እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣንጸላልዩ ዘሎ ስግኣትን ሳዕቤናቱን እንታይ እዩ?
ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ኣብ ቓዛ ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ኲናትን፡ እቶም ንሓማስ ደገፎም ዘገለጹ ዕጡቓት ሑቲ የመን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሮኬታትን ተጠቒሞም ኣብ ልዕሊ ብወጻእተኛታት ዝውነና፡ ብመስመር ቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ መራኽብ መጥቃዕቶም ኣሐይሎም ይቕጽልዎ ኣለዉ።
ብዘይካዚ ናብ እስራኤል ዝቐንዐ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን እውን ክተኩሱ ጸኒሖም እዮም።
ኣመሪካ ብሰኑይ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ተመራሒ-ሚሳይል ተጠቒማ፡ 14 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከምዘውደቐት ኣፍሊጣ።
ዓበይቲ ኩባንያታት መራኽብ፡ ኣብ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ዘካይዳ'ኦ ንጥፈታት ደው ከም ዘበላ ኣብ ዝገልጻሉ ዘለዋ እዋን፡ ዓቢይ ትካል ነዳዲ ብሪትሽ ፔትሮልየም (ቢፒ) ተመሳሳሊ ስጕምቲ ከም ዝወስድ ኣፍሊጡ።
እዚ ውሳነ ዝተፈላለያ ኩባንያታት መራኽብ፡ እቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ የመን፡ ብፍላይ ናብ እስራኤል ዝጓዓዛ መራኽብ ዒላማ ብምግባር ኣብዚ መስመር መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም እዩ።
ቀይሕ ባሕሪ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ መስመራት ጽዕነትን ነዳድን ዓለም እዩ።
ብዙሓት ትካላት ጽዕነት እቲ መጥቃዕቲ እናቐጸለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ጕዕዞአን ከምዘቋረጻ ይፍለጥ።
እቲ ዝዓበየ ጕጅለ መራኽብ ዓለም ዝዀነ ኩባንያ መራኽብ ማእከላይ ባሕሪ (MSC) መራኽቡ፡ ካብቲ ሓደገኛ እናዀነ ዝመጽእ ዘሎ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ክርሕቃ ምዃነን ኣፍሊጡ።
ደንማርካዊ ትካል ማርስክን፡ ኩባንያ መጓዓዝያ ጀርመን፡ ሃፓግ-ሎይድን ብቐይሕ ባሕሪ ዝገብራኦ ጕዕዞ ደው ድህሪ ምባለን፡ ፈረንሳዊ ኩባንያ መራኽብ ሲኤምኤ ሲጂኤም እውን ተመሳሳሊ ስጕምቲ ከም ዝወሰደ ይፍለጥ።
ትካል ብሪጣንያ፡ ምጕዕዓዝ ነዳዲ ደው ከምዘብል ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣሜሪካ ኣብቲ መስመር ንዝርከባ መራኽብ ካብ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ዓለምለኻዊ ስርሒት ሓይሊ ባሕሪ ክትመርሕ ምዃና ኣፍሊጣ’ላ።
ኣብዚ ጕጅለ ጸጥታ ዝጽንበራ ሃገራት ድማ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ካናዳ፡ ፈረንሳ፡ ባሕሬን፡ ኖርወይን ስጳኛን ይርከብአን።
ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ቀረባ እዋን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ካብ የመን ዝብገስ ሸለልትነት ዝመልኦ መጥቃዕቲ ሑቲ ንናጻ ዋሕዚ ንግዲ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ፤ ንንጹሃት ባሕረኛታት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ዓለምለኻዊ ሕጊ ዝጥሕስን'ዩ" ኢሉ።
ብሪቲሽ ፔትሮልየም (ቢፒ) ነቲ " ውሳነ ምቍራጽ ኣብ ቀጻሊ ዳግመ ግምት" ከምዘቐምጦን ንምዕባለታት እቲ ዞባ ከምዝከታተሎን ገሊጹ’ሎ።
