ክሪፕቶ፡ ባይናንስ እንታይ’ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ባይናንስ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ መተዓዳደጊ ክሪፕቶካረንሲን ካልእ ዲጂታዊ ሃብቲታትን እዩ።
ብማእከላይ ገምጋም 150 ሚልዮን ተጠቀምቲ ኣለዉዎ።
መጀመርታ ማእከሉ ኣብ ቻይና እኳ እንተነበረ፡ ጸኒሑ ዋና ቤት ጽሕፈት ባይናንስ ናብ ማልታ ግዒዙ።
ግብሪ ዝኸፍለሉ መዝገብ ግን ኣብ ደሴታት ካይማን እዩ ዝርከብ።
ክሪፕቶካረንሲ ብኸመይ’ዩ ዝሰርሕ?
ብቐሊሉ ንምርዳእ፡ ክሪፕቶካረንሲታት ኣብ ኢንተርነት እንጥቀመሎም ዲጂታዊ ባጤራ’ዮም።
እዚ ማለት፡ ልክዕ ከም ናይ ባንኪ ገንዘብ ወይ ሳናቲም ኣብ ጁባኻ ኰፍ ኣይብሉን – ምሉእ ብምሉእ ቨርቹዋል’ዮም።
እዚ፡ ክትርእዮ ወይ ክትድህስሶ ዝክኣል እኳ እንተዘይኰነ፡ ጠቓሚ’ዩ።
ክሪፕቶካረንሲ ኣብ ስማርት ተሌፎናት ወይ ኮምፒተር ኣብ ዲጂታዊ ዋለት ዝኽዘን ኰይኑ፡ ወነንቲ ነዚ ተጠቂሞም ክፍሊታት ክፍጽሙ ወይ ናብ ሰባት ክሰዱ ይኽእሉ።
ብተወሳኺ ኣብ ከም ባይናንስ ዝኣመሰለ ምልውዋጥ ብኢንተርነት ክሽየጡ ይኽእሉ።
ቻንግፐንግ ‘ሲዜድ’ ዣኦ መን’ዩ?
ኣካታዒ መስራቲ ትካል ባይናንስ ቻንግፐንግ ዣኦ፡ ብዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ ገበነኛ ምዃኑ ምስ ኣመነ፡ ብ2023 ካብ ስልጣኑ ወሪዱ።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ነቲ ኣብ መንጐ ጠበቓን ተኸሳስን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምእማን ገበን ባይናንስ፡ 4.3 ቢልዮን ዶላር ክኸፍል ዳኛ ኣመሪካ ኣጽዲቑ ኣሎ- እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ካብ ዝዓበዩ ገበናዊ መቕጻዕቲታት ሓደ እዩ።
ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ፡ ባይናንስ ተጠቀምቲ እገዳታት ክተሓላለፉ ሓጊዙዎም’ዩ ይብል- ገበነኛታትን ግብረሽበራውያንን ብቐሊሉ ገንዘብ ከንቀሳቕሱ ከም ዝገበሮም ይኸስስ።
ነዚ ድማ፡ ካብ ሶርያ፡ ኢራንን ሩስያን ዝተገብሩ ምንቅስቓሳት ገንዘብ ጠቒሱ።
ኮሚሽን ድሕነትን ሸርፍን ኣመሪካ፡ ባይናንስን ዣኦን ነቲ ንኣውፈርቲ ንምክልኻል ዝዓለመ ሕግታት ዕሽሽ ከም ዝበሉ ይገልጹ።
ኣብዚ እዋን፡ ሲንጋፖራዊ ሪቻርድ ቴንግ ፈጻሚ ስራሕ እቲ ትካል ኰይኑ ይሰርሕ ኣሎ።
ሰባት ስለ ምንታይ ኣብ ናይጀሪያ ተኣሲሮም?
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክልተ ኣካየድቲ ስራሕ ባይናንስ ናብ ናይጀርያ ድሕሪ ምእታዎም ተቐይዶም።
ኣብዚ ጉዳይ ካብ ባይናንስ ርእይቶ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰመረን።
ኣመሓዳሪ ማእከላይ ባንክ ናይጀርያ ኦላየሚ ካርዶሶ፡ 26 ቢልዮን ዶላር ኣሰሮም ክርከብ ካብ ዘይተኽኣለ ምንጪታትን ተጠቀምትን ብባይናንስ ናይጀርያ ከም ዝተሰጋገረ ገሊጹ።
ንሱ ወሲኹ፡ ትካል ጸረ-ብልሽውና ናይጀርያ፡ፖሊስን ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነትን ኣብታ ሃገር ንኣጠቓቕማ ምልውዋጥ ክሪፕቶካረንሲ ዝምልከት መርመራ የዋድዱ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።
ስለ ምንታይ ሕጂ?
ኣካየድቲ ስራሕ ባይናንስ ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተው፡ ኣብ ናይጀርያ ኣብ ልዕሊ ትካላት ክሪፕቶካረንሲ ሰፊሕ ስጕምቲ ኣስዒቡ'ዩ።
ሰበስልጣን፡ ክሪፕቶካረንሲ ገንዘብ ብዘይሕጋዊ መገዲ ንምዝውዋርን መተዓዳደጊ ባእታ እታ ሃገር ንምድኻምን ይውዕሉ ኣለው ዝብል ሻቕሎት ኣለዎም።
ብሕዳር 2022፡ ባይናንስ ናይጀርያውያን ነጋዶ ባጤራ እታ ሃገር ካብቲ ናይ ኦንላይን ባይናንስ ሕሳቦም ከእትውዎን ከውጽእዎን ኣኽኢልዎም - እዚ ማለት ንኣብነት ባጤራ ኒራ ብቢትኮይን ክሸጥዎ ይኽእሉ ማለት’ዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ፡ ባይናንስ ኣብታ ሃገር ንዝነበረ ሸርፊ ወጻኢ ብምትላል ይኽሰስ ነይሩ። ኣካየድቲ ናይቲ ክሪፕቶ ግን ነዚ ክሲ ይነጽጉዎ።
ባይናንስ ብግምት ባጤራ ብምውሳን ንዋጋ ሸርፊ ወጻኢ ከም ዝተቘጻጸረን፡ እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኒያራ [ባጤራ ናይጀርያ] ዳርጋ 70 ሚእታዊት ካብ ዋጋኡ ከም ዝሰኣነን ይገልጽ።
ከም ጸብጻብ ፋይናንሻል ታይምስ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ፍሉይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ቲኑቡ ዝዀነ ባዮ ኦናኑጋ፡ ባይናንስ መጠን ሸርፊ ናይጄሪያ ይሰርዕ ከም ዘሎን ንተራ ማእከላይ ባንክ ይጨውዮ ከም ዘሎን ተዛሪቡ’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







