ኢትዮጵያ 40 መዓልታት ብምጻም ንየሱስ ክረኽቡ ንዝመጹ ዩጋንዳውያን ናብ ሃገሮም መሊሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
'ምጾታት' ብምፍራሕ ካብ ዩጋንዳ ተበጊሶም ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዝጸንሑ ኣባላት ሓደ ሃይማኖታዊ ኣምልኾ ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ሰብመዚ ዩጋንዳ ገሊጾም።
ብዝሖም 80 ከምዝበጽሕ ዝተገለጸ እቶም ኣባላት ሓደ ሃይማኖታዊ ጉጅለ፡ ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ ን40 መዓልታት ምስ ዝጾሙ "ምስ የሱስ ክራኸቡ" ከምዝኽእሉ ፓስተሮም ከምዝነገሮም ይግለጽ።
ፖሊስ ነቲ ሳይሞን ኦፖሎት ዝተባህለ መራሒ እቲ እምነት ኣብ ቀይዲ ንምእታው ስርሒት የካይድ ኣሎ።
እቶም ‘ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ’ ናይ እትብሃል ቤተ ክርስቲያን ኣባላት ዝኾኑ 80 ሰባት ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ንብረቶም ድሕሪ ምሻጥ ኣብ ምብራቓዊ ዩጋንዳ ካብ ዝርከብ ገጠር ኣስታት 500 ኪ.ሜ ተጓዒዞም ናብ ደቡብ ኢትዮጵያ ከም ዝኸዱ ይግለጽ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዩጋንዳ፡ ሳይሞን ሙንደይ "እቶም ዝተመልሱ ምእመናን፡ ፓስተር ኦፖሎት፡ ን40 መዓልታት ምስ ጾሙ ኣብ መበል 41 መዓልቲ ንየሱስ ከምዝረኽብዎ ከምዘእመኖም ገሊጹ" ክብል ጋዜጣ ዳይሊ ሞኒተር ብምጥቃስ ሓቢሩ።
"እቲ ቅድመ ኩነት ምስ የሱስ ንምርኻብ ኣብ ኢትዮጵያ ክኾኑ ኣለዎም። ድሕርዚ ዓለም ብኡንብኡ ክትውዳእ እያ" ዝብል እዩ ነይሩ።
ይኹንእምበር፡ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ መጋቢት ምምጽኦም ምስ ፈለጡ፡ ናብ ሃገሮም ዝምለሱሉ መገዲ ክሳዕ ዝዳሎ፡ ናብ ሓደ ቦታ ብምውሳድ ክከታተልዎም ከምዝጸንሑ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።
ሚስተር ሙንደይ ንደይሊ ሞኒተር ከም ዝሓበሮ፡ እቶም ብቐንዱ መምህራንን ሲቪል ሰራሕተኛታትን ዝኾኑ ኣባላት እቲ ጉጅለ፡ ድሕሪ’ቲ ብዘይ ዝኾነ መግቢ ዝገበርዎ ነዊሕ ጉዕዞ፡ ኣዝዮም ተዳኺሞም ምንባሮም ገሊጹ።
ኣብ 2000 ብውሑዱ 700 ኡጋንዳውያን ኣባላት ሓንቲ ሃይማኖታዊ ጉጅለ ኣብ ቤተክርስትያን ተዓጽዮም ብሓዊ ተቓጺሎም ምማቶም ዝዝከር እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ኬንያ'ውን፡ ኣብ ርሑቕ ጫካ ኣብ ዝርከብ ዕምቖት ዘይብሉ መቓብራት ልዕሊ 280 ሬሳታት ድሕሪ ምርካቡ፡ ምስቲ ጉዳይ ብዝተኣሳሰር ፓስተር ፖል ንቴንገ ማከንዚ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ እዩ። ንሱ እቶም ሰባት ብጥሜት ክሞቱ ድፊኢት ብምግባሩ ይኽሰስ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