ካልኦት ዓበይቲ ትካላት ነዳዲ ነዚ ውሳነ እንተተኸቲለን ዋጋ ነዳዲ ዓለም ክውስኽ ከምዝኽእል ተንተንቲ ይሕብሩ። ትማሊ ሰኑይ ዋጋ ነዳዲ ልዑል ዝነበረ ኰይኑ ብዓለምለኻዊ መዐቀኒ ‘ብሬንት’ ናይ 2.6 ሚእታዊት ወሰኽ ብምርኣይ ዋጋ ሓደ በርሚል ኣስታት 79 ዶላር ውዒሉ።
"ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ጽልዋ ክሳብ ክንደይ ርኡይ ከምዝኸውን ንጹር ኣይኮነን" ይብል ኣብ ኢዩርኤስያ ግሩፕ ዝተባህለ ትካል ምሁር ታሪኽ ነዳዲን ተንታኒን ግሪጎሪ ብሪው።
ኣስዒቡ "ተወሰኽቲ ኩባንያታት መራኽብ ጕዕዞአን እንተቐይረን እቲ ምትእጉጓል ልዕሊ ሓደ ወይ ክልተ ሰሙን እንተጸኒሑን ዋጋታት ዝያዳ ክድይብ ተኽእሎ ኣሎ" ኢሉ።
ኩባንያታት ጽዕነት መራኽብ ስርሐን የቋርጻ
ኣብ መስመር ቀይሕ-ባሕሪ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ምኽንያት ብምግባር፡ ኩባንያ መራኽብ ኤምኤስሲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኵነታት እቲ ከባቢ ኣመና ከቢድ ከምዘሎ ጠቒሱ።
እዚ ኩባንያ ኣብ መግለጺኡ፡ ጸዓኒት ኮንተይነር መርከብ ‘MSC PALATIUM III’ ብዓርቢ ብቀይሕ ባሕሪ ኣብ እትሓልፈሉ ዝነበረት እዋን ብሑቲ ከም ዝተጠቕዐት ብምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት እታ መርከብ ዝዀነ ጕድኣት’ኳ እንተዘይወረደ፡ እታ መርከብ ግን ካብ ኣገልግሎት ወጺኣ ከምዝነበረት ኣፍሊጡ።
ከም ሳዕቤን'ዚ፡ መራኽብ እቲ ኩባንያ ብመንገዲ ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ኣፍሪቃ ዝርከብ ‘ኬፕ ኦፍ ጉድ ሆፕ’ ኣቢለን መገደን ክቕይራ ከምዝተገደዳ ተፈሊጡ። እዚ ከኣ ኣብ ጉዕዞአን ኣስታት 10 መዓልታት ክውስኽን ሚልዮናት ዶላር ተወሳኺ ወጻኢ ከሓትትን ይኽእል።
እቲ ኣብ ዓለም ሳልሳይ ዝዓበየ ኩባንያ መራኽብ ዝዀነ ትካል ሲኤምኤ ሲጂኤም ኣብ መግለጺኡ፡ ኵለን እተን ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ መራኽቡ፡ “ናብ ውሑስ ቦታታት ክእለያን፡ ተወሳኺ ምልክታ ክሳብ ዝወሃብ ድማ ኣብ ውሑስ ማያት ደው ኢለን ክጸንሓን" መምርሒ ከምዝሃበ ገሊጹ።
ካልኣይ ዝዓበየ ትካል መራኽብ ዓለም ዝዀነ ማርስክ እውን፡ ነቲ ኵነታት “ዘሰክፍ” ክብል ገሊጽዎ።
እቲ ትካል ብዓርቢ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ትማሊ [ብሓሙስ] ኣብ ልዕሊ መርከብ ማርስክ ጂብራልታር ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ፍጻመን ሎሚ [ዓርቢ] ድማ ካልእ ኣብ ልዕሊ መርከብ ኮንተይነር ድሕሪ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ፡ ኵለን እተን ብመጻብቦ ባብ ኤል-መንደብ ክሓልፋ ዝግደዳ ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ መራኽብ ማርስክ፡ ተወሳኺ መምርሒ ክሳብ ዝወሃበን ጕዕዞአን ደው ከብላ መምርሒ ሂብና ኣለና” ኢሉ።
እተን ሕጂ ኣብቲ መስመር ስርሐን ደው ከም ዘበላ ዝገልጻ ዘለዋ ኣርባዕተ ኩባንያታት፡ ካብተን ኣብ ዓለም ዘለዋ ሓሙሽተ ቀዳሞት ኩባንያታት ኰይነን፡ ክኢላታት መራኽብ እዚ ውሳነ ብዙሕ ወጻኢታት ከስዕብ ምዃኑ ይዛረቡ።
“ነታ መርከብ ንባዕላ፡ ንሰራሕተኛታትን ንፖሊሲታት መድሕን ዝኽፈል ወጻኢታት ክዓቢ እዩ፤ እዚ ድማ ኣብ ደረጃ ስቶክ፡ ኣብ ወጻኢታትን መርበብ ቀረባትን ከቢድ ጽልዋ ክህልዎ'ዩ፡" ትብል ሱ ተርፒሎውስኪ ካብ ትካል ሎጂስቲክስን መጓዓዝያን።
እዚ ተወሳኺ ወጻኢታት ሰራሕተኛታት፡ ነዳዲን መድሕንን ኵሉ ተደማሚሩ ድማ ናብ ተጠቀምቲ ክጸዓን ተኽእሎ ከምዘሎ ጋዜጠኛ ቢዝነስ ቢቢሲ ቪቪያን ኑኒስ ትገልጽ።
ኣብ መንጐ የመን ኣብ ሓውሲ ደሴት ዓረብ፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣፍሪቃ ድማ ንኤርትራን ጅቡቲን ዝሓልፍ መጻብቦ ባብ ኤልመንደብ - ኣፍደገ ንብዓት ዝበሃል - 32 ኪ.ሜ ስፍሓት ዘለዎ መስመር ኰይኑ፡ ብሓደገኛነቱ እዩ ዝፍለጥ።
እዚ መስመር ኣብ ሓደጋ እንተወዲቝ...?
እዚ መስመር፡ መራኽብ ካብ ደቡብ ናብ ሰሜን - መትረብ ስወዝ ዝበጽሓሉ ዓቢ መስመር ማይ እዩ። እዚ ኣብ ሓደጋ ምውድቕ ማለት፡ መራኽብ ንደቡብ ኣፍሪቃ ገጸን ተዓጺፈን ኣዝዩ ዝነውሐ መስመራት ክጓዓዛ ኣለወን ማለት እዩ።
እዚ ድማ ኣብ ዋጋ ኣቝሑን ነዳዲን ከቢድ ጸቕጢ ብምፍጣር፡ ኵነታት መነባብሮ ከካድድ ከምዝኽእል ብኣጋ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።
እዚ መስመር ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ዓመት ኣስታት 17 ሽሕ መራኽብን 10 ሚእታዊ ዓለማዊ ንግድን የተኣናግድ። ዝዀነት ካብን ናብን መትረብ ስወዝ - ህንዳዊ ውቅያኖስ እትሓልፍ መርከብ በዚ መንገዲ ክትሓልፍ ኣለዋ።
ቀይሕ ባሕሪ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ኣገደስቲ መስመራት ጽዕነት ነዳድን ፈሳሲ ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ከምኡ’ውን ሃለኽቲ ኣቑሑት እዩ።
ትንታነ ‘ኤስ ኤንድ ፒ ግሎባል ማርኬት ኢንተለጀንስ’ ከምዘመልክቶ፡ ዳርጋ 15 ሚእታዊት ካብቶም ናብ ኣውሮጳ፡ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ዝኣትዉ ኣቑሑት ካብ ኤስያን ወሽመጥን ብባሕሪ ዝለኣኹ እዮም።
እዚ ድማ 21.5 ሚእታዊት ዝተጻረየ ነዳዲን ልዕሊ 13 ሚእታዊት ዘይተጻረየ ነዳድን የጠቓልል።
“ዋላ'ኳ እዚ ናይ ሎሚ ምትእጉጓላት ኣብቲ ጽዑቕ ምንቅስቓስ መራኽብ ዝረኣየሉ ወቕቲ ይፍጠር እንተዘይሃለወ፡ ኣብ ሃለኽቲ ኣቑሑት ዝዓበየ ጽልዋ ከጋጥም'ዩ፤ ይብል ክሪስ ሮጀርስ ካብ ኤስ ኤንድ ፒ ግሎባል ማርኬት ኢንተለጀንስ።
ብሰኑይ ሓደ ካብ ዓበይቲ ትካላት መራኽብ ዓለም ዝኾነ ኤቨርግሪን ላይን፡ ድሕሪ ደጊም ብቐይሕ ባሕሪ ኣቢሉ ጽዕነት እስራኤል ከምዘየጓዓዕዝ ገሊጹ’ሎ።
ቢቢሲ ዝረኣዮ እዋናዊ ሓበሬታ ኤቨርግሪን ላይን "ንውሕስነት መራኽብን ሰራሕተኛታትን ክብል ትካልና ንግዚኡ ጽዕነት እስራኤል ምቕባል ከቋርጽ ወሲኑ። መራኽብ ኮንተይነር ድማ ተወሳኺ መምርሒ ክሳብ ዝወሃበን ብቀይሕ ባሕሪ ኣቢለን ምጕዓዝ ከቋርጻ ተሓቢርወን ኣሎ” ይብል።