300 ቶን ረድኤት ናብ ኣላማጣ ምብፅሑ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, WFP
ሰብኣዊ ረድኤት ዝፀዓና ቃፍላይ መኻይን ካብ ክልል ኣምሓራ ኮምቦልቻ ሰጊረን ናብ ትግራይ ከምዝኣተዋ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ገሊፁ።
እቲ ናብ ከተማ ኣላማጣ ዝበፅሐ "300 ቶን [3,000 ኩንታል] ስርናይ፣ ዝተፃፀየ ዓይኒ ዓተርን ዘይቲን ይራገፍ ኣሎ" ክብል እቲ ትካል ሓቢሩ'ሎ።
ሎሚ ሓሙስ ናብቲ ከባቢ ዝኣተወ ረድኤት ብቐጥታ ናብ 67 ሽሕ ሰባት ነበርቲ ኣላማጣ ክዕደል ምዃኑ'ውን ወሲኹ ሓቢሩ። "ብኹሎም ኮሪደራትት ኣቢልካ ብጽርግያ ዝበፅሕ ሓገዝ ወሳኒ እዩ" ክብል ኣብቲ ብትዊተር ዝዘርግሖ ሓፂር ሓበሬታ ኣተሓሳሲቡ።
ካልኦት ቀረባት ሰብኣዊ ረድኤት?
ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ናይ መግቢ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከምዝኣተዋ ትማሊ ምግላፁ ይዝከር።
እቲ ትካል ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ብመስመር ጎንደር ዝኣተወ ቃፍላይ ድሕሪ ሰነ 2021 ንፈለማ እዋን ዝኣቱ ዘሎ ምዃኑ ጠቒሱ።
"ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤት ነቶም ኣብ ከተማ ማይ ጸብሪ ዘለዉ ማሕበረሰባት ክበጽሕ'ዩ። ተወሳኺ መግቢ፡ መኣዛዊ ትሕዝቶ ዘለዎ መግቢ፡ ሕክምናዊ ነገራት ዝሓዘ ጽዕነታት ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ብኹሉ ዝክኣል መስመራት ክስዕብ'ዩ" ክብል ድማ ኣፍሊጡ።
ብዘይካ'ዚ፡ ንፈተነ ናብ ከተማ ሽረ ናይ ፈተነ በረራ ከምዘካየደ እቲ ትካል ትማሊ ሓቢሩ'ሎ።
"ሰራሕተኛታት ረዲኤትን ኣገዳሲ መዓዛዊ መግቢን፡ ሕክምናዊ ቀረባትን ንምጉዕዓዝ ተወሳኺ በረራታት ንምስዳድ ውጥን ኣሎ" ኢሉ።
"ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ኣብ ምሉእ እቲ ክልል እኹል ሸፈነ ንምሃብ ናብ መቐለ ዝግበር ናይ ኣየር በረራታት'ውን ከድሊ'ዩ" ይብል ፕሮግራም መግቢ ዓለም።
ብሰኑይ 15 ሕዳር፡ መድሃኒት ዝጸዓና ቃፍላይ መካይን ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ናብ ከተማ መቐለ ኣትየን ነይረን።
እተን ክልተ ናይ ፅዕነት መኻይን መድሓኒታት፣ ኣብ እዋን ሓደጋን ቀዳማይ ረድኤት ሕክምናን ዘገልግሉ ናውቲ ከምዝሓዛ ትማሊ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ጠቒሱ ነይሩ።
ሜዲካል ዳይሬክተር ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ዶክተር ክብሮም ገብረስላሴ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓፂር ሓበሬታ፡ እተን መኻይን ናብ መቐለ ብዛዕባ ምምፀአን ከምዝሰምዑ ብምግላፅ፡ ዛጊድ ግን ናብ ሆስፒታሎም ዝበፅሐ ሓገዝ ከምዘየለን እንታይ ዓይነት መድሓኒት ፅሒነን ከምዝመፅአ ከምዘይፈልጡን ተዛሪቡ።
ሎሚ ሰሉስ'ውን፡ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ንፈለማ እዋን ሰብኣዊ በረራታት ናብ ትግራይ ከምዝጀመረ እቲ ማሕበር ቀይሕ ሓቢሩ'ሎ።
"ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣብ ከተማ ሽረ ናይ ፈተነ በረራ ኣካይዱ'ሎ" ድሕሪ ምባል "እቲ ግጭት ድሕሪ ምውልዑ ድሕሪ ክልተ ዓመት ዝተገብረ ሰብኣዊ በረራ" ምዃኑ ጠቒሱ።
"ናብ ትግራይ ዝካየድ በረራታት ምጅማር፡ ጸበባ ናይቶም ህጹጽ ደገፍ ዘድልዮም ንምፍታሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ብቕልጡፍ ናብቲ ክልል ክኣቱ ዝሕግዝ'ዩ" ኢሉ።
ዝበዝሕ ክፋላት ትግራይ፡ ውግእ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ናይዚ ዓመት ዳግማይ ድሕሪ ምውልዑ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ዕጽዋ ኣትዩ፡ ዝኾነ ረዲኤት ክበጽሖ ከምዘይጸንሐ ይፍለጥ።
ትካላት ረዲኤት፡ ኣስታት 6 ሚልዮን ህዝቢ ናይቲ ክልል ህጹጽ መግብን መድሃኒትን ዝርከቦ ሰብኣዊ ሓገዝ ብህጹጽ ክበጽሖ ክሓቱ ጸኒሖም'ዮም።
እዚ ናብቲ ክልል ክበጽሕ ጀሚሩ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ብመሰረት ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተዛዘመ ናይ ኬንያ ርክብ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን'ዩ ተረጋጊጹ ዘሎ።
ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ህዝቢ እቲ ክልል ምብጻሕ ሓደ ካብ ቀንዲ ስምምዓት ፕሪቶርያን ናይሮቢን እዩ።
ብመሰረት ዓንቀጽ 5 ውዕል ፕሪቶርያ፡ ተዋጋእቲ ወገናት እዚ ዝስዕብ ከተግብሩ ተሰማሚዖም ኣለዉ።
"ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብ ምትሕብባር" ከምኡ'ውን "ንኹሉ ዝቐርብ ሰብኣዊ ሓገዛት ብኣፍልጦን ምክትታልን መንግስቲ ክኸውን።
"ሰራሕተኛታትን ትካላትን ሰብኣዊ ረድኤት ብዝሓትዎ መሰረት ውሕስነት ድሕነት ክወሃቦም" ዝብል ይርከቦ እቲ ኣብ ናይሮቢ ዝተፈረመ ኣዋጅ።
እቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያን ሰፊሕ ምፍንቓልን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ'ሎ።
ክልቲኦም ተጻባእቲ ብ2 ሕዳር ኣብ ፕሪቶርያ ኣብ ዝፈረምዎ ስምምዕ፡ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት ብምክያድ፡ ነቲ ኩነታት ናብ ንቡር ንምምላስ ቃል ኣትዮም ኣለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







