ።
ሕዝቡላህ ኣብ ሊባኖስ ዝሓያለ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ሓይሊ ጕጅለ ኰይኑ፡ ኣብ መሓዉር መንግስቲ ክሳብ ቦታ ሚኒስተራት ዝሓዙ ኣባላት ኣለዉዎ።
ሳላሕ ኣልኣሮሪ ኣብቲ ሓደ ካብ ክንፍታት ሓማስ ዝዀነ ብርጌድ ቐሳም ኣዝዩ ወሳኒ ሰብ ከምዝነበረን፡ ምስ ቀንዲ ሓላፊ ሓማስ ኢስማዒል ሃኒያ ኣዝዩ ጥቡቕ ርክብ ከምዝነበሮን ይፍለጥ።
ሳላሕ ኣልኣሮሪ ኣብ ሊባኖስ ዓስኪሩ ኣብ መንጐ ሓማስን ሕዝቡላህን ዘሎ ርክብ ኣብ ምድልዳል ክሰርሕ ምጽንሑ ይግለጽ።
ኣብ ሊባኖስ ዝመደበሩን ምስ ሓማስ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎን ሓይሊ ሕዝቡላህ’ውን ንሓማስ ዘለዎ ደገፍን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘለዎ ተቓውሞን ንምርኣይ፡ ናብ እስራኤል ሓያለ ሮኬታት ክትኩስ ጸኒሑ’ዩ።
ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ ወገን ሊባኖስ ሓያለ ሚሳይላት ከምዝተተኮሶምን ዶቦም ኣጽኒዖም ይከላኸሉ ከምዘለዉን ብምግላጽ፡ ኣብቲ ምስ ሊባኖስ ዘዳውቦም መስመር ሓያለ ጸረ-ሚሳይላት ተኺሎም ከምዘለዉ ሓቢሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ፡ መራሕቲ ሓማስ ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ክቕተሉ ምዃኖም ክፍክር ጸኒሑ’ዩ።
ሳላሕ ኣልኣሮሪ’ውን ከም ላዕለዋይ ሓላፊ ሓማስ ኣብ ምዕራባዊ ገማግምን ነቲ ኵሉ ኣብኡ ዝፍጸም መጥቃዕትታት ንሱ ከምዝማእክሎ ማዕከናት ዜና እስራኤል ክገልጻ ጸኒሐን’የን።
ንሱ ነቲ ኣብ 2014 ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ሰለስተ እስራኤላውያን ኮተቴ ዝተጨወይሉን ዝተቐተልሉን ስርሒት ከምዝመርሐን፡ ቅድሚ ሕጂ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣብ ትሕቲ እስራኤል ተኣሲሩ ምንባሩን’ዩ ዝግለጽ።
ብዘይካ’ዚ ንሱ ሓደ ካብቶም ምስ ኢራንን ምስ ሕዝቡላህን ጥቡቕ ርክብ ዘለዎም መራሕቲ ሓማስ ከምዝዀነ እስራኤል ትገልጽ።
ሳላሕ ኣልኣሮሪ፡ ኣመሪካ’ውን ካብ 2018 ኣብ ጸሊም መዝገብ ብምስፋር ክትደልዮ ዝጸንሓት ሓላፊ ሓማስ ኰይኑ፡ ንሱ ኣብ ዘለዎ ዝሓበረ ሰብ 5 ሚልዮን ዶላር ግንዖ ከምእትህብ ክትገልጽ ጸኒሓ’ያ።
ኣብ ጥሮታ ትርከብ እስራኤላዊት ኮሎኔል ሚሪ ኢሲን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት፡ “ሳላሕ ኣልኣሮሪ ኣብ በይሩት ዳህያ’ዩ ክነብር ጸኒሑ፤ እዚ ከኣ ኣብ መንጐ ሕዝቡላህን ሓማስን ዘሎ ጥቡቕ ርክብ ዘርኢ’ዩ” ኢላ።
እቲ ሳላሕ ኣልኣሮሪ ዝተቐተለሉ ከባቢ ዳህያ ዝበሃል ኰይኑ፡ ነባሪ እቲ ከባቢ ዕሉል ደጋፊ ሕዝቡላህ ምዃኑ’ዩ ዝንገር።
ኢራን ብመንገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢኣ ኣቢላ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ንቅተለት ሳላሕ ኣልኣሮሪ ብምኹናን፡ እቲ ቅትለት “ግብረሽበራዊ ስርሒት’ዩ” ብምባል ገሊጻቶ።
ሓማስ ብወገኑ፡ ብሰንኪ ቅትለት ሓላፊኡ ጅሆ ንዝተተሓዙ ንምፍታሕ ብመንጐኝነት ቐጠርን ግብጽን ክግበር ዝጸንሓ ዘተ ደው ከምዘበሎ ንኽልቲኤን ኣሸማገልቲ ሃገራት ኣፍሊጥወን ኣሎ።
7 ጥቅምቲ ዕጡቓት ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍናው መብዛሕትኦም ሰለማውያን ሰባት ዝዀኑ ኣስታት 1200 ብምቕታል ኣስታት 240 ጅሆ ድሕሪ ምሓዞም’ያ እስራኤል፡ ንሓማስ ንምጥፋእ ኣብ ቓዛ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕትታት ተካይድ ኣላ።
ካብ 7 ጥቅምቲ ክሳብ ሕጂ መብዛሕትኦም ቈልዓ ሰበይቲ ዝዀኑ ልዕሊ 22 ሽሕ ፍልስጤማውያን ብደብዳባት እስራኤል ተቐቲሎም ከምዘለዉ’ውን ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይሕብር።
ካብቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ እቶም 105 ኣብ መወዳእታ ሕዳር ተበጺሑ ብዝነበረ ናይ ሽዱሽተ መዓልታት ስምምዕ ደውታ ኲናት ነጻ ክወጽኡ ከምዝኽኣሉ ይዝከር።