ፈነወ ተለቪዥን ኢትዮጵያ ብኸቢድ ከምዝቕጻዕ ፊፋ ኣፍሊጡ

ኢትዮጵያን ብሮድካስቲ ኮርፖረሽን [ኢቢሲ] ነቲ ኣብ ቐጠር ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም 2022 ብዘይ ወግዓዊ ፍቓድ ብቐጥታ ስለዘመሓላለፎ ብኸቢድ ክቅጻዕ ምዃኑ ፊፋ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ፊፋ፡ ትካል ፈነወ ተለቪዥን ኢትዮጵያ - ኢቢሲ ካብቲ ዝተፈቐደሉ ጸወታታት ወጻኢ ንዋንጫ ዓለም ምምሕልላፉ ነቲ ምስ ፊፋ ዘለዎ ውዕል ዝጥሕስ’ዩ ኢሉ።
በዚ መሰረት ፊፋ ምስ ኢቢሲ ዘለዎ ውዕል ከምዘቋረጾ ብምግላጽ፡ “ከቢድ” ስጕምቲ ንምውሳድ ይዳሎ ከምዘሎ ኣፍሊጡ'ሎ። እንተዀነ እቲ ከቢድ ዝበሎ ስጕምቲ እንታይ ምዃኑ ኣይገለጸን።
ኢትዮጵያን ብሮድካስቲ ኮርፖረሽን ምስ ፊፋ ዘለዎ ውዕል ስለዝተቛረጸ፡ ነቲ ክሳብ 18 ታሕሳስ ኣብ ቐጠር ዝካየድ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም ከመሓላልፎ ኣይክኽእልን’ዩ።
ፊፋ፡ ዋላ'ኳ ከምዚ እንተበለ፡ ኢቢሲ ግን ክሳብ ሕጂ ንጸወታታት ዋንጫ ዓለም ምትሕልላፍ ይቕጽል ኣሎ።
ፊፋ ከምዝበሎ፡ ብዝዀነ ዓይነት ኣገባብ ፈነወ፡ ቀጥታዊ ፈነወ ተሌቪዥን ይዅን ዲጂታላዊ ኣገባብ ናብ ህዝቢ ምምሕልላፍ ስርቂ ስለዝዀነ፡ ነዚ ኣትሪሩ ከምዝቓለስን ነዚ ንዝፍጽሙ ትካላትን ውልቀሰባትን ከኣ ስጕምቲ ክወስድን እዩ።
ኣብ ርእሲኡ ንኸምዚ ዓይነት ተግባራት ንምግታእዓቢይ ወፍሪ ከምዘካይድ ብምሕባር፡ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት መሻርኽቱ ብምዃን ነቲ ጸወታ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ንዘመሓላልፉ ኣለልዩ ደው ንምባሎምን ንምቅጽዖምን ከምዝሰርሕ ሓቢሩ።
ኢትዮጵያን ብሮድካስቲን ኮርፖሬሽን [ኢቢሲ] ብዛዕባ እዚ ፊፋ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ይዅን መቕጻዕቲ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መልሲ የለን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







