ትካል ክሪፕቶካረንሲ 10 ቢልዮን ዶላር ክኸፍል ዝኣዘዘት ሃገር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግስቲ ናይጀርያ፡ ካብ ትካል ክሪፕቶካረንሲ ባይናንስ ዳርጋ 10 ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ከም ዝሓተተ ገሊጹ።
ባይናንስ ብግምት ባጤራ ብምውሳን ንዋጋ ሸርፊ ወጻኢ ከም ዝተቖጻጸረን፡ እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኒያራ [ባጤራ ናይጀርያ] ዳርጋ 70 ምኢታዊት ካብ ዋጋኡ ከም ዝሰኣነን ይገልጽ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ኣብ ናይጀርያ ክልተ ኣካየድቲ ስራሕ ባይናንስ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ተገሊጹ።
ባይናንስ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ርእይቶ መልሲ ኣይሃበን።
ናይጀርያ ዝዓበየት ቁጠባ ኣፍሪቃ ኰይና፡ ብተወሳኺ ድማ ሓንቲ ካብተን ዝዓበያ ዕዳጋታት ክሪፕቶካረንሲ ዓለምና እያ።
ብሰሉስ ኣመሓዳሪ ማእከላይ ባንክ ናይጀርያ ኦላየሚ ካርዶሶ፡ ባይናንስ ናይጀርያ 26 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ክትከታተሎ ዘይትኽእል ገንዘብ ከም ዘግዓዘ ገሊጹ።
"እዚ ክስታት ከቢድ እዩ። እዚ ዓቢ ገንዘብ'ዩ - ካብቲ ዓመታዊ ናይጀርያ ዲያስፖራ ዝለኣኽ 24 ቢልዮን ዶላር ዝዛይድ'ዩ" ክብል ኣማኻሪ ሲኤፍጂ ትለዋ ኣደባጆ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣስታት 12 ምኢታዊት ካብ ጠቕላላ እቶት ናይጀርያ ዝመጣጠን ሸርፊ ክሪፕቶካረንሲ ኣብ ዓመት ክሳብ ሰነ 2023 ከም ዝተኻየደ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።
ኣብ ናይጀርያ ክሪፕቶካረንሲ ዘይሕጋዊ'ኳ እንተዘይኰነ፡ መንግስቲ ትካላት ኣብኡ ንኽሰርሓ ክምዝገባ ኣለወን ይብል።
ፍሉይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ናይጀርያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ባይናንስ ነዚ ክገብር ከም ዘይከኣለ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ቦላ ቲኑቡ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ስልጣን ምስ መጸ፡ ነቲ ኒያራ ምስ ዶላር ምትእስሳር ዝብል ፖሊሲ ብምስራዝ፡ ነጋዶ ነቲ ባጤራ ብዕዳጋ ብዝተወሰነ መጠን ክገዝእዎን ክሸጡን ኣኽኢልዎም።
ፍሉይ ኣማኻሪ ባዮ ኦናኑጋ ግን እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ጸገም ውጽኢት ንቡር ንጥፈታት ከም ዘይኰነ ገሊጹ።
"ሃንደበት እቲ ሸርፊ ተወንጪፉ... እዚ ድማ ብሰንኪ ትካል ክሪፕቶካረንሲ ባይናንስ ዝተኸሰተ’ዩ" ክብል ንቢቢሲ ኒውስደይ ተዛሪቡ።
እቲ ኣማኻሪ ወሲኹ "መንግስቲ ኢዱ ጠሚሩ እዚ ነገር ክቕጽል ክፈቅድ የብሉን" ኢሉ።
ባይናንስ ኣብታ ሃገር ካብ ዘለዉ ፍሉጣት ክሪፕቶካረንሲ ሓደ ምዃኑ ይፍለጥ እዩ።
ንናይጀርያውያን ተጠቀምቲ ዘሕዝን ድማ፡ ባይናንስን ካልኦት ሓያሎ ትካላት ክሪፕቶካረንሲን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብታ ሃገር፡ ንኮይንቤዝ፡ ክራከን፡ ፎረክስታይም፡ ኦክታኤፍኤክስ፡ ክሪፕቶን ኤፍኤክስቲኤምን ሓዊሱ፡ ምንቁልቋል ዋጋ ኒያራ ንምርግጋዕ ኣብ ዝገበርዎ ፈተነ፡ ካብ ስራሕ ተኣጊዶም ኣለዉ።
መንግስቲ ናይጀርያ፡ ክሪፕቶካረንሲ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብን ምወላ ራዕዲን ይውዕል ስለ ዘሎ ገለ ካብ ምኽንያታት ምንቁልቋል ዋጋ ኒያራ ከም ዝዀነ’ዩ ዝገልጽ።
ኣመሓዳሪ ማእከላይ ባንክ ሚስተር ካርዶሶ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ናይጀርያ ኣብ ገለ ትካላት ክሪፕቶካረንሲ "ዘይሕጋዊ ዋሕዚ" ከም ዝተራእየ ገሊጹ።
ናይጀርያ ንግዲ ባጤራ ወጻኢ ንምግታእ ዓሊማ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ትካላት መሽረፍቲ ባጤራታት ወጻኢ ከም ዝዓጸወት ተገሊጹ።
ማእከላይ ባንክ ናይጀርያ፡ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ብ1595 ኒያራ ዝሽረፍ ዘሎ 1 ዶላር ኣመሪካ ንምርግጋእ ጸቕጢ ይግበረሉ ኣሎ።
ምንቁልቋል ዋጋ ኒያራ ነቲ ቅልውላው ዋጋ መነባብሮ ኣጋዲድዎ ኣሎ። ልዑል ዋጋ መግብን ኣቑሑትን - ነዳድን መጓዓዝያን ሓዊሱ - ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ተቓውሞታት ከም ዘስዓበ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







