እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ሱዳን ንጐረባብቲ ሃገራት ብኸመይ ይጸልወን?
ሱዳን ካብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ኣትሒዛ ብፍላይ ብሰንኪ ወተሃደራዊ ግጭት ትሕመስ እያ ዘላ። ክልተ ጀነራላት በብቲ ዝእዝዝዎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣቢሎም ንስልጣን ኣብ ጐነጽ ኣትዮም ኣለው።
ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ፕረዚደንት ልኡላዊ ቤት ምኽሪን ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ሃገርን እዩ።
ምስ ስሩዕ ሰራዊት ሱዳን ተጋጭዩ ዘሎ ሓይሊ ህጹጽ ደገፍ፡ ብምክትል ፕረዚደንት ልኡላዊ ቤት ምኽሪ፡ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ - ሕሜቲ ዝምራሕ እዩ።
ኣብ መንጐ ክልቲኦም ጀነራላት፡ ዝተልዓለ ንሕንሕ ስልጣን፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱምን ካልኦት ሓያሎ ከተማታትን ግጭት ኣስዒቡ፤ ብዙሓት ህይወቶም ስኢኖም።
ድሕሪ ምእላይ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር፡ እቲ መንበር ዝሓዘ ሲቪላዊ ምምሕዳር ካብ ስልጣኑ ክለቅቕ ግዜ ኣይወሰደሉን። ካብ ሽዑ ጀሚራ ሱዳን ብስም ‘ልኡላዊ ቤት ምኽሪ’ ብኽልተ ጀነራላት ሰራዊት ትመሓደር ኣላ።
ማእከል እቲ ጐንጺ እዞም ክልተ ጀነራላት እዮም። እቶም ጀነራላት፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ሱዳን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምስግጋር ከምዝተሰማምዑ ገሊጾም።
እንተዀነ፡ እቲ ብሰፊሑ ‘ሕሜቲ’ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ጀነራል ዳጋሎ ዝምራሕ 100,000 ኣባላት ዝሓቘፈ ሓይልታት ህጹጽ ወሃቢ ደገፍ፡ ‘መዓስ እዩ ናብ ሰራዊት እታ ሃገር ዝጽንበር’ን ብድሕሪኡ ነቲ ዝተዋሃሃደ ሰራዊት መን ከም ዝመርሖን ኣብ ዝብል ግን፡ ክልቲኦም ጀነራላት ክሰማምዑ ኣይከኣሉን።
እቲ ግጭት ቅድሚ ምውልዑ፡ ልዑል ወጥሪ'ዩ ነይሩ። ውግእ ክለዓል እዩ ተባሂሉ ግን ትጽቢት ኣይተገብረን። ሱዳናውያን፡ እቶም ጀነራላት ፍልልያቶም ብዘተ ክፈትሕዎ እዮም ዝብል እምነት ነይርዎም። ንሳቶም ግን ካልእ ጐነጻዊ መንገዲ መሪጾም፤ መጻኢ ሱዳን እውን ኣብ ሕቶ ኣትዩ።
መንቀሊኡ እንታይ እዩ?
እቲ ስግኣት ኣብ ልዕሊ ሱዳናውያን ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኮነን።
ቅልውላው ሱዳን፡ እናገደደ እንተቐጺሉ፡ እቲ ሳዕቤን ናብ መላእ ምብራቕ ኣፍሪቃ’ውን ክልሑኽ’ዩ።
ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሃሸም ተንታኒ ፖለቲካ ምብራቕ ኣፍሪቃ እዩ።
ኣቡሃሸም ምስ ቢሲሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ ድሕሪ ዕልዋ መንግስቲ ፕረዚደንት ኣልበሽር፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ናብ ፖለቲካዊ ስልጣን ምእታዉ ሓደገኛ ከምዝነበረ ቅድም ክብል’ውን ሰጊኡ ከምዝነበረ ይዝክር።
እቲ ተንታኒ፡ ነዚ ክልተ ምኽንያታት ይጠቅስ።
እቲ ሓደ ወተሃደራዊ ሓይሊ ስልጣን እንተደኣ ሒዙ ክወጽእ ፍቓደኛ ኣይክኸውንን ዝብል እዩ። 'ስልጣን ንሲቪላዊ ምምሕዳር ከነረክቦ ኢና' ጥራይ ኢሎም። ንህዝቢ ንምህዳእ ‘ምበር፡ እቲ ውሳነ ቅንዕና ዝነበሮ ኣይነበረን።
እቲ ካልኣይ ምኽንያት ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ሰራዊት ዘሎ ምክፍፋል እዩ። እቲ ብሕሜቲ ዝምራሕ ሰራዊት ደጋፊ ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ዝመስል'ኳ እንተነበረ፡ ድሕሪ ዕልዋ መንግስቲ ግን ርእሱ ዝኸኣለ ኣካል እዩ ኰይኑ። ብመሰረት ዓብዱራሕማን ኣቡሃሽም፡ እዚ ናብ ሓደገኛ ነገር ከም ዝመርሕ ንጹር ነይሩ።
እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ኣብታ ሃገር ጥራይ ዝተሓጽረ ዘይኰነስ ምስ ካልኦት ሃገራት ቀጥታዊ ርክብ ነይርዎ። ሰራዊት ናብ የመንን ሊብያን ከዋፍር ምኽኣል፤ ዝተዓጠቘ ዓይነት ብረት፡ ዘዋህለሎ ገንዘብን ዘሳልጦ ዝነበረ፡ ዲፕሎማሲን፡ ልዕሊ እቲ ስሩዕ ሰራዊት ከም ዝኸደ ዘርእይ ምልክት ምዃኑ የረድእ።
“[እቲ ሓይልታት ህጹጽ ወሃቢ ደገፍ] ጉልበት እናረኸበ መጺኡ። ኣብ መወዳእታ ናብዚ ግጭት ከም ዘምርሕ ይፍለጥ ነይሩ" ይብል ኣቡሃሸም።
እዚ ሓይሊ፡ መዓስ እዩ ናብ ሰራዊት እታ ሃገር ዝጽንበር? ብድሕሪኡ ነቲ ሓባራዊ ሓይሊ መን ይመርሖ? ድሕሪ ዝብል ክትዕ እዚ ዅሉ ተወሊዱ።
“ኣብ ሓንቲ ሃገር ክልተ ዕጡቓት ሓይልታት ክህልዉ ኣይክእሉን እዮም። ፍሉይ ዕጥቂ ኣለዎ፤ ናይ ባዕሉ ሰንሰለት እዚ ኣለዎ። ናይ ባዕሉ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ዘካይድ ሓይሊ እዩ። እዚ፡ ዓቕምን ተቐባልነትን ሰራዊት እታ ሃገር ዘጕድል እምበር ዘሐይል ኣይኰነን" ክብሉ ወሲኹ ገሊጹ።
ሱዳንን ጐረባብቲ ሃገራትን
ኣብ ሱዳን ቀጥታዊ ተገዳስነትን ረብሓን ዘለወን ብዙሓት ጐረባብቲ ሃገራት ኣለዋ።
እዚ ሕጂ ብግጭት ዝሕመስ ዘሎ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ህዱእ ኣይኰነን። ዋላ ተዅሲ እንተዘይሃለወ ወጥሪ ዘለዎ ከባቢ እዩ።
ተንታኒ ፖለቲካ ኣደም ካሴ፡ እቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ግጭት ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከምዝተበገሰ ይጠቅስ።
ኣብ ደቡብ ሱዳን ይዅን ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ወጥሪ ከምዘሎ ይዝክር።
“መስመር ቀይሕ ባሕሪ መሰረታዊ ንግዳዊ መስመር ዓለም እዩ። ነዚ ሓዊስካ፡ ሱዳን ዓባይ ሃገር ምዃና ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንሓጺር ይዅን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ግጭት ምቕልቃሉ፡ ነቲ ዞባ ከቢድ ጸገም ከስዕብ እዩ” ይብል።
ኣብ ሱዳን ዝፍጸም፡ ነቲ ዞባ ብኣሉታ ይዅን ብኣወንታ ክጸልዎ ይኽእልን፣ ብፍላይ እቲ ጸገም እንተገዲዱ ነገራት ከም ዝተሓላለኹን ይሕብር።
ሰባት ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክስደዱ ክጅምሩ ከምዝኽእሉ'ውን ኣደም ኣመልኪቱ።
እቲ ግጭት ምስተወለዐ፡ ካብ ግብጺ መጺኦም ኣብ ታዕሊም ክሳተፉ ዝጸንሑ ወተሃደራት፡ ብፍሉይ ሓይልታት ንኡስ ሰራዊት፡ መርወ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ‘ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር’ ከምዝኣተዉ ተሓቢሩ።
“ግብጺ ንኣልቡርሃን ትድግፎ እያ። ካይሮ እንታይ ዓይነት ስጕምቲ ከም እትወስድ ክንርኢ ኢና። ኮፍ ኢላ ግን ኣይትርእን እያ። እቲ ኵነታት የፍርሓ እይ። ሓደ ካብኡ ሰፊሕ ዶብ ስለዝሻረኹ፤ እቲ ካልኣይ ድማ ሩባ [ኒል] ኣባይ ብሱዳን እዩ ይሓልፍ" ይብል ኣቡሃሸም።
ስለዚ ካይሮ ዕጫ ካርቱም ብቐረባ ክትከታተሎ እያ፡ ይብል።
ኣብ ሱዳን፡ ዝዀነ ናብ ስልጣን ዝመጽእ ሓይሊ ኣብ ዛዕባ ፈለግ ኣባይ ዘለዎ ቅዋም ኣዝዩ እዩ ዘሻቕላ። ኣንጻር ድሌት ካይሮ ዝዀነ ሓይሊ ናብ ስልጣን ከይድይብ ስግኣት ኣሎዋ። ስለዝዀነ፡ ናብ ሱዳን ናይ ምእታው ተኽእሎ ከምዘሎ፡ እቶም ተንተንቲ የመልክቱ።
ብተወሳኺ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበራ ናይ ኢድ ኣዙር ኣካይዳ ገዲፋ፡ 'ብቕሉዕ' ክትሳተፍ ከምእትኽእል ኣደም ይግምት።
ኢትዮጵያ፡ እንተዀነት’ውን፡ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብዙሕ ዘተሓሳስባ ነገር ኣሎዋ።
ብዘይካ ህንጸት ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ዶብ ክልቲአን ሃገራትን ወጥሪ ዝተመልኦ እዩ።
ብዙሓት፡ ካብ ኲናት ትግራይ ዝሃደሙ፡ ኢትዮጵያውያን [ተጋሩ] ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ይነብሩ።
ኣብ ሱዳን ዘጋጥም ቅልውላው፡ ኣብ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ናይ ገዛእ ርእሱ ጽልዋ ክህልዎ እዩ።
"ግርጭት ክሳብ ዝሃለወ፡ ኣብ ጉዳይ ግድብን ዶብን ሰላማዊ ዝዀነ ነገር ክህሉ ዝኽእል ዕድል ውሑድ'ዩ። ይዅን እምበር እቲ ግጭት ብሰላማዊ መንገዲ እንተተዛዚሙን፡ ንረብሓ ህዝቢ ሱዳን ዘቐድም ሰብ እንተሃልዩ፡ ብፍላይ ነቲ ግድብ ብዝምልከት ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ክብጻሕ ይኽእል እዩ" ይብል ኣቶ ኣደም።
ብመሰረት እቲ ተንታኒ፡ እቲ ጐንጺ እንተቐጺሉ ኣብ ልዕሊ እቲ ግድብን ምንቅስቓስ ህዝብን ከቢድ ሓደጋ ከስዕብ ይኽእል እዩ።
ኵነታት ኤርትራን ቻድን ካልእ ጉዳይ እዩ። "ብምብራቕ ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘራኽብ ብዙሕ ነገራት ኣሎ። መንግስቲ ኤርትራ ኢዱን እግሩን ኣጣሚሩ ኮፍ ኣይብልን። መንግስቲ ኤርትራን ቻድን ውግንናኦም፡ ምስ ሕሜቲ እዩ። ስለዚ እዞም ነገራት ነቲ ግጭት ከተሓላልኽዎ ይኽእሉ እዮም" ይብል ኣቡሃሸም።
ሱዳንን ኤርትራን
ኣብ መንጐ ኤርትራን ሱዳንን ነዊሕ ዓመታት ዝቐጸለ ዝምድናን ምትእስሳርን እዩ። ብፍላይ ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ካብ ምዕራባዊ ቈላታት ኤርትራ ናብ ሱዳን ዝስደድን ህዝቢ ብዙሕ ብምንባሩ፣ ሱዳን ከም ቀንዲ ማእከልን መሰጋጋሪትን ህዝብን ሰውራን ኤርትራ ምንባራን ተዛሚዱ፡ እቲ ምትእስሳር እዘን ክልተ ሃገራት ዓሚቝ እዩ።
ብዘይካ'ዚ፡ ሓያለ ኤርትራውያን ኣብ ቍጠባን ፖለቲካን ሱዳን ብፍላይ ኣብ ዞባ ምብራቕ ሱዳን ዓቢይ ጽልዋ ከምዘለዎም'ዩ ዝንገር።
ስለዚ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብወገን ምብራቕ ሱዳን ክመጽኦ ዝኽእል ስግኣታት ንምቍጽጻር ዘኽእሎ ምስ ሕሜቲ ብምስራሕዩ ብምባል፡ ኣቡሃሽም ውግንናኡ ምስኡ ክኸውን ከም ዝኽእል የቐምጥ።
ኣተሓሒዙ ኣቡሃሽም፡ ኤርትራ ምስ ክልቲኦም - ኣልቡርሃንን ሕሜቲን - ዝምድናታት ከም ዝጸንሓ ብምጥቃስ፡ ካብ ቀረባ እዋናት ኣትሒዙ ግን እቲ ዝምድና ናብ ሕሜቲ ክዘዙ ከምዝተራእየ የመልክት።
ኣብ ርእሲኡ፡ ኣልቡርሃን ጥቡቕ ዝምድና ምስ ግብጺ ስለዘለዎ፡ ኤርትራ ብመሰረትቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሃ ጥቡቕ ዝምድና፡ እዚ ምሕዝነት ኣልቡርሃን ናብ ግብጺ ንረብሓ ኢትዮጵያ ኣይከውንን ካብ ዝብል ቅማረ፡ ካብቲ ሓደ ምኽንያት ክኸውን ከም ዝኽእል የረድእ።
እዚ ጥራይ ዘይኰነ ግን፡ ካብ ግብጺ ወጻኢ ሕሜቲ ከም ኤርትራ ምስ ኢማራት ጥቡቕ ዝምድና ኣለዎ፣ ምስ ሩስያ'ውን ዝምድናኡ እና'ሓየለ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ። ስለዚ፡ እዚ ድማ ንኽልቲኦም ከተኣሳስሮም ከም ዝኽእል ኣቡሃሽም የረድእ።
ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሃሽም፡ "ብመሰረቱ ባህሪን ኣካይዳን ፕረዚደንት ኢሳይያስ እንተርኢና፡ ስሩዕን ትካላዊን - መንግስታዊን - ኣካይዳ ኣይመርጽን እዩ፡" ብምባል፣ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ምብራቕ ሱዳን ይዅን ብሓፈሻ ኣብ ሱዳን ዘለዎ ረብሓታት ንምርግጋጽ፡ ምስ ሕሜቲ ክሰርሕ ከምዝመርጽ ኣየጠራጥርን፡ ይብል።
ኣብዚ መድረኽ'ዚ ምትእትታው ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብጭቡጥ ዝፍለጥ ነገር የለን። እንተዀነ ኤርትራ ብዝዀነ መገዲ ጽልዋ ከምዝህልዋ እዩ ዝግመት።
ሕሜቲ፡ ኣብዚ እዋን ወተሃደራዊ ሓይሉ ኣጐልቢቱ፡ ብፍላይ ድሕሪቲ ናይ 2021 ዕልዋ፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳያት'ውን ካብቲ መንግስቲ ብዝተፈልየ መገዲ ብናጽነት ክንቀሳቐስን ዝምድናታቱ ክዝርግሕን ተራእዩ እዩ።
ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ዕደና ወርቂ ሱዳን ገዚፍ ኢድ ዘለዎን ብቝጠባ'ውን ዝዓንተረ፡ ዘይስሩዕ - ርእሱ ዝኸኣለ ወተሃደራውን ቍጠባውን ሓይሊ ሱዳን እናዀነ ክመጽእ ጸኒሑ'ዩ።
"ስለዚ፡ ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ምስ ዘርአ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብዘይጥርጥር ናብ ሕሜቲ ክውግን እዩ ክመርጽ፡" ብምባል ኣቡሃሽም ገምጋሙ የረድእ።
ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን
ኣብቲ ዝሓለፈ ኲናት ሕድሕድ፡ ኢትዮጵያ ሰራዊታ ናብ ትግራይ ምስ ኣዋፋረት፡ ሰራዊት ሱዳን ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ብምእታው ንብዙሓት ዝበሃሉ ከባቢታት ተቘጻጺሩ። እዚ ከሰሓሕብ ዝጸንሐ ከባቢ ኣልፋሽጋ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት እዩ።
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኢትዮጵያ ሕጂ ነዞም ከባቢታት ዳግማይ ክትቈጻጸሮም ኣለዋ ዝብሉ ወሃብቲ ርእይቶ ኣለዉ።
ኣብዚ እዋን እዚ ነዞም ቦታታት ምምላስ ዝብል ሓሳብ፡ "እቲ ጉዳይ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ግድብ ብዝምልከት ካብ ዝገበርናዮ ርክብ፡ ሰፊሕ ዶብ እንማቐል ጐረባብቲ ሃገራት ስለዝዀንና ብደረጃ ዓለም'ውን እንተዀነ ተቐባልነትና ከዳኽም ስለዝኽእል፡ ነቲ ከባቢ ብሓይሊ ዳግማይ ንምሓዝ ምፍታን ቅቡል ኣይኰነን” ክብል ኣደም ኣብሪሁ።
እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ ብሰላማዊ ዘተ ነቲ ጉዳይ ቀዋሚ ፍታሕ ምርካብ ምዃኑ ይሕብር።
ሱዳንን መጻኢ ዕድላን
ንኣቡሃሸም፡ እቲ ጉዳይ ውጽኢት 'ዜሮ ድምር ጸዋታ' ኰይኑ ኣሎ።
“[ክልቲኦም ወገናት] ኣብ ዜሮ ድምር ጸወታ ተጸሚዶም ኣለዉ። እዚ ማለት ሓደ ክዕወት ኣለዎ ማለት እዩ። ክልቲኦም ዝብልዎ ዘለዉ ከምኡ'ዩ። ሓደ ነቲ ካልእ ከጥፍኦ ወይ ክኣስሮ መደብ ኣለዎ" ክብል ኣቡሃሸም ይገልጽ።
ኣቡሃሸም ወሲኹ፡ "ሱዳናውያን ፍልይ ዝበለ ናይ ዕርቂ ባህሊ ኣለዎም። ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ግን ናብኡ ክበጽሑ ዕድል ዘለዎም ኣይመስለንን። ስለዚ ሓደ ካብኣቶም ክዕወት ኣለዎ።
“ምናልባት ዘይሰዓዓሩ እንተዀይኖም፡ ነታ ሃገር ጽቡቕ ዕድል ዝኸውን ኣብ መንጐ ክልቲኦም ዘሎ ባህሪ ዕርቂ ነንሕድሕዱ ይቕረ ተባሃሂሉ፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ብሓፈሻ ካብ ስልጣን ክወጽእ ኣብ ስምምዕ እንተተበጺሑ ጥራይ እዩ።
ህዝቢ'ውን ሲቪላዊ ምምሕዳር ክተከል ስለዝደሊ፡ ዓለምለኻዊ ጸቕጢ ተወሲኽዎ ናብ ስምምዕ ከምርሑ ተኽእሎ ኣሎ።
"እዚ እንተዘይኰይኑ ግን፡ ኣብ ሶማልያ ዝተራእየ፡ ዓይነት ግጭትን ምብትታንን ከጋጥም ይኽእል እዩ" ብምባል ኣቡሃሽም ስግኣቱ የቐምጥ።
ኣቶ ኣደም ካሴ ብወገኑ፡ ክልቲኦም ወገናት ብውልቈም እንተዘይኰነ፡ ብመገዲ ኢጋድ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት መሻርኽትን ናብ መኣዲ ዘተ ንኽመጽኡ፡ ጸቕጢ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ የመልክት።
"እቲ ዝበለጸ ንሱዳናውያን እታ ሃገር ናብ ዲሞክራሲ ክትሰጋገር ምሕጋዝ እዩ። ሰላም ዘምጽኣልና ዲሞክራሲ እዩ። ከም መትከልን ስትራተጅን፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ክንዲ ምስ ውልቀ መላኺ ወይ ጐይታ ኲናት ሰላም ምግባር፡ ንረብሓ ሱዳን ዝሕሉ ስርዓት ምፍጣር ይሓይሽ።
መጀመርያ እቲ ኲናት ደው ንኽብል ደገፍ ምሃብ ኣድላዪ እመስለኒ፡ ቀጺሉ፡ ህዝቢ ሱዳን ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንኽኣቱ ምሕጋዝ የድሊ" ይብል ኣቶ ኣደም።