ደቡብ ኣፍሪቃ ንእስራኤል ‘ብተግባራት ዓሌት ምጽናት' ከሲሳታ

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ "ተግባራት ዓሌት ምጽናት" ትፍጽም ኣላ ብዝብል ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክሲ ኣቕሪባ።

እቲ ክሲ እስራኤል ኣብ ትሕቲ ኮንቬንሽን ዓሌት ምጽናት ዝተነጸሩ ውዕላት ጢሒሳ ዝብል ከምዝኾነ መጋባእያ ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ።

እስራኤል ነቲ ክሲ "መሰረት ዘይብሉ" ኢላ ብትሪ ነጺጋቶ።

"እስራኤል ነቲ ብደቡብ ኣፍሪቃ ዝተዘርግሐ ጸለመ ትነጽጎ" ክብል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ሆላንድ ኣብ ዝርከብ ሄግ ዝመደበሩ ዓለም ለኻዊ መጋባእያ ገበናት ቀንዲ መፈጸሚ ሕጋዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት እዩ።

ኣብ መንጎ ሃገራት ንዝፍጠር ዘይምርድዳእ ይፈትሕን ኣብ ኣህጉራዊ ሕጋዊ ጉዳያት ማዕዳዊ ርእይቶታት ዝህብን’ዩ።

ድሕሪ'ቲ ናብ መጋባእያ ገበን ዘቕረበቶ ሕቶ ስዒቡ፡ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እታ ሃገር "ጃምላዊ ቅትለት ከይፍጸም" ናይ ምክልኻል ግዴታ ከምዘለዋ ጠቒሱ።

"ደቡብ ኣፍሪቃ ብሰንኪ እቲ እስራኤል ‘ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ’ እትጥቀሞ ዘላ ሓይልን ብኣስገዳድ ዝግበር ዘሎ ምዝንባል ነበርትን ስዒቡ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰለማውያን ሰባት ዘስምዕዎ ናይ ብጽሑልና ኣውያት ተሻቒልና" ኢሉ።

"ካብዚ ብተወሳኺ፡ ከም ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበናት ኲናትን ዝኣመሰሉ ኣህጉራዊ ገበናት ይፍጸሙ ከምዘለዉ ቀጻሊ ጸብጻባት ከምዘለዉ ብምጥቃስ ምስ ምጽናት ዓሌት ወይ ተዛመድቲ ገበናት ዝዳረጉ ተግባራት ክፍጸሙ ከምዝኽእሉን ዝገልጽ ጸብጻባት ኣሎ።" ክብል ሓቢሩ።

እቲ 84 ገጻት ዝሓዘ ሰነድ፡ "ተግባራት እስራኤል" "ብባህሪኦም ምጽናት ዓሌት ምዃኖም፡ ምኽንያቱ ንብዙሕ ክፋል ሃገራዊ፡ ዓሌታውን ብሄራውን ጉጅለ ፍልስጤም ንምጥፋእ ዝዓለመ'ዩ" ዝብል ይርከቦ።

እቲ ንዓለም ለኻዊ መጋባእያ ገበን ዝቐረበ መመልከቲ፡ ዝመጽእ ሰሙን መስርሕ ፍርዲ ክካየድ ዝሓትት ኮይኑ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ኩሉ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ከተቋርጽ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ "ግዝያዊ ስጉምትታት" ብቤት ፍርዲ ክሕብሩ ይሓትት።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ሊዮር ሃይያት፡ እዚ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘቕረበቶ ክሲ “መነወርን ንዕቐት ዝተመልኦን’ዩ ዝበለ ኮይኑ “ግዜ ቤት ፍርዲ ዘባኽን’ዩ”ኢሉ።

እቲ ወሃቢ ቃል ኣስዒቡ ደቡብ ኣፍሪቃ "ምስ ሓደ ንሃገረ እስራኤል ንምጥፋእ ዝጽውዕ ዘሎ ራዕዳዊ ጉጅለ ትተሓባበር ኣላ" ብምባል ሓማስ "ኣብ ቓዛ ንዝርከቡ ፍልስጤማውያን ከም መከላኸሊ ብምጥቃምን ሰብኣዊ ሓገዛት ብምስራቕን ንዝበጽሖም ስቓይ ተሓታቲ'ዩ"ኢሉ።

ሚስተር ሃይያት፡ "እስራኤል ኣህጉራዊ ሕጊ ንምኽባር ውፍይትን ብመሰረት እዚ ትሰርሕን እያ፡ ወተሃደራዊ ጻዕርታታ ድማ ኣንጻር ግብረሽበራዊ ሓማስን ካልኦት ምስ ሓማስ ዝተሓባበሩ ግብረሽበራውያን ትካላትን ጥራይ ዘቕንዐ’የ" ኢሉ።

"እስራኤል ነበርቲ ቓዛ ጸላእታ ከምዘይኮኑ ብንጹር ገሊጻ'ያ፡ ኣብቶም ተሳትፎ ዘይብሎም ሰባት ድማ ጉድኣት ንምንካይን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ቓዛ ክኣቱ ንምፍቃድን ኩሉ ጻዕሪ ትገብር ኣላ።" ክብል ተዛሪቡ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ንወተሃደራዊ ስርሒት እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣዕርያ ክትነቅፍ ጸኒሓ እያ።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር ንኹሎም ዲፕሎማሰኛታታ ካብ እስራኤል ጸዊዓቶም። እስራኤል ብግዲኣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝነበረ ኣምባሳደራ ካብ ፕሪቶርያ ጸዊዓቶ።

ብዘይካ’ዚ ሃገራዊ ባይቶ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ እስራኤል ዘለዎ ኩሉ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ደው ክብል ኣድሚጹ እኳ እንተነበረ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ግን ክሳብ ሕጂ ነቲ ድምጺ ብወግዒ መልሲ ኣይሃበን።

ደቡብ ኣፍሪቃ ቅድሚ ሕጂ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ፈጺማቶ ዝበሃል ገበናት ኲናት ምስ ዝተኣሳሰር ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ኣቕሪባ ነይራ።

ዓለም ለኻዊ መጋባእያ ገበን ብጃምላዊ ቅትለት፣ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ዝተኸሰሱ ውልቀሰባት ይምርምርን ይፈርድን እዩ።

እስራኤል ግን ነቲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ኣፍልጦ ኣይትህቦን እያ።

እዚ ሕጂ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ብ7 ጥቅምቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ዝተበገሰ ኮይኑ፡ ኣስታት 1200 ሰባት - መብዛሕትኦም ሲቪላት - ዝቐተለ ኮይኑ፡ ካልኦት ኣስታት 240 ጅሆ ተታሒዞም።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ኣብ ዘካየደቶ ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ልዕሊ 21,500 ሰባት - መብዛሕትኦም ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን - ከምዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።