እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ተጋጭዩ ዝበሃል ሓሶት እዩ’ - ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ሱዳን ከምዘይተጋጨወ ገሊጹ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ነዚ ዝገለጸ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ሱዳን መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ዝሕብር ሓበሬታ ምስ ተዘርግሐ እዩ።
ንሱ፡ ትማሊ ሓሙስ 13 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ብቋንቋ ዓረብ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ከምዚ ዓይነት ናይ ሓሶት ጸብጻባት ዝዝርግሑ ኣካላት ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቡ።
"ኣብዚ ህዝብታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ብዙሕ ብድሆታት ኣብ ዝገጥሙሉ ዘለው ወሳኒ እዋን፡ ናይ ሓሶት ክስታት ብምዝርጋሕ ፖለቲካዊ መኽሰብ ንምምዝጋብ ዝጽዕሩ ሰባት ኣለው" ኢሉ።
ምጅማር ኲናት ትግራይ ስዒቡ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዶብ ሱዳን ዓስኪሩ ዝነበረ ሰራዊታ ድሕሪ ምልዓላ፡ ሱዳን ሰራዊታ ብምውፋር ነቲ ናተይ እትብሎ ዶባዊ ከባቢታት ተቖጻጺራቶ ጸኒሓ ኣላ።
ክልቲአን ሃገራት ዝካትዓሉ ኣልፋሽቃ፡ ልሙዕ መሬት ስለዝኾነ ልዑል ልምዓት ሕርሻን ተዛማዲ ኢንቨስትመንትን ይካየደሉ።
ሱዳን ዝወሰደቶ ስጉምቲ ስዒቡ፡ ኢትዮጵያ እቲ ዶባዊ ከባቢ ናብ ንቡር ክምለስን ክልቲአን ሃገራት በቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ኮሚሽን ዶባት ኣቢለን ነቲ ጸገም ብዘተ ክፈትሓ ብተደጋጋሚ ክትሓትት ጸኒሓ እያ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ግጭት ስዒቡ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ዶባዊ ከባቢታት ዳግማይ ንምሓዝ ሰራዊታ ኣዋፊራ ምህላዋ ዝገልጽ ዘይተረጋገጸ ጸብጻባት ካብ ሱዳን ክወጽእ ቐንዩ።
ብኻልእ ወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኩነታት ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ብቐረባ ይከታተሎ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ፡ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈቱን ኤምባሲኡን ኣቢሉ ድሕነት ኢትዮጵያውያን ንምሕላው ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ’ሎ።
ኤምባሲ ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ሱዳን ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ህይወት ኢትዮጵያውያን ከምዝጠፍአ ሓበሬታ ከምዝረኸበ ገሊጹ ኔሩ።
ብሰንኪ እቲ ውግእ፡ ክንደይ ኢትዮጵያውያን ህይወቶም ከምዝሰኣኑ እኳ እንተዘይገለጸ፡ ዜጋታት ዝከኣሎም ኩሉ ጥንቃቐታት ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ።